ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ለካቲት ገጽ 32
  • ክትትግብሮ እትኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ርኸብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትትግብሮ እትኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ርኸብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ከተካፍል ኢልካ ኣጽንዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—1ይ ክፋል፦ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ለካቲት ገጽ 32

ምኽሪ መጽናዕቲ

ክትትግብሮ እትኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ርኸብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ምርምር ብምግባር መንፈሳዊ ሃብቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ብዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል፧

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣብቲ ኣብ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንኣብነት፡ እቲ ዛንታ መን ከም ዝጸሓፎ፡ ንመን ከም እተጻሕፈ፡ መዓስ ከም እተጻሕፈ ፍለጥ። እቲ ዅነታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣቐዲሙ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ድሕሪኡኸ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

ነቲ ትምህርትታት ኣስተውዕሎ። ነዚ ንምስትውዓል፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ከመይ ተሰሚዕዎም፧ እንታይ ባህርያት ኣርእዮም፧ ነዚ ባህርያት እዚ ኸማዕብል ወይ ከወግድ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧’

ነቲ ትምህርትታት ተግብሮ። ነቲ እተምሃርካዮ ትምህርትታት፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ወይ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ ተግብሮ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ኢኻ እተርኢ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ . . . እዩ” ይብል።—መዝ. 107:43።

  • ምኽሪ፦ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ ዚቐርብ ትምህርቲ፡ ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ምትግባር ኢና እነተኵር። ኣብቲ ኽፋል እቲ፡ ገዛእ ርእስና ኽንሓትቶ እንኽእል ሕቶታት፡ ከነስተንትነሉ እንኽእል ነጥብታት፡ ከምኡ እውን ክንምርምሮ እንኽእል ስእልታት ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ