ንጉስ ሰሎሞን፡ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ይከታተል
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ካብ ልቦም ብትግሃት ሃነጹ
ሰሎሞን ቤት መቕደስ ንምህናጽ ብሉጽ ንዋት ተጠቒሙ (1ነገ 5:6, 17፣ w11 1/2 15)
ሓያሎ ሰባት ኣብዚ ዕዮ ተሳቲፎም (1ነገ 5:13-16፣ it-1 424፣ it-2 1077 ¶1)
ሰሎሞንን እቶም ህዝብን ነቲ ፕሮጀክት ንምዝዛም ሸውዓተ ዓመት ኣበርቲዖም ዓይዮም (1ነገ 6:38፣ ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ)
ሰሎሞንን እቶም ህዝብን ካብ ልቦም ይዓይዩ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ዚውደሰላ ውቅብቲ ቤት መቕደስ ኪሃንጹ ኽኢሎም እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ድሕሪኦም ዝነበረ ወለዶ ንኣምልኾ የሆዋ ዝነበሮ ቕንኣት ቅሂሙ እዩ። ስለዚ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ኣይተኸናኸንዋን፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ዓንያ እያ።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንኣምልኾ የሆዋ ዘሎኒ ቕንኣት ምእንቲ ኸይቕህም፡ ኪዕቅቦ ዚኽእል ብኸመይ እየ፧’