ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ሓግዞም
ኣኼባታት ጉባኤ ኣገዳሲ ኽፋል ንጹህ ኣምልኾ እዩ። (መዝ 22:22) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኼምልኹ ዚእከቡ፡ ሓጐስን በረኸትን ይረኽቡ እዮም። (መዝ 65:4) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ዚእከቡ እንተ ዀይኖም፡ ቅልጡፍ ዕቤት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ብቐጻሊ ዓድሞም። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮም። ነቲ እቲ ኣኼባታት ዘለዎ ጥቕሚ ግለጸሎም (lff ትምህርቲ 10) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እተምሃርካዮ ገለ ነጥብታት ኣካፍሎም፣ ወይ ድማ ኣብ ዚቕጽል ኣኼባታት ዚቐርብ ነጥብታት ሓብሮም። ኣብ ጉባኤ ዚጽናዕ ሕታማት ድማ ሃቦም። ብዘይካዚ፡ ግብራዊ ሓገዝ ግበረሎም። ምናልባት ናብ ኣኼባታት ዚማልኦም ይደልዩ ይዀኑ። እቲ ተምሃራይካ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ኣኼባታት ምስ ተኣከበ ጻማ ጻዕርኻ ትረክብ ኢኻ።—1ቈረ 14:24, 25።
ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት፦
ኒታ ንጀድ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ንምዕዳም እንታይ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፧
ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባ ኺእከብ ከሎ እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧
“ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም እዩ”
ጀድ ኣብ ኣኼባ ንፈለማ እዋን ምስ ተረኽበት እንታይ እያ ርእያ፧