ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መጋቢት ገጽ 8-13
  • ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋን ንየሱስን ምሰሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋን ንየሱስን ምሰሎም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋ ምሰሎ
  • ትሑት ኩን
  • ‘ለብም’
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብትሕትና ብምምልላስ ንየሆዋ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መጋቢት ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10

መዝሙር 31 ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋን ንየሱስን ምሰሎም

“ክርስቶስ ብስጋ መከራ ኻብ ጸገበ፡ ንስኻትኩም እውን በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተዓጠቑ።”—1 ጴጥ. 4:1።

ኣትኵሮ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ኣተሓሳስባ የሱስ ብኸመይ ከም እተማህረ፡ ንሕና እውን ብኸመይ ክንምሃር ከም እንኽእል።

1-2. ፍቕሪ ንየሆዋ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ የሱስከ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።” (ሉቃ. 10:27) የሱስ ኣብ ሕጊ ሙሴ እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ ምዃና ገሊጹ እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንልብና፡ ማለት ንትምኒታትናን ንስምዒታትናን የጠቓልል እዩ። ብምሉእ ነፍስና ንእንገብሮ ተወፋይነትን ንሓይልናን እውን የጠቓልል እዩ። ብዘይካዚ ግና፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንኣእምሮና፡ ማለት ንኣተሓሳስባና የጠቓልል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ንዅሉ ኣተሓሳስባ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ ንኣተሓሳስባ ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዜንጸባርቖ ግና፡ ብዛዕባ “ሓሳብ ክርስቶስ” መጽናዕቲ ብምግባር ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ብዝሓሸ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 2:16።

2 የሱስ ንየሆዋ ብምሉእ ኣእምሮኡ የፍቅሮ ነበረ። ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ፣ ምስኡ ተሰማሚዑ ንምምልላስ እውን ቈሪጹ ነበረ። ቅኑዕ ዘበለ ምግባር መከራ ኸም ዜምጽኣሉ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ግና ድሕር ኣይበለን። ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ምግባር ስለ ዘተኰረ ኸኣ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ካብቲ ሸቶኡ እቲ ኸም ዜስግል ኪገብሮ ኣይፈቐደን።

3. ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ የሱስ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ ንክርስትያናትከ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣተባቢዕዎም፧ (1 ጴጥሮስ 4:1)

3 ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ምስ የሱስ ግዜ ስለ ዘሕለፉ፡ ንኣተሓሳስባኡ ብቐረባ ርእዮምዎ እዮም። ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ንክርስትያናት ብኣተሓሳስባ ክርስቶስ ኪዕጠቑ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 4:1 ኣንብብ።) “ተዓጠቑ” ኢሉ ብምጽሓፍ ድማ፡ ወተሃደራዊ ቓል ተጠቒሙ ኣሎ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ኣተሓሳስባ የሱስ እንተ ሒዞም፡ ኣብቲ ምስ ሓጢኣትን ምስዛ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለምን ዚገብርዎ ውግእ ሓያል ኣጽዋር እዮም ዚዕጠቑ።—2 ቈረ. 10:3-5፣ ኤፌ. 6:12።

4. እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

4 ሕጂ እምበኣር፡ ኣተሓሳስባ የሱስ ክንምርምር፡ ብኸመይ ንዕኡ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና። ስለዚ፡ (1) ብኣተሓሳስባና ንየሆዋ ብኸመይ ከም እንመስሎ፡ በዚ ኸምዚ እውን ብኸመይ ሓደ ሓሳብ ከም ዚህልወና፡ (2) ብኸመይ ትሑታት ከም እንኸውን፡ (3) ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካል ብኸመይ ከም እንልብም ክንርኢ ኢና።

ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋ ምሰሎ

5. ጴጥሮስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዘየንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

5 ጴጥሮስ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ዘየንጸባረቐሉ ሓደ ኣጋጣሚ እስከ ንርአ፦ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ናብ የሩሳሌም ከም ዚኸይድን ኣብ ኢድ መራሕቲ ሃይማኖት ኣሕሊፋ ኸም ዚውሃብን ከም ዚስቀን ከም ዚቕተልን ነገሮም። (ማቴ. 16:21) ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘የሆዋ ነቲ ተስፋ እስራኤልን መሲሕን ዝዀነ የሱስ ኪቕተል ይፈቅድ’ ዚብል ሓሳብ ምቕባሉ ኸቢድዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 16:16) ስለዚ፡ ንየሱስ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። (ማቴ. 16:22) ጴጥሮስ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ኣተሓሳስባ የሆዋ ስለ ዘየንጸባረቐ፡ ምስ የሱስ ሓደ ሓሳብ ኣይነበሮን።

6. የሱስ ኣተሓሳስባኡ ኸም ናይ የሆዋ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

6 ኣተሓሳስባ የሱስ ግና ምስ ናይ ሰማያዊ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ተሳንዩ እዩ ነይሩ። ስለዚ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” በሎ። (ማቴ. 16:23) ጴጥሮስ ጽቡቕ ሓሊኑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ነጸጎ። ካብዚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንየሱስ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ዘተኰረ ህይወት ኪነብር ኣይኰነን ዚደልዮ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ጴጥሮስ ንኣተሓሳስባኡ ኸም ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኪገብሮ ኸም ዚግባእ ተማሂሩ እዩ።

7. ድሕሪ ግዜ ጴጥሮስ ኣተሓሳስባኡ ኸም ናይ የሆዋ ኺገብር ከም ዚደሊ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ስእሊ ርአ።)

7 ድሕሪ ግዜ፡ ጴጥሮስ ኣተሓሳስባኡ ብኣተሓሳስባ የሆዋ ኪቓኒ ኸም ዚደሊ ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚዀኑሉ ግዜ ኣኸለ። ጴጥሮስ ድማ ንቆርኔሌዎስ ኪሰብከሉ መምርሒ ተዋህቦ፣ እዚ ሰብ እዚ ኻብቶም ናብ ክርስትና ዝመጹ ቐዳሞት ጕጅለ እዩ ዀይኑ። ይኹን እምበር፡ ኣይሁድ ምስ ኣህዛብ ኣይሕወሱን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ጴጥሮስ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ንምትግባር ኪዳሎ የድልዮ ነበረ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምስ ኣስተውዓለ ድማ፡ ኣረኣእያኡ ኣዐረየ። ስለዚ፡ ልኡኻት ናብኡ ምስ መጹ፡ ‘ሰገጥ ከይበለ’ ምሳታቶም ከደ። (ግብ. 10:28, 29) ንቆርኔሌዎስን ንቤተ ሰቡን ድማ ሰበኸሎም፣ ንሳቶም ከኣ ተጠምቁ።—ግብ. 10:21-23, 34, 35, 44-48።

ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስን ንብጾቱን ኣብ ደርቢ ቤቱ ናብ ዘላ ኽፍሊ ይመርሖም።

ጴጥሮስ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስ ይኣቱ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ኣተሓሳስባና ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኸም ዚሳነ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 3:8)

8 ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ሓደ ዝሓሳቦም” ኪዀኑ ኣተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።) ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ኣብ ቃል የሆዋ ዚርከብ ኣተሓሳስባኡ ብምንጽብራቕ ሓደ ዝሓሳቦም ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ንሰዓብቱ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴ. 6:33) ንበል ሓደ ኣብ ጉባኤና ዘሎ ኣስፋሒ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣቱ ይውስን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንርእሱ ኺሓልየላ ኣብ ክንዲ እንዛረቦ፡ ስለቲ ጻዕሩ ኣወንታዊ ነገር ክንዛረብን ደገፍና ኽንህቦን ኣሎና።

ትሑት ኩን

9-10. የሱስ ዜደንቕ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ብዛዕባ ትሕትና ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂርዎም እዩ። ኣቐዲሙ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን፡ ነቲ ምሳታቶም ዚበልዖ ናይ መወዳእታ መኣዲ ኼዳልዉ ልኢኽዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ምድላዋት እቲ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ኣጋይሽ ቅድሚ ድራር ኣእጋሮም ዚሕጸቡሉ ገበራን ዓለባን ኣዳልዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ ነዚ ትሑት ዕዮ መን ኰን እዩ ዓይይዎ፧

10 የሱስ ብኡብኡ ዜደንቕ ትሕትና ኣርኣየ። ጊልያ ዚዓይዮ ዕዮ ኺዓዪ ምስ ጀመረ፡ ሃዋርያቱ ተደኒቖም ኪዀኑ ኣለዎም። ክዳውንቱ ኣንቢሩ ዓለባ ተዓጥቀ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ ድማ፡ ኣእጋሮም ኪሓጽቦም ጀመረ። (ዮሃ. 13:4, 5) ኣእጋር ኵሎም እቶም 12 ሃዋርያቱ ንምሕጻብ፡ ነዊሕ ግዜ ወሲዱሉ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ እኳ ኣእጋሩ ሓጺብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብትሕትና ነቲ ዕዮ እቲ ዓየዮ። ድሕሪኡ፡ ብትዕግስቲ ኸምዚ ኢሉ ገለጸሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧ ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም። እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም።”—ዮሃ. 13:12-14።

ናይ ሓቂ ትሕትና . . . ንውሽጣዊ ሓሳባትና እውን ተጠቓልል እያ

11. ጴጥሮስ ትሕትና ኸም እተማህረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (1 ጴጥሮስ 5:5) (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ጴጥሮስ ካብ ትሕትና የሱስ ተማሂሩ እዩ። የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ጴጥሮስ ንሓደ ኻብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ ሰብኣይ ብምሕዋይ ተኣምር ገበረ። (ግብ. 1:8, 9፣ 3:2, 6-8) በዚ መስተንክር ተግባር እዚ ተገሪሞም ድማ ብዙሓት ሰባት ዓጐጕዎ። (ግብ. 3:11) እሞኸ ጴጥሮስ ካብቲ ንተፈላጥነትን ንስልጣንን ዓብዪ ኣትኵሮ ዚውሃበሉ ባህሊ ስለ ዝመጸ፡ ናብ ርእሱ ኣትኵሮ ኺስሕብ ፈቲኑዶ፧ ኣይፋልን፡ “[ብስም የሱስን] በታ ብስሙ ዘላትና እምነትን እውን፡ እዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ጸኒዑ ኣሎ” ብምባል፡ ንሱ ዘይኰነስ የሆዋን የሱስን ከም ዚውደሱ እዩ ገይሩ። (ግብ. 3:12-16) እቲ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ትሕትና ኸነማዕብል ከም ዜድልየና ኺገልጽ ከሎ እተጠቕመሉ ቓላት፡ ነቲ የሱስ ዓለባ ተዓጢቑ ኣእጋር ሃዋርያቱ ዝሓጸበሉ እዋን ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:5 ኣንብብ።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ኣለዉ። ጴጥሮስ ናብ ሰማያት የመልክት ኣሎ፣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ እሞ ዝሓወየ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ጥቓኦም ኣሎ።

ጴጥሮስ ተኣምር ምስ ገበረ፡ ብትሕትና ተደሪኹ የሆዋን የሱስን ከም ዚውደሱ ገበረ። ንሕና እውን ተፈላጥነት ወይ ዓስቢ ኸይተጸበና ሰናይ ብምግባር፡ ትሕትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)


12. ንሕና እውን ከም ጴጥሮስ ብቐጻሊ ትሕትና ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ንሕና እውን ኣብነት ጴጥሮስ ብምስዓብ ትሕትና ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ናይ ሓቂ ትሕትና ጥዑም ቃላት ጥራይ ኣይኰነትን እተጠቓልል። እታ ጴጥሮስ እተጠቕመላ ትሕትና እትብል ቃል፡ ንውሽጣዊ ሓሳባትና እውን ተጠቓልል እያ። ክንነኣድ ኢልና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ንሰባት ስለ እነፍቅርን ኢና ሓደ ነገር እንገብር። ሰባት ጻዕርታትና ይርኣይዎ ኣይርኣይዎ ብዘየገድስ፡ ተሓጒስና ንየሆዋን ንኣሕዋትናን እነገልግል እንተ ዄንና፡ ትሑታት ምዃንና ኢና እነርኢ።—ማቴ. 6:1-4።

‘ለብም’

13. ‘ልብምና’ እንታይ ከም ዜጠቓልል ግለጽ።

13 ‘ልብምና’ እንታይ የጠቓልል፧ (1 ጴጥ. 4:7) ለባም ክርስትያን ንኣተሓሳስባ የሆዋ ዜንጸባርቕ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር እዩ ዚጽዕር። ካብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዚበልጽ ነገር ከም ዘየሎ ይፈልጥ እዩ። ኵሉ ነገራት ከም ዘይፈልጥ ስለ ዜስተውዕል ከኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ብትሕትና ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ድማ፡ ኣብ ኣምላኹ ኸም ዚውከል የርኢ እዩ።

14. ጴጥሮስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ የሆዋ ዘይተወከለ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ኵላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። ጴጥሮስ ድማ፡ “ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ!” ኢሉ ብምትእምማን መለሰ። በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን” ኢሉ መዓዶም። (ማቴ. 26:31, 33, 41) ጴጥሮስ ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ እንተ ዚስዕብ ነይሩ፡ ምናልባት ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ብትብዓት ምተዛረበ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንጐይታኡ ኸሓዶ፣ እዚ እውን ብዙሕ ኣጠዓሶ።—ማቴ. 26:69-75።

15. የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ ልብምናኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

15 የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ይውከል ነበረ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ብተደጋጋሚ ይጽሊ ነበረ። እዚ ድማ ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ዜኽእል ትብዓት ሃቦ። (ማቴ. 26:39, 42, 44፣ ዮሃ. 18:4, 5) ጴጥሮስ ንየሱስ ብዙሕ ግዜ ኺጽሊ ስለ ዝረኣዮ፡ እዚ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዚቕጽል ጦብላሕታ ሓዲግሉ ኪኸውን ኣለዎ።

16. ጴጥሮስ ከም ዝለበመ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (1 ጴጥሮስ 4:7)

16 ድሕሪ ግዜ፡ ጴጥሮስ እውን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኺውከል ጀመረ። የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ነቲ ኺሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ምፍጻም ምእንቲ ኪኽእሉ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚውሃቦም ቃል ኣተወሎም። ከምኡ ኽሳዕ ዚኸውን ግና ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ነገሮም። (ሉቃ. 24:49፣ ግብ. 1:4, 5) እሞኸ ጴጥሮስ እናተጸበየ እንታይ እዩ ዚገብር ዝነበረ፧ ጴጥሮስን ክርስትያናት ብጾቱን “ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ።” (ግብ. 1:13, 14) ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ንክርስትያናት ብጾቱ ኺልብሙን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኺውከሉን ኣተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 4:7 ኣንብብ።) እወ፡ ጴጥሮስ ብኸመይ ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከል ተማህረ፡ ዓንዲ ጉባኤ እውን ኰነ።—ገላ. 2:9።

17. ተፈጥሮኣዊ ኽእለታት እኳ እንተ ሃለወና፡ ብቐጻሊ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ንሕና እውን ክንልብም እንተ ዄንና፡ ኣዘውቲርና ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ኣሎና። ተፈጥሮኣዊ ኽእለታት እኳ እንተ ሃለወና፡ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ኽንርስዕ የብልናን። ምናዳ ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ የሆዋ ንዓና ዚሓይሽ ነገር እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ ብምትእምማን፡ ካብኡ መምርሒ ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና።

ጴጥሮስ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ምውካል ተማህረ። ንሕና እውን ምናዳ ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ እንተ ጸሊና፡ ክንልብም ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)a


18. ከመይ ጌርና ኢና ናብ ኣተሓሳስባ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቃነ እንኽእል፧

18 የሆዋ ባህርያቱ ንምንጽብራቕ ተኽእሎ ሂቡ ስለ ዝፈጠረና፡ ኣዚና ኸነመስግኖ ኣሎና። (ዘፍ. 1:26) ልክዕ እዩ፡ ንየሆዋ ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ኽንመስሎ ኣይንኽእልን ኢና። (ኢሳ. 55:9) ይኹን እምበር፡ ከም ጴጥሮስ ናብ ኣተሓሳስባ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቃነ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብኣተሓሳስባና ንኣምላኽ ብምምሳልን ትሑታት ብምዃንን ብምልባምን ከምኡ ንግበር።

ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ዚስዕብ ክንገብር እንኽእል፧

  • ብኣተሓሳስባና ንየሆዋ ኽንመስል

  • ትሑታት ክንከውን

  • ‘ክንልብም’

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

a መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ክትገብር እናተጸበየት ብልባ ትጽሊ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ