ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ተቓወምትና ኼዳኽሙና ዚፍትኑ ብኸመይ እዮም፧
ተቓወምትና ብዛዕባ እቶም ዚመርሑና ሓሶት ብምንዛሕ ተስፋ ኬቝርጹና ይፍትኑ እዮም (2ነገ 18:19-21፣ w05 1/8 11 ¶6)
ብዛዕባ የሆዋ ወይ ብዛዕባ ውድቡ ግጉይ ሓበሬታ ብምሃብ ኣንፈትና ኼስሕቱና ይፍትኑ እዮም (2ነገ 18:22, 25፣ w10 15/7 13 ¶3)
ናይ ሓሶት ተስፋ ብምሃብ ኬስድዑና ይፍትኑ እዮም (2ነገ 18:31, 32፣ w13 15/11 19 ¶14፣ yb74 177 ¶1)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘መስጐጕቲ ኼጋጥመኒ ኸሎ ምእንቲ ኺጻወር፡ ሕጂ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ እኽእል፧’