ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
‘ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ስጐጕዎም’
የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኼዐንቅፎም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት ኬወግዱ ኣዚዝዎም እዩ (ዘሁ 33:52፣ w10 1/8 23)
የሆዋ ነቲ ንምድሪ ተስፋ ኺርስተይዋ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ባሪኽዎ እዩ (ዘሁ 33:53)
እስራኤላውያን ንጸላእቶም ምሉእ ብምሉእ እንተ ዚስዕርዎም ነይሮም፡ ጸገማት ኣይመጋጠሞምን (ዘሁ 33:55, 56፣ w08 15/2 27 ¶5-6፣ it-1 404 ¶2)
ንየሆዋ ምእንቲ ኸነሐጕሶ፡ ንዅሉ እቲ ብመንፈሳውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ኬርክሰና ዚኽእል ነገራት ከነወግዶ ኣሎና። (ያእ 1:21) የሆዋ፡ ምስ ሓጥእ ዝንባለታትና ኽንቃለስን ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዚብክል ጽልዋታት ክንቃወሞን ሓይሊ ይህበና እዩ።