ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ሰነ ገጽ 26-30
  • ንየሆዋ እናሓሰብኩ ሰጒመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እናሓሰብኩ ሰጒመ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕዮ ምስክርነት ኣብ ሊባኖስ
  • ናብ ካልእ ሃገር ክንግዕዝ ዝገበርናዮ ውሳነ
  • ሓዘን ኣጋጠመና
  • ኣገዳሲ ውሳነታት
  • ካልእ ዓብዪ ስጕምቲ
  • ዘይተጸበናዮ ጽቡቕ ነገር!
  • ዳግም ገዓዝና
  • መሊሰ ኸምኡ ምገበርኩ
  • ነቲ ዓቢ ክርስትያናዊ ውርሻ መመስገኒት ኢየ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መንፈሳዊ ብርሃን ይበርህ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንሰብዓ ዓመት፡ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ሓዝኩ ለናርድ ስሚዝ ዘዘንተዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ሰነ ገጽ 26-30

ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ እናሓሰብኩ ሰጒመ

ዲያእ ያዝበክ ዘዘንተዎ

ዲያእ ያዝበክ ብንእስነቱ።

ብ1984 ኣብ ሓንቲ ብርህቲ ንግሆ፡ ካብቲ ኣብ ካራካስ፡ ቨነዝወላ ዚርከብ ምሹእ መንበሪ ገዛና ናብ ስራሕ ነቐልኩ። ኣብ መገዲ፡ ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ዝወጸት ዓንቀጽ አስተንትን ነይረ። ጐረባብትኻ ብኸመይ ከም ዚርእዩኻ እትገልጽ እያ ነይራ። ንጐረባብትና እናረኣኹ፡ ‘ጐረባብተይ ከም ዕዉት ሰራሕተኛ ባንክ ድዮም ዚርእዩኒ፡ ወይስ ኣብ ባንክ እናሰርሐ ንስድራኡ ኸም ዚድግፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። እቲ ምላሽ ኪኸውን ዚኽእል ስለ ዘየሐጐሰኒ፡ ብዛዕባኡ ስጕምትታት ክወስድ ወሰንኩ።

ብ19 ግንቦት፡ 1940 ኣብ ኣምዩን፡ ሊባኖስ እየ ተወሊደ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ብስድራ ቤትና ናብ ከተማ ትሪፖሊ ገዓዝና፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዚፈልጥዎን ኣብ ዜፍቅርዎን ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕጉስ ስድራ ቤት እየ ዓብየ። ካብቶም ሓሙሽተ ውሉዳት፡ ማለት ካብቶም ሰለስተ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን፡ ኣነ ሕሳስ ልደ እየ ነይረ። ወለደይ ንገንዘብ ካልኣይ ቦታ እዮም ዚህብዎ ነይሮም። ህይወትና ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ኣብ ምሕጋዝን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጉባኤና ብዙሓት ቅቡኣት ክርስትያናት ነይሮም እዮም። ሓደ ኻባታቶም እቲ ናይ ሽዑ ትምህርቲ መጽሓፍ ዚብሃል ኣኼባ ዚመርሓልና ዝነበረ ሚሸል ዓቡድ እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ኒው ዮርክ ክርስትያናዊ ሓቂ ምስ ፈለጠ፡ ኣብ መጀመርታ 1920ታት ንሓቂ ናብ ሊባኖስ ዘተኣታተወ እዩ። ኣን ቢቨርን ግወን ቢቨርን ንዚብሃላ ኽልተ መንእሰያት ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክሳዕ ክንደይ የኽብረንን ይሕግዘንን ከም ዝነበረ ትዝ ይብለኒ። ንሳተን ፈተውትና እየን ኰይነን። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ንኣን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ረኺበያ ነይረ። ድሕርዚ ድማ፡ ምስ ግወን ተራኺበ ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሳ ንዊልፍረድ ጉች ተመርዕያስ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ተገልግል ነይራ።

ዕዮ ምስክርነት ኣብ ሊባኖስ

ብንእስነተይ ኣብ ሊባኖስ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈለጥናዮ ግና፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ንሰባት ንነግር ኔርና ኢና። ካብ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ተቓውሞ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ከምኡ ንገብር ኔርና ኢና። ገሊኡ ዘጋጠመና ነገራት ኣይርስዓንን እዩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ሓብተይ ሳናእን ኣፓርታማታት ኣብ ዘለዎ ህንጻ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንነግር ነበርና። ሽዑ፡ ምስ ገሊኦም ነበርቲ እናተዛራረብና ኸለና፡ ሓደ ኻህን መጸ። ሓዲኦም ጸዊዖምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ኻህን ንሓብተይ ኪጸርፋ ጀመረ። ነዲሩ ድማ ኣብቲ መደያይቦ ንታሕቲ ገጹ ደፍኣ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ተጐድአት። ገሊኦም ናብ ፖሊስ ስለ ዝደወሉ ግና፡ ፖሊስ መጺኦም ንሳናእ ዜድልያ ኽንክን ገበሩላ። ነቲ ኻህን ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰድዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ሽጉጥ ሒዙ ምንባሩ ተፈልጠ። እቲ ሓለቓ ፖሊስ ድማ፡ “ንምዃኑ ንስኻ እንታይ ኢኻ፧ መራሒ ሃይማኖት ዲኻ፡ ወይስ መራሒ መናዓብቲ፧” በሎ።

ካልእ ፈጺመ ዘይርስዖ ነገር ከኣ፡ ጉባኤና ንስብከት ናብ ግልልቲ ኸተማ ንምኻድ ኣውቶቡስ እተኻረየትሉ እዋን እዩ። ባህ ዜብል ግዜ እናኣሕለፍና ኸለና፡ ሓደ ኻህን እንታይ ንገብር ከም ዘለና ሰሚዑ ብዙሓት ሰባት ኣኪቡ ናዕቢ ኣለዓዓለ። ንሳቶም ከኣ ኬጥቅዑና ጀመሩ፡ ኣእማን እውን ደርበዩልና፣ በዚ ኸምዚ ኣቦይ ተጐድአ። ገጹ ደም ብደም ኰይኑ ኽርእዮ ትዝ ይብለኒ። ሽዑ፡ ምስ ኣደይ ናብታ ኣውቶቡስ ተመልሰ፣ ዝተረፍና ኸኣ እናተጨነቕና ሰዓብናዮ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣደይ ንኣቦይ ደሙ እናሓሰሰትሉ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ በደሎም ሕደገሎም። ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም” ኢላ እተዛረበቶ ዘረባ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እተወለድኩላ ኸተማ ዝነበሩ ኣዝማድና ኽንበጽሕ ከድና። ኣብኡ ኸኣ ምስ ሓደ ዓብዪ መራሒ ሃይማኖት፡ ማለት ምስ ሓደ ኣቡን ኣብ እንዳ ኣቦሓጎይ ተራኸብና። እቲ ኣቡን ድማ ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ፈለጠ። ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንዓይ ፈልዩ፡ “ኣታ፡ ስለምንታይ ዘይተጠመቕካ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ገና ቘልዓ ኸም ዝዀንኩ፡ ቅድሚ ምጥማቐይ ከኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽፈልጥን ድልድልቲ እምነት ክትህልወንን ከም ዜድሊ መለስኩሉ። ነቲ ምላሸይ ስለ ዘይፈተዎ፡ ብኣኽብሮት ከም ዘይተዛረብክዎ ገይሩ ንኣቦሓጎይ ተዛረቦ።

ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ተመክሮታት ሳሕቲ እዩ ዜጋጥመና ነይሩ። ብሓፈሻኡ፡ ህዝቢ ሊባኖስ ጥዑማትን ተቐበልቲ ጋሻን እዮም። ስለዚ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ምይይጣት መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር፡ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንመርሕ ኔርና ኢና።

ናብ ካልእ ሃገር ክንግዕዝ ዝገበርናዮ ውሳነ

ተምሃራይ ከለኹ፡ ሓደ መንእሰይ ሓው ካብ ቨነዝወላ ናብ ሊባኖስ መጸ። ንሱ ኸኣ ኣብ ጉባኤና ይእከብ ነበረ፣ ምስ ዋፋእ ሓብተይ እውን ተላለየ። ድሕሪ ግዜ፡ ተመራዕዮም ናብ ቨነዝወላ ኸዱ። ዋፋእ ናብ ኣቦይ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ንምሉእ ስድራና ሒዙ ናብ ቨነዝወላ ኺግዕዝ ለመነቶ። ኣዝያ ስለ ዝናፈቐት እያ ኸምኡ ገይራ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ከምቲ ዝሓሰበቶ ዀነላ!

ብ1953 ናብ ቨነዝወላ ኸድና፡ ኣብ ካራካስ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ድማ ንነብር ነበርና። ገና ንእሽቶ ብምንባረይ፡ እቲ ፕረዚደንት በታ ጽብቕቲ ማኪናኡ ኺሓልፍ ከሎ ደስ ኢሉኒ እርእዮ ነይረ እየ። ወለደይ ግና ነቲ ሓድሽ ሃገርን ቋንቋን ባህልን ምግብን ኵነታት ኣየርን ምልማድ ከቢድዎም ነይሩ እዩ። ገና እግሪ እናተኸሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ሕማቕ ነገር ኣጋጠመና።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ኣቦይ። ኣደይ። ብ1953 ብስድራ ቤት ናብ ቨነዝወላ ኣብ ዝገዓዝናሉ እዋን እተሰኣልክዎ ስእሊ

ሓዘን ኣጋጠመና

ኣቦይ ኪሓምም ጀመረ። ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ድልዱል ሰብ ብምንባሩ፡ እዚ ዘይለመድናዮ እዩ ዀይኑና። ሓሚሙ እኳ ርኢናዮ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ድሕርዚ ግና መንሽሮ ላልሽ ከም ዘለዎ ስለ እተፈልጠ፡ መጥባሕቲ ገበረ። እቲ ዜሕዝን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሞተ።

እዚ ምስቲ ዅነታትና ተደሚሩ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝደቘሰና፡ ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን። ኣነ ገና ወዲ 13 ዓመት እየ ነይረ። ሰምቢድና ኢና ኔርና፡ ዓለም እተገልበጠትና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና። ኣደይ ንእተወሰነ ግዜ ሰብኣያ ኸም ዘየሎ ምቕባል ከቢድዋ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ህይወት ኪቕጽል ከም ዘለዎ እናተገንዘብና ኸድና፣ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ነዚ ኸኣልናዮ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ካራካስ ካብ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመረቕኩ፣ ንስድራ ቤተይ ንምድጋፍ እውን ብርቱዕ ድሌት ሓደረኒ።

ሓብተይ ሳናእን ሰብኣያ ሩበንን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲሮምለይ እዮም

ኣብ መንጎኡ ሓብተይ ሳናእ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቑ ናብ ቨነዝወላ ንእተመልሰ ሩበን ኣራውሆ ተመርዓወቶ። ንሳቶም ድማ ናብ ኒው ዮርክ ኪግዕዙ ወሰኑ። ኣነ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኽኣቱ ስድራና ምስ ወሰነ፡ መንበሪ እውን ምእንቲ ኽረክብ ናብኡ ኸይደ ኽምሃር ተወሰነ። ምስ ሓብተይን ዘማይን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ብዙሕ ጽልዋ እዮም ኣሕዲሮምለይ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ኣብታ ጉባኤ ስጳንኛ ብሩክሊን ብዙሓት ብሱላት ኣሕዋት ነይሮም እዮም። ሚልተን ሄንሸልን ፍረደሪክ ፍራንዝን ንዚብሃሉ ኽልተ ኻባታቶም ክፈልጦም ብምኽኣለይ ባህ ኢሉኒ እዩ፣ ክልቲኦም ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል እዮም ዜገልግሉ ነይሮም።

ብ1957 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝጸናሕኩላ ቐዳመይቲ ዓመት፡ ኣብ ህይወተይ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ ጥርጣረታት ከሕድር ጀመርኩ። ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ክርስትያናት ትርጉም ዘለዎ ሸቶ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ዚገልጽ ዓንቀጻት አንብብን አስተንትነሉን ነይረ እየ። ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ፈለምትን ቤት-ኤላውያንን ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ እርኢ ነይረ እየ፣ ከማታቶም ክኸውን እውን እምነ ነይረ እየ። ኰይኑ ግና፡ ገና ኣይተጠመቕኩን ነይረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ህይወተይ ንየሆዋ ምውፋይ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስተውዓልኩ። ከምኡ ድሕሪ ምግባረይ ከኣ፡ ብ30 መጋቢት 1957 ብምጥማቕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ወሰድኩ።

ኣገዳሲ ውሳነታት

ነቲ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምስ ወሰድኩ፡ ብዛዕባ ኻልእ ክወስዶ ዝደልዮ ስጕምቲ፡ ማለት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምእታው ሓሰብኩ። እዚ እናሰሓበኒ ኸደ፣ ነዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳድ ግና ኣጸጋሚ ምዃኑ ይርኣየኒ ነይሩ እዩ። ነቲ ኣገልግሎት እቲ ምስ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ብኸመይ ከወሃህዶ እኽእል፧ ንኣደይን ንስድራናን ትምህርተይ ኣቋሪጸ ናብ ቨነዝወላ ተመሊሰ ፈላሚ ኪኸውን ከም ዝሓሰብኩ ምስ ገለጽኩሎም፡ ካብን ናብን ኒው ዮርክን ቨነዝወላን ብዙሕ ደብዳበታት ኢና ተጸሓሒፍና።

ኣብ ሰነ 1957 ናብ ካራካስ ተመለስኩ። ኵነታት ስድራ ቤትና ግና ሕማቕ ጸንሓኒ። ደሞዝ ሒዙ ዚኣቱ ሰብ የድልዮም ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ እየ ኽሕግዝ ዝኽእል፧ ኣብ ባንክ ስራሕ ረኸብኩ፣ እንተዀነ ግና፡ ፈላሚ ንምዃን ሓያል ድሌት ነይሩኒ እዩ። በቲ ምኽንያት እቲ እውን እየ ተመሊሰ። ስለዚ፡ ክልቲኡ ኽገብሮ ወሰንኩ። ንገለ ዓመታት፡ ኣብ ባንክ ብምሉእ ግዜይ እናዓየኹ፡ ፈላሚ ዀይነ ኣገልገልኩ። ከም ሽዑ ስራሕን ሓጐስን በዚሑለይ ኣይፈልጥን እዩ!

ኣብ ርእሲ እቲ ሓጐሰይ ሓጐስ ዝወሰኸለይ ከኣ፡ ሲልቪያ ንእትብሃል ንየሆዋ ኣጸቢቓ ንእተፍቅር ጽብቕቲ ጀርመናዊት ሓብቲ ምምርዓወይ እዩ። ንሳ ምስ ወለዳ እያ ናብ ቨነዝወላ ግዒዛ። ውዒልና ሓዲርና፡ ክልተ ውሉዳት ወለድና፣ እቲ ወድና ሚሸል (ማይክ) ይብሃል፡ እታ ጓልና ኸኣ ሳሚራ ትብሃል። ንኣደይ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት እውን ተሰኪመ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ምሳና ኽትነብር ጀመረት። ንናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታተይ ምእንቲ ኽስከም ኢለ ፈላምነት ከቋርጽ እኳ እንተ ተገደድኩ፡ መንፈስ ፈላምነት ግና ኣየጥፋእኩን። ኣነን ሲልቪያን ዕረፍቲ ኽንረክብ ከለና፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ነበረና።

ካልእ ዓብዪ ስጕምቲ

እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዝጠቐስክዎ ተመክሮ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ደቀይ ገና ኣብ ትምህርቲ እዮም ነይሮም። ህይወተይ ምሾት ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ ሰራሕተኛታት ባንክ እውን የኽብሩኒ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብቐዳምነት ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ዝዀንኩ ጌርካ ኽርአ ደለኹ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዝመጸኒ ሓሳብ፡ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። ስለዚ፡ ኣነን ሰበይተይን ብሓባር ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ኣታዊና ተመያየጥና። ካብቲ ኣብ ባንክ ዝሰርሖ ስራሕ እንተ ተሰናቢተ፡ ናይ ስንብታ ብዙሕ ገንዘብ እየ ዝረክብ ነይረ። ዕዳ ስለ ዘይነበረና ኸኣ፡ ህይወትና እንተ ኣቕሊልና፡ ንነዊሕ እዋን ዜድሊ ገንዘብ ከም ዘሎና ደምደምና።

ነቲ ስጕምቲ እቲ ምውሳድ ቀሊል ኣይነበረን፣ ፍቕርቲ ሰበይተይን ኣደይን ግና ምሉእ ብምሉእ ደጊፈናኒ እየን። ስለዚ፡ መሊሰ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ተዳሎኹ። ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ! መገደይ ጥጡሕ እዩ ዚመስል ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ኵላትና ዘይተጸበናዮ ነገር ኣጋጠመና!

ዘይተጸበናዮ ጽቡቕ ነገር!

ዲያእን ሲልቪያን ምስቲ ሓድሽ እተወልደ ጋብሪኤል ወዶም።

እቲ ጋብሪኤል ዝስሙ ሳልሳይ ውሉድና ዘይተጸበናዮ ጽቡቕ ነገር እዩ ዀይኑልና

ሓደ መዓልቲ፡ ሲልቪያ ናብ ሓኪም ምስ ከደት፡ ከም ዝጠነሰት ተነግራ። ክልቴና ፈጺምና ዘይተጸበናዮ እዩ ነይሩ! ብዙሕ ኢና ተሓጒስና፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ፈላሚ ንምዃን ዝወሰድክዎ ስጕምቲ ሓሰብኩ። እዚ ውሳነ እዚ ብኸመይ ይጽሎ ዀን ይኸውን፧ ብኡብኡ ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን መዳይ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ነቲ ሓድሽ ኣባል ስድራ ቤትና ብሃንቀውታ ኽንቅበል ተዳሎና። እቲ ብጥንቃቐ ዝገበርክዎ መደብ ግና እንታይ እዩ ኪኸውን፧

ሸቶታትና ምስ ተመያየጥናሉ፡ ነቲ ዝቐደመ መደብና ኽንስዕብ ወሰንና። ጋብሪኤል ወድና ኣብ ሚያዝያ 1985 ተወልደ። ይኹን እምበር፡ ካብ ባንክ ተሰናቢተ ኣብ ሰነ 1985 ዳግም ስሩዕ ፈላምነት ጀመርኩ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ዀይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ጨንፈርና ግና ኣብ ካራካስ ኣይኰነን ነይሩ። ስለዚ፡ ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሕቀት ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ኽመላለስ ነይሩኒ።

ዳግም ገዓዝና

ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ኣብ ከተማ ላ ቪክቶሪያ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ናብ ቤት-ኤል ምእንቲ ኽንቀርብ፡ ብስድራ ቤት ናብ ላ ቪክቶርያ ኽንግዕዝ ወሰንና። እዚ ንዓና ዓብዪ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። ንስድራና ኣዝየ እየ ዘማስዎምን ዘድንቖምን። ኣረኣእያኦም ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ሓብተይ ባሃእ ንኣደይ ክትከናኸና ፍቓደኛ ዀነት። ማይክ ከኣ ተመርዕዩ ነይሩ እዩ፣ ሳሚራን ጋብሪኤልን ግና ኣብ ገዛ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ናብ ላ ቪክቶርያ ኽንግዕዝ ከለና፡ ነቶም ኣብ ካራካስ ዝነበሩ ኣዕሩኾም ሓዲጎም ኪኸዱ ነይርዎም። ሲልቪያ ኸኣ ነታ ውዕውዕቲ ርእሲ ኸተማ ሓዲጋ፡ ኣብ ንእሽቶ ኸተማ ምንባር ክትለምድ ነይርዋ። ኵላትና ድማ ኣብ ንእሽቶ ቤት ምንባር ክንለምድ ነይሩና። ስለዚ፡ እቲ ኻብ ካራካስ ናብ ላ ቪክቶሪያ ንምግዓዝ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ፡ ብዙሕ ነገራት የጠቓልል ነይሩ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ተወሳኺ ለውጥታት ኣጋጠመና። ጋብሪኤል ተመርዓወ፡ ሳሚራ ድማ ርእሳ ኽኢላ ኽትነብር ጀመረት። ድሕርዚ፡ ኣነን ሲልቪያን ብ2007 ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ክንከውን ጻውዒት ቀረበልና፣ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ኣብኡ ነገልግል ኣለና። እቲ በዅሪ ወድና ማይክ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ፣ ንሱን ሰበይቱ ሞኒካን እውን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ጋብሪኤል እውን ሽማግለ እዩ፣ ምስ ሰበይቱ ኣምብራ ድማ ኣብ ኢጣልያ እዩ ዜገልግል። ሳሚራ ኸኣ ኣብ ርእሲ ፈላምነት፡ ወለንተኛ ማዕዶ ዀይና ንቤት-ኤል ትሕግዝ ኣላ።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ኣብ ጨንፈር ቨነዝወላ ምስ ሰበይተይ ሲልቪያ። እቲ በዅሪ ወድና ማይክ ምስ ሞኒካ። ጓልና ሳሚራ። ወድና ጋብሪኤል ምስ ኣምብራ

መሊሰ ኸምኡ ምገበርኩ

ህይወተይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ዝመልኦ እዩ። በዚ ግና ኣይጠዓስን እየ። መሊሰ ኸምኡ ዓይነት ውሳነታት ምገበርኩ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ብዙሕ አማስወሉ እየ። ኣብቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ዕርክነት ምዕቃብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእየ እየ። እቲ እንወስዶ ስጕምቲ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ፡ ንሱ ኻብ “ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ሰላም ኪህበና ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ኣነን ሲልቪያን ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎና ቕዱስ ኣገልግሎት ንፈትዎ ኢና፣ እቲ ንየሆዋ እናሓሰብና ኣብ ህይወትና ዝወሰድናዮ ስጕምትታት ከም እተባረኸ ድማ ይስምዓና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ