ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9
መዝሙር 51 ንኣምላኽ ውፉያት ኢና
ከይደንጐኻ ተጠመቕ
“ስለምንታይ እትድንጒ፧ ተንስእ፡ ተጠመቕ።”—ግብ. 22:16።
ኣትኵሮ
ሳምራውያንን ሳውል ብዓል ጠርሴስን ቆርኔሌዎስን ሰብ ቈረንቶስን ዝሓደግዎ ኣብነታት ብምስዓብ ናብ ጥምቀት ዕቤት ንምግባር ዜኽእለካ ሓይሊ ርኸብ።
1. ገለ ኻብቲ ንጥምቀት ዜለዓዕል ጽቡቕ ምኽንያታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧
ነቲ ዅሉ ጽቡቕ ውህበትን ህይወትን ዝሃበካ የሆዋ ኣምላኽ ተፍቅሮዶ፧ ፍቕርኻኸ ኸተርእዮ ትደሊዶ፧ ነቲ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ እተርእየሉ ብሉጽ መገዲ፡ ርእስኻ ንዕኡ ብምውፋይን ብማይ ብምጥማቕን እዩ። እዚ ስጕምትታት እዚ ኸኣ፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ እዩ ዚገብረካ። ከምኡ ምስ ገበርካ፡ የሆዋ ኣቦኻን ፈታዊኻን ስለ ዚኸውን፡ ንስኻ እውን ናቱ ስለ እትኸውን፡ ኪመርሓካን ኪሓልየልካን እዩ። (መዝ. 73:24፣ ኢሳ. 43:1, 2) ብዘይካዚ ርእስኻ ወፊኻ እንተ ተጠሚቕካ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልካ እዩ።—1 ጴጥ. 3:21።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
2 ከይትጥመቕ ዚዓግተካ ነገር ኣሎዶ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ቅድሜኻ ዝነበሩ ሚልዮናት ሰባት ንጥምቀት ዜድሊ ብቕዓት ምእንቲ ኼማልኡ ኢሎም ኣብ ኣካይዳኦምን ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ለውጥታት ኪገብሩ ኣድልይዎም እዩ። ሕጂ ድማ ንየሆዋ ብሓጐስን ብቕንኣትን የገልግልዎ ኣለዉ። እሞ ደኣ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጠምቁ ገሊኦም ሰባት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧ ሕጂ እምበኣር፡ ንዓታቶም እንታይ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሞምን ካብ ኣብነቶም እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእልን ንርአ።
ሳምራውያን ተጠምቁ
3. ገሊኦም ሳምራውያን ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ኪሰግሩ ዝነበሮም፧
3 ሳምራውያን ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ጕጅለ ሃይማኖት እዮም ነይሮም። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ከባቢ እተን ኣብ ሰሜን ይሁዳ ዚርከባ ጥንታውያን ከተማታት ሴኬምን ሰማርያን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ሳምራውያን ናብ ጥምቀት ቅድሚ ምብጻሖም፡ እተማልአ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኬጥርዩ ነበሮም። ነተን ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ዘዳግም ዚርከባ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምናልባት እውን ንመጽሓፍ እያሱ እዮም ከም ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ዚቕበልወን ዝነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዘዳግም 18:18, 19 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ መሲሕ ኪመጽእ ይጽበዩ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 4:25) ስለዚ፡ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ኪቕበሉ ነበሮም። “ብዙሓት ሳምራውያን” ከምኡ ገበሩ። (ዮሃ. 4:39) ገሊኦም ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሳምራውያንን ኣይሁድን ዝነበረ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ኺሰግርዎ ነበሮም።—ሉቃ. 9:52-54።
4. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 8:5, 6, 14፡ ገሊኦም ሳምራውያን ንስብከት ፊልጶስ ብኸመይ እዮም ተቐቢሎምዎ፧
4 ንሳምራውያን ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ “ብዛዕባ ክርስቶስ [ምስ] ሰበኸሎም፡” ገሊኦም ሳምራውያን ‘ቃል ኣምላኽ ተቐበሉ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 8:5, 6, 14 ኣንብብ።) ፊልጶስ ኣይሁዳዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣይተቓወምዎን። ምናልባት ነቲ ኣብ ኦሪት ዚርከብ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ዚገልጽ ፍቕድታት ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳ. 10:17-19) ዝዀነ ዀይኑ፡ ናብቲ ፊልጶስ ብዛዕባ ክርስቶስ እተዛረቦ ዘረባ “ኣቕለቡ፡” ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ እውን ንጹር መርትዖ ረኣዩ። ንሱ ድማ ሕሙማት እናኣሕወየን ኣጋንንቲ እናኣውጽአን ብዙሕ ትእምርትታት ገበረ።—ግብ. 8:7።
5. ካብቶም ሳምራውያን እንታይ ትምሃር፧
5 እቶም ሳምራውያን እቲኦም ብሰንኪ እቲ ዝነበሮም ጽልኢ ወይ ጕድለት ፍልጠት፡ ዕቤት ካብ ምግባር ኪጐናደቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከምኡ ኪኸውን ግና ኣይፈቐዱን። እቲ ፊልጶስ ዝመሃሮም ነገር ሓቂ ምዃኑ ምስ ኣመኑ፡ ከይደንጐዩ እዮም ተጠሚቖም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ፊልጶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም ምስ ኣመንዎ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።” (ግብ. 8:12) ንስኻኸ ቓል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑስ ትኣምንዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዝነበሮም ጽልኢ ኣወጊዶም ኣብ ንሓድሕዶም ነታ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዚጽዕሩ ትኣምንዶ፧ (ዮሃ. 13:35) ነዚ ትኣምነሉ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኸም ዚባርኸካ ብምትእምማን ስጕምቲ ውሰድ።
6. ካብ ተመክሮ ሩበን ብኸመይ ኢኻ ኽትጥቀም እትኽእል፧
6 ኣብ ጀርመን ዚነብር ሩበን፡ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና፡ ብዛዕባ ህልውና የሆዋ ጥርጣረታት ኬሕድር ጀመረ። እሞ ደኣ ነቲ ጥርጣረታቱ ብኸመይ ኪሰግሮ ኽኢሉ፧ ፍልጠት ከም ዚጐድሎ ስለ ዘስተውዓለ፡ ነዚ ጸገሙ ንምፍታሕ ጻዕሪ ኺገብር ወሰነ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ኣብ ብሕታዊ መጽናዕተይ ንጥርጣረታተይ ፊት ንፊት ኪገጥመሉ ነይሩኒ። ምስ ፍልቀት ንእተተሓሓዘ ጕዳይ ብተደጋጋሚ መጽናዕቲ ኽገብረሉ ነይሩኒ” ይብል። ስለዚ፡ ነታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣንበባ። እታ መጽሓፍ እቲኣ ድማ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረትሉ። ‘የሆዋ ብሓቂ ኣሎ’ ኢሉ ኺሓስብ ጀመረ። ናብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ከኣ፡ እቲ ብሓድነት ዝሰመረ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ብሓቂ ተኣምር ምዃኑ ኼስተውዕል ከኣለ። ድሕርዚ፡ ናብ ጀርመን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድመኡ ተጠምቀ። ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ጥርጣረታት እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ግበር። “ልክዕ ፍልጠት” እንተ ኣጥሪኻ፡ ንጥርጣረታትካ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 4:13, 14) ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ዘለዎም ፍቕርን ሓድነትን ክትሰምዕ ከለኻ፡ ነዚ እውን ኣብ ጉባኤኻ ብዓይንኻ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ዘሎካ ኣድንቖት ኪዓዝዝ እዩ።
ሳውል ብዓል ጠርሴስ ተጠምቀ
7. እንታይ ኣተሓሳስባ እዩ ሳውል ኪእርም ዝነበሮ፧
7 ብዛዕባ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እስከ ንርአ። ንሱ ኣብ ኣይሁድነት ዕቤት ይገብር ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ድማ ምርኡይ ነበረ። (ገላ. 1:13, 14፣ ፊል. 3:5) ብዙሓት ኣይሁድ ንክርስትያናት ከም ከሓድቲ ኣብ ዚርእዩሉ እዋን ከኣ፡ ሳውል ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣውረደ። ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘሎ ይመስሎ ነበረ። (ግብ. 8:3፣ 9:1, 2፣ 26:9-11) ስለዚ፡ ሳውል ንየሱስ ንምቕባልን ክርስትያን ኰይኑ ንምጥማቕን፡ ኣደዳ መስጐጕቲ ንምዃን ፍቓደኛ ኪኸውን ነበሮ።
8. (ሀ) ሳውል ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 22:12-16፡ ሃናንያ ንሳውል ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
8 ንሳውል ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ጐይታና የሱስ ንሳውል ምስ ተራእዮ፡ ኣዒንቱ ዓወረ። (ግብ. 9:3-9) ድሕርዚ፡ ሰለስተ መዓልቲ ጾመ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ነገር ኣስተንቲኑ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑን ሰዓብቱ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላቶምን ኣመነ። ስለዚ፡ በቲ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ዝነበሮ ኢድ ኣመና ተጣዒሱ ኪኸውን ኣለዎ! (ግብ. 22:20) ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ መዓልቲ፡ ሃናንያ ዚብሃል ወደ መዝሙር ናብ ሳውል ከደ። ኣዒንቱ ኸፈተሉ፡ ከይደንጐየ ኺጥመቕ እውን ኣተባብዖ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:12-16 ኣንብብ።) ሳውል ከኣ ብትሕትና ነቲ እተዋህቦ ሓገዝ ተቐበለ፡ ሓድሽ ህይወት ኪጅምር እውን ፍቓደኛ ዀነ።—ግብ. 9:17, 18።
ከምቲ ሳውል ዝገበሮ፡ ክትጥመቕ ንእተዋህበካ መተባብዒ ኽትቅበሎ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
9. ካብ ሳውል እንታይ ትምሃር፧
9 ካብ ሳውል ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ትዕቢት ወይ ፍርሂ ሰብ፡ ከይጥመቕ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል ነይሩ እዩ። ከምኡ ኪኸውን ግና ኣይፈቐደን። ሳውል ንክርስቶስ ምስ ተቐበሎ፡ ብትሕትና ህይወቱ ቐየረ። (ግብ. 26:14, 19) ኣደዳ መስጐጕቲ ኸም ዚኸውን እኳ እናፈለጠ፡ ክርስትያን ንምዃን ፍቓደኛ ዀነ። (ግብ. 9:15, 16፣ 20:22, 23) ድሕሪ ጥምቀቱ ኸኣ፡ ንዘጋጠሞ በበይኑ ፈተናታት ንምጽዋር ኣብ የሆዋ ተወከለ። (2 ቈረ. 4:7-10) ንስኻ እውን እንተ ዀንካ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምስ ተጠመቕካ፡ ኣብ እምነትካ ፈተናታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓገዝ እውን ክትረክብ ኢኻ። ደገፍ ኣምላኽን ክርስቶስን ከም እትረክብ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 4:13።
10. ካብ ተመክሮ ኣና ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
10 ኣና ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ዚነብሩ ኩርዳውያን ስድራ ቤት እያ ዓብያ። ኣዲኣ ምስ ተጠምቀት፡ ንሳ ጓል 9 ዓመት ከላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ኣቦኣ ፈቐደላ። ምስ ስድራ ቤታ ብሓባር ዚነብሩ ቤተ ሰባ ግና ተጻረርዋ። ንሳቶም ናይ ኣቦታትካ ሃይማኖት ምሕዳግ፡ ከም ውርደት ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። ኣና ጓል 12 ዓመት ምስ ኰነት፡ ክትጥመቕ ስለ ዝደለየት፡ ካብ ኣቦኣ ፍቓድ ሓተተት። ንሱ ድማ እዚ ብሕታዊ ውሳነኣ እንተ ዀይኑ ወይ ካብ ካልእ ዝወረዳ ጸቕጢ እንተ ዀይኑ ኺፈልጥ ደለየ። ሽዑ ንሳ፡ “ንየሆዋ እፈትዎ እየ” ኢላ መለሰትሉ። ኣቦኣ ኸኣ ክትጥመቕ ፈቐደላ። ድሕርዚ፡ ኣና ብዙሕ ዓይነት ላግጽን በደልን ኣሕለፈት። ሓደ ኻብቶም ቤተ ሰባ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡ እንተ ትምንዝሪ ወይ ሽጋራ እንተ ተትክኺ ምሓሸ” በላ። እሞ ደኣ ኣና ነዚ ብኸመይ ክትጻወሮ ኽኢላ፧ “የሆዋ ሓይሊ ሂቡኒ፡ ኣቦይን ኣደይን እውን ብዙሕ እዮም ደጊፎምኒ” ትብል። እቲ ኣብ ህይወታ ኢድ የሆዋ ዝረኣየትሉ ኣጋጣሚታት ትምዝግቦ እያ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ምእንቲ ኸይትርስዕ ድማ፡ በብእዋኑ ተመሊሳ ትርእዮ እያ። ንስኻ እውን ተቓውሞ ዜፍርሃካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ዘክር።—እብ. 13:6።
ቆርኔሌዎስ ተጠምቀ
11. ቆርኔሌዎስ እንታይ ኵነታት እዩ ዝነበሮ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቆርኔሌዎስ እውን ይትርኸልና እዩ። ቆርኔሌዎስ ኣብ ሰራዊት ሮሜ ዜገልግል “ሓለቓ ሚእቲ” እዩ ነይሩ። (ግብ. 10:1) ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ዀነ ወተሃደራዊ ህይወት ክብ ዝበለ ቦታ እዩ ነይርዎ። ብዘይካዚ፡ ‘ንህዝቢ ብዙሕ ምጽዋት ይምጽውት’ ነበረ። (ግብ. 10:2) የሆዋ ኸኣ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ለኣኸሉ፣ ንሱ እውን ንቆርኔሌዎስ ኣበሰሮ። እሞ ደኣ ቆርኔሌዎስ ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ስልጣን ከይጥመቕ ተደናጕዩዶ፧
12. ንቆርኔሌዎስ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
12 ንቆርኔሌዎስ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ቆርኔሌዎስ “ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንኣምላኽ ዚፈርህ” ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ከኣ ናብ ኣምላኽ ይምህለል ነይሩ እዩ። (ግብ. 10:2) ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ምስ ኣበሰሮ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ብክርስቶስ ኣመኑ፡ ብቕልጡፍ እውን ተጠምቁ። (ግብ. 10:47, 48) ስለዚ፡ ቆርኔሌዎስ ምስ ስድራ ቤቱ ንየሆዋ ምእንቲ ኼምልኽ ኢሉ ኣድላዪ ዘበለ ምትዕርራይ ንምግባር ፍቓደኛ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—እያ. 24:15፣ ግብ. 10:24, 33።
13. ካብ ቆርኔሌዎስ እንታይ ትምሃር፧
13 ቆርኔሌዎስ እውን ከም ሳውል፡ ብምኽንያት እቲ ዝነበሮ ስልጣን ናብ ክርስትና ኺመጽእ ከም ዘይክእል ኬመኻኒ ምኸኣለ ነይሩ። ከምኡ ኪኸውን ግና ኣይፈቐደን። ንስኻኸ ሓቂ ንምቕባል፡ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር የድልየካዶ፧ ከምኡ ኽትገብር ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ነቲ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ንዕኡ ንምግልጋል እትገብሮ ቘራጽነት ኪባርኾ እዩ።
14. ካብ ተመክሮ ሱዮሺ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
14 ኣብ ጃፓን ዚነብር ሱዮሺ ንጥምቀት ዜድሊ ብቕዓት ምእንቲ ኼማልእ፡ ኣብ ስራሑ ምትዕርራይ ኪገብር ነበሮ። ንሱ ኣብ ሓደ ኣሰራርዓ ዕምባባታት ዚምህር ምርኡይ ቤት ትምህርቲ፡ ምክትል ርእሰ መምህራን ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። እቲ ርእሰ መምህራን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ከኣ፡ ሱዮሺ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ጽምብላት ቡድህና ይሳተፍ ነበረ። ብዛዕባ ሞት ሓቂ ምስ ፈለጠ ግና፡ እቲ ኣብ ጽምብላት ዝነበሮ ተሳትፎ ኣብቲ ናብ ጥምቀት ዚገብሮ ዕቤት ዕንቅፋት ኰኖ። ይኹን እምበር ኣብ ጽምብላት ቡድህና ንዘይምስታፍ ብሕታዊ ውሳነ ገበረ። (2 ቈረ. 6:15, 16) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ድማ፡ ነቲ ርእሰ መምህራን ኣዛረቦ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብቲ ጽምብላት እቲ ኸይተሳተፈ፡ ስራሑ ሒዙ ኪቕጽል ከኣለ። ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመረሉ እዋን ከኣ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ተጠምቀ።a ንስኻ እውን ንኣምላኽ ባህ ንምባል ኣብ ስራሕካ ምትዕርራይ ክትገብር እንተ ኣድልዩካ፡ ንሱ ንዓኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ዘበለ ኸም ዜማልኣልካ ተኣማመን።—መዝ. 127:2፣ ማቴ. 6:33።
ሰብ ቈረንቶስ ተጠምቁ
15. ሰብ ቈረንቶስ ናብ ጥምቀት ከይበጽሑ ዚኽልክል እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ነይርዎም፧
15 ናይ ጥንቲ ቈረንቶስ ብፍቕረ ንዋይን ብስነ ምግባራዊ ርኽሰትን እያ እትፍለጥ ነይራ። መብዛሕትኦም ኣብኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ዓይነት ኣነባብራ እዩ ነይርዎም። እዚ ሃዋህው እዚ መሸም፡ ነቲ ብስራት ንምቕባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዚገብሮ ኣየተሓታትትን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኸተማ ምስ ከደን ብዛዕባ ክርስቶስ ምስ ኣበሰረን፡ “ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ . . . ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን።” (ግብ. 18:7-11) ድሕርዚ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንጳውሎስ ብራእይ ተራእዮ እሞ፡ “ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” በሎ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓመትን መንፈቕን ሰበኸ።
16. ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ ናብ ጥምቀት ከይበጽሑ ኺዓግቶም ዚኽእል ዕንቅፋታት ንምስጋር እንታይ እዩ ሓጊዝዎም፧ (2 ቈረንቶስ 10:4, 5)
16 ንሰብ ቈረንቶስ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 10:4, 5 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽን እቲ ሓያል መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጥታት ኪገብሩ ሓጊዝዎም እዩ። (እብ. 4:12) እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ንብስራት ክርስቶስ እተቐበሉ ሰባት ከም ስኽራንን ስርቅን ግብረ ሶዶምን ዝኣመሰለ ልማዳት ሓዲጎም እዮም።—1 ቈረ. 6:9-11።b
17. ካብ ሰብ ቈረንቶስ እንታይ ትምሃር፧
17 ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ ሱር ዝሰደደ ልማዳት እኳ እንተ ነበሮም፡ ክርስትያናት ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ግና ኣይደምደሙን። ናብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ጸባብ መገዲ ንምእታው ብትግሃት ጸዓሩ። (ማቴ. 7:13, 14) ንስኻኸ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ምስ ሕማቕ ልማድ ወይ ግጉይ ተግባር ትቃለስዶ ኣለኻ፧ ኣብቲ ቓልስኻ ኸቶ ኣይትተሓለል! ነቲ ሕማቕ ትምኒት ንምቅላስ ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ንየሆዋ ለምኖ።
18. ካብ ተመክሮ ሞኒካ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
18 ኣብ ሃገረ ጆርጅያ እትነብር ሞኒካ፡ ናብ ጥምቀት ምእንቲ ኽትበጽሕ ኢላ ርኹስ ዘረባን ዘይግቡእ መዘናግዕን ንምውጋድ ብዙሕ እያ ጽዒራ። ንሳ፡ “ጐርዞ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ጸሎት እዩ ሓይሊ ዝዀነኒ ነይሩ። ቅኑዕ ዘበለ ኽገብር ከም ዝደሊ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ይሕግዘንን ይመርሓንን ነይሩ” ትብል። ሞኒካ ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነት ተጠምቀት። ንስኻኸ ንየሆዋ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኸተገልግሎ ኸተወግዶ ዚግብኣካ ተግባራት ኣሎዶ፧ ለውጥታት ክትገብር ዜኽእለካ ሓይሊ ምእንቲ ኺህበካ፡ ብተደጋጋሚ ለምኖ። የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህብ እዩ።—ዮሃ. 3:34።
እምነትካ ኣኽራን ከተግዕዝ ትኽእል እያ
19. ከም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ንምስጋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
19 የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽትከውን ከም ዚደልየካን ተኣማመን። ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዜጋጥመካ ዓይነት ዕንቅፋታት ብዘየገድስ፡ እዚ ስምዒቱ እዚ ኣይቅየርን እዩ። የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ ትብልዎ፡ ይግዕዝ ከኣ፡ ዘይከኣለኩም እውን ኣይህሉን” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 17:20) እቶም ነዚ ቓላት እዚ ዝሰምዑ፡ ምስ የሱስ ምምልላስ ካብ ዚጅምሩ ሒደት ዓመታት ጥራይ እዮም ገይሮም ነይሮም። ስለዚ፡ እምነቶም ገና ትዓቢ እያ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ እኹል እምነት እንተ ኣማዕቢሎም፡ ከም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ንምስጋር የሆዋ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል የሱስ ኣረጋገጸሎም። ንዓኻ እውን የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ንምግባር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽትከውን ከም ዚደልየካን ተኣማመን (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)c
20. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሶም ዚርከቡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ዜተባብዑኻ፧
20 ናብ ጥምቀት ከይትበጽሕ ኪዓግተካ ዚኽእል ዕንቅፋታት እንተ ኣልዩካ፡ ከይደንጐኻ ንምውጋዱ ስጕምትታት ውሰድ። በቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነታት ተጸናናዕ፡ ካብኡ ድማ ብርታዐ ርኸብ። እቲ ዝሓደግዎ ኣብነታት እውን ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ የተባብዕካ። እወ፡ እዚ ውሳነ እዚ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ውሳነ እዩ።
መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ
a ታሪኽ ህይወት ሱዮሺ ፉጂ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 2005 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-23 ወጺኡ ኣሎ።
b ኣብ jw.org ‘ስለምንታይ ኢኻ ኸይትጥመቕ ትደናጐ ዘለኻ፧’ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓደስቲ ጥሙቓት ተሓጒሶም ይቕበልዎም።