የሆዋ ንስሙ ንዘለኣለመ ኣለም ኬኽብሮ እዩ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እታ ኣብ ናይ ሰነ 2020 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ስምካ ይቀደስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ነቲ ብዛዕባ ስም የሆዋን ልዑላውነቱን ዘሎና እምነት ብኸመይ ኣነጺራትልና፧
ኣብታ ዓንቀጽ እቲኣ፡ ንዅሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ዝቐረበሎም ሓደ ጕዳይ ጥራይ ከም ዘሎ ኢና ተማሂርና። እዚ ድማ ምቕዳስ እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ እዩ። ጕዳይ ልዑላውነት፡ ማለት ኣገዛዝኣ የሆዋ ብሉጽ እንተ ዀይኑ እተላዕለ ሕቶ፡ ሓደ መዳይ እቲ ዓብዪ ጕዳይ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጕዳይ ንጽህና ሰባት እውን ካልእ መዳይ እቲ ዓብዪ ጕዳይ እዩ።
እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጕዳይ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ኸም ዜተኵር ሕጂ እነጕልሕ ዘለና ስለምንታይ ኢና፧ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንመርምር።
ካብ ዕልወት ገነት ኤደን ንነጀው፡ ሰይጣን ንስም ኣምላኽ የካፍኦ ኣሎ
ቀዳማይ፡ ኣብ ገነት ኤደን፡ ሰይጣን ኣብ ስም የሆዋ መጥቃዕቲ ፈነወ። እቲ ንሄዋን ብተንኰል ዘቕረበላ ሕቶ፡ የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ፡ ንግዙኣቱ እውን ዘይግቡእ ቀይዲ ኸም ዚገብረሎም ዚእምት እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ምስ ቃል የሆዋ ብቐጥታ ዚጻረር ነገር ተዛረበ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸሰሶ። በዚ ኸምዚ፡ ንስም የሆዋ ኣካፍኦ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ፡ “ድያብሎስ፡” ማለት “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ዀነ። (ዮሃ. 8:44) ሄዋን ነቲ ሰይጣን እተዛረባ ሓሶት ስለ ዝኣመነቶ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሰት፡ ንልዑላውነቱ ነጺጋ እውን ካብኡ ዓለወት። (ዘፍ. 3:1-6) ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ብምንዛሕ፡ ንስም ኣምላኽ የካፍኦ ኣሎ። እቶም ነዚ ሓሶት እዚ ዚኣምኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንየሆዋ ኣይእዘዝዎን እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብቲ ቕዱስ ስም የሆዋ እተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ነገር እዚ፡ ጠንቂ ዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራን እከይን እዩ።
ካልኣይ፡ የሆዋ ንሓቅነት ስሙ ንምርግጋጽ፡ ማለት ካብ ኵሉ ወቐሳ ሓራ ንምግባር ቈሪጹ ኣሎ፣ ነዚ ድማ ምእንቲ ጥቕሚ ዅሎም ፍጥረታት ኢሉ እዩ ዚገብሮ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ፡ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ እዩ ዚግደስ። ስለዚ፡ “ነቲ . . . ዓብዪ ስመይ ብርግጽ ክቕድሶ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ህዝ. 36:23) የሱስ ድማ፡ ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ “ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ኸም ዚግባእ ብምምሃር፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ እንታይ ምዃኑ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ማቴ. 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንስም የሆዋ ኽብሪ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ብተደጋጋሚ የጕልሕ እዩ። ገለ ኻብዚ ኣብነታት፡ ኣብዚ ዚስዕብ ተዘርዚሩ ኣሎ፦ “ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።” (1 ዜና 16:29፣ መዝ. 96:8) “ነቲ ኽቡር ስሙ ዘምሩሉ።” (መዝ. 66:2) “ንዘለኣለም . . . ንስምካ ከኽብሮ እየ።” (መዝ. 86:12) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ባዕሉ ኻብ ሰማይ እተዛረበሉ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ምስ ተዛረበ ዝመጸ ምላሽ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ኢሉ መለሰ።—ዮሃ. 12:28።a
ሳልሳይ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ የሆዋ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ንናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ስዒቡ ዚመጽእ ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ሓለፈ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኣስተውዓልቲ ፍጡራት በቲ ምስ ምቕዳስ ስም የሆዋ እተተሓሓዘ ዓብዪ ጕዳይ ተኸፋፊሎም ድዮም ኪቕጽሉ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነቲ ምስዚ ዚዛመድ ክልተ መዳያት እዚ ጕዳይ፡ ማለት ንንጽህና ደቂ ሰብን ንዩኒቨርሳዊ ልዑላውነትን እሞ ንዘክሮ። እሙናት ምዃኖም ዘርኣዩ ሰባት፡ ብቐጻሊ ንንጽህናኦም ዚብድህ ሕቶ ኪቐርበሎም ድዩ፧ ኣይፋልን። ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ፍቱናትን ኪዀኑ እዮም። ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ኪወርሱ እዮም። ዩኒቨርሳዊ ልዑላውነትከ ኣብቶም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ዜዛራርብ ወይ ዚኸፋፍል ኰይኑ ኪቕጽል ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕን ብሉጽን ምዃኑ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኺረጋገጽ እዩ። ስም የሆዋ ደኣኸ፧
ሽዑ፡ ስም የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪቕደስ፡ ካብ ወቐሳ እውን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኪኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ ብቐጻሊ ቘላሕታ ዅሎም እቶም ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ፍጡራት ኪስሕብ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ዜደንቕ ነገራት ምግባር ከም ዘየቋርጽ ኪርእዩ እዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሱስ ኵሉ ግዝኣት ንየሆዋ ስለ ዜረክቦ፡ “ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ . . . ኪኸውን [እዩ።]” (1 ቈረ. 15:28) ድሕሪኡ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ በቲ “ኽቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ደስ ኪብሎም እዩ። (ሮሜ 8:21) የሆዋ ኸኣ ነቲ ንዅሎም እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉን ኣብ ምድሪ ዘለዉን ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ዚጥቕልለሉ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማኡ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ እዩ።—ኤፌ. 1:10።
እዚ ምዕባለታት እዚ ነቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ስድራ ቤት የሆዋ ብኸመይ ኪጸልዎም እዩ፧ መሸም፡ ነቲ ውቁብ ስም የሆዋ ብቐጻሊ ንምውዳስ ብርቱዕ ድሌት ኪህልወና እዩ። ዳዊት እቲ ዘማሪ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “የሆዋ ኣምላኽ . . . ይወደስ። እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 72:18, 19) እምበኣር፡ ንዘለኣለመ ኣለም ከምኡ ንምግባር ዚድርኽ ባህ ዜብል ሓድሽ ምኽንያታት ክንረክብ ኢና።
ስም የሆዋ ንዅሉ እንታይነቱ እዩ ዚውክል። ብቐንዱ ግና፡ ስሙ ንፍቕሩ እዩ ዜዘኻኽረና። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ ኸም ዝፈጠረ፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ በጃ ኸም ዘዳለወልና፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እውን ብጽድቂ ኸም ዚገዝእ ወትሩ ኽንዝክር ኢና። ብተወሳኺ ግና፡ የሆዋ ንፍጥረቱ ብፍቕሪ ተደሪኹ በረኸቱ ኸም ዜፍስሰሎም ብቐጻሊ ኽንርኢ ኢና። ንዘለኣለመ ኣለም ናብ ኣቦና ኽንቀርብ ኢና፣ ነቲ ኽቡር ስሙ እውን ብመዝሙር ክንውድሶ ኢና።—መዝ. 73:28።