ክርስትያናዊ ህይወት
ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ ንምጽንናዕ እተገብረ መሰናድዎ
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፈተና ስለ ዜጋጥሞ፡ ምጽንናዕን ሓገዝን የድልዮ እዩ። እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ወይ ልዑል መሰላት ኣገልግሎት ዘለዎም እውን ከይተረፈ፡ ተስፋ ኪቘርጹ ይኽእሉ እዮም። (እዮ 3:1-3፣ መዝ 34:19) ካብቲ ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል እተገብረ ናይ ጕስነት መሰናድዎ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ነታ “ብኣምላኽ ተኣመኑ” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧
ንዕኦም ንምጽንናዕ እንታይ ኣርባዕተ ነገራት እዩ ተገይሩ፧
እቶም መጸናንዒ ዝሃቡ ኣሕዋት ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም፧