ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
መብጽዓኻ ፈጽም
መብጽዓ እስራኤላውያን ብፍታው ዚግበር እኳ እንተ ነበረ፡ ኪፍጽምዎ ግና ነበሮም (ዘሁ 30:2፣ it-2 1162)
መብጽዓ ኻብ ዘይተኸልከለ ነገራት ምሕራም እውን የጠቓልል (ዘሁ 30:3, 4፣ it-2 1162)
ኣብዚ እዋን እዚ፡ የሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ዘለዎ ርክብ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እዩ (ዘሁ 30:6-9፣ w04 1/8 27 ¶4)
ሓደ ክርስትያን ኪመባጽዖ ዚኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኽልተ መብጽዓ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ኺውፊ ኸሎ ዚመባጽዖ መብጽዓን ኪምርዖ ኸሎ ዚኣትዎ ቓል ኪዳንን እዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንእተመባጻዕክዎ መብጽዓ እፍጽሞ ኣለኹ ድየ፧’