ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50
መዝሙር 48 ምስ የሆዋ ንመላለስ
ብትሕትና ብምምልላስ ንየሆዋ ምሰሎ
“ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ።”—ኤፌ. 5:1።
ኣትኵሮ
ብትሕትና ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስለሉ እንኽእል ኣርባዕተ ግብራዊ መገድታት።
1. ትሕትና የሆዋ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሎሚ ዘለዉ ሰበ ስልጣን፡ ትሕትና ኣለዎምዶ ምበልካዮም፧ ኣይፋልን። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ግና ትሕትና ኣለዎ። (መዝ. 113:5-8) ትሕትና ኣብ ኵሉ ባህርያት የሆዋ ትርአ እያ። ንሱ ዋላ ሓንቲ ኣሰር ትዕቢት የብሉን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንዓና ዚሕዘሉ ኣርባዕተ መገድታት ክንምርምር ኢና፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ድማ ብኸመይ ትሕትናኡ ኸም እትንጸባረቕ ክንርኢ ኢና። የሱስ ብትሕትና ዝመጸ ብኸመይ ንኣቦኡ ኸም ዝመሰሎ እውን ክንርኢ ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ ምምርማርና ኸኣ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦን ከምኡ ብዝያዳ ትሑታት ክንከውንን ኪሕግዘና እዩ።
የሆዋ ተቐራቢ እዩ
2. መዝሙር 62:8 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትገልጸልና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
2 ዕቡያት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ተቐረብቲ ኣይኰኑን። ካብ ካልኦት ክብ ከም ዝበሉ ገይሮም ስለ ዚሓስቡ፡ ካልኦት ሰባት ኪቐርብዎም ኣይለዓዓሉን እዮም፡ ወይ ጠሪሶም ካባታቶም ይርሕቁ እዮም። የሆዋ ግና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ናብኡ ቐሪብና ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ዘሎ ኽንነግሮ ጻውዒት የቕርበልና እዩ። (መዝሙር 62:8 ኣንብብ።) ከምቲ ሓላዪ ኣቦ ብዛዕባ እቲ ንደቁ ዜተሓሳስቦም ነገራት ኪሰምዕ ዚደሊ፡ የሆዋ እውን ጸሎት ኣምለኽቱ ኺሰምዕ ይደሊ እዩ። ሓያሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ተቐራቢ ምዃኑ የርእየና። (እያ. 10:12-14፣ 1 ሳሙ. 1:10-18) እንተዀነ ግና፡ ናብኡ ንምቕራብ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ሓደ ኣቦ፡ መቐመጢ ዕምባባ ንዝሰበረ ወዱ ብትሕትና ይሰምዖ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንየሆዋ ይመስሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)
3. የሆዋ ብጸሎት ናብኡ ኣዘውቲርካ ኽትቀርብ ከም ዚደልየካ ስለምንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧
3 ፍቕሪ የሆዋ ዘይግብኣና ዀይኑ እናተሰምዓና ኽነሱ፡ ናብኡ ብጸሎት ክንቀርብ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ የሱስ ኣብ ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ለዋህ ኣቦ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብታ ምሳሌ እቲኣ ኸኣ፡ እቲ እተነስሐ ወዲ ተመሊሱ ኣባል እቲ ስድራ ቤት ንምዃን ከም ዘይበቅዕ ኰይኑ ኸም እተሰምዖ ተገሊጹ ኣሎ። እሞ ደኣ እቲ ወዲ ምስ ተመልሰ፡ ኣቦኡ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ፧ ካብ ርሑቕ ረኣዮ፡ “ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ ሰዓሞ።” (ሉቃ. 15:17-20) የሆዋ ኸምቲ ኣቦ እቲ እዩ። ልቦም ብናይ በደለኛነት ስምዒት ወይ ብጭንቀት እተሰብረን እተደቝሰን ሰባት ንዜቕርብዎ ጸሎት ምስ ሰምዐ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ምሉእ ቈላሕታኡ እዩ ዚህቦም። (ድጕ. 3:19, 20) ብርሕራሐ ተደሪኹ ድማ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናባታቶም ይጐዪ። ከም ዚምሕሮምን ከም ዜፍቅሮምን ከኣ መጸናንዕን መረጋገጽን ይህቦም። (ኢሳ. 57:15) እሞ ደኣ ሎሚ የሆዋ ናባና “ዚጐዪ” ብኸመይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ብሽማግለታትን ኣመንቲ ብዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትናን ብኻልኦት ክርስትያናት ብጾትናን ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ዚገብር። (ያእ. 5:14, 15) ወትሩ ምስኡ ለጊብና ኽንመላለስ ስለ ዚደልየና፡ እዚ ሓገዝ እዚ ይህበና እዩ።
4. የሱስ ተቐራቢ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
4 የሱስ ንኣቦኡ ይመስሎ። የሱስ ከም ኣቦኡ ትሑት እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰባት ከይተሰከፉ ይቐርብዎ ነይሮም። ከይፈርሁ ኸኣ ሕቶታት ይሓትትዎ ነይሮም። (ማር. 4:10, 11) ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ሓሳቦም ኪገልጹ ኺሓትቶም ከሎ ድማ፡ ናይ ሓቂ ስምዒቶም ይገልጹሉ ነይሮም። (ማቴ. 16:13-16) ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ብፍርሂ ኣይሽቝረሩን እዮም ነይሮም፣ ስለምንታይሲ፡ የሱስ ለዋህን መሓርን ዕጉስን ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 17:24-27) የሱስ ንኣቦኡ ኣጸቢቑ ስለ ዝመሰሎ፡ ሰዓብቱ ንየሆዋ ብዝያዳ ኺፈልጥዎ ኽኢሎም እዮም። (ዮሃ. 14:9) የሆዋ ኸምቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሕሱማትን ዕቡያትን ናብ ሰብ ዘይቀርቡን መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዘይኰነ ኺፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትሑትን ተቐራብን ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም።
5. ትሕትና ብዝያዳ ተቐረብቲ ኽንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
5 ንሕና ብኸመይ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል፧ ትሕትና ምስ እነማዕብል፡ ብዝያዳ ተቐረብቲ ኢና እንኸውን። ትሕትና እንተ ኣልዩና፡ ቀናኣትን ዕቡያትን ዘይመሓርትን ኣይንኸውንን ኢና፣ እዚ ባህርያት እዚ ንሰባት ካባና የርሕቖም እዩ። ትሕትና እንተ ኣልዩና ግና፡ ለዋሃትን ዕጉሳትን መሓርትን ኢና እንኸውን፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ንኻልኦት ናባና ይስሕቦም እዩ። (ቈሎ. 3:12-14) ምናዳ ሽማግለታት ተቐረብቲ ንምዃን ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ሰባት ምእንቲ ኪቐርብዎም ግና፡ መጀመርታ ኺረኽብዎም ኣለዎም። ስለዚ ሽማግለታት ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኣካል ንምእካብ ደኣ እዮም ጻዕሪ ኺገብሩ ዘለዎም እምበር፡ ብዘይጠቅም ምኽንያት ቪድዮ ኮንፈረንስ ኪመርጹ የብሎምን። ብእተኻእሎም መጠን ድማ፡ ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በቤት እናኸዱ ኼገልግሉ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሽማግለታት ብዝሓሸ ስለ ዚፈልጥዎም፡ ሓገዝ ኬድልዮም ከሎ ብዛዕባ ጕዳዮም ንምንጋር ኣይከብዶምን እዩ።
የሆዋ ሚዛናዊ እዩ
6-7. የሆዋ ንልማኖ ኣገልገልቱ ብምስማዕ ሕራይ ንምባል ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።
6 መብዛሕትኦም ዕቡያት ሰባት ምስ ሰብ ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ ሚዛናውያን ኣይኰኑን። የሆዋ ግና ካብ ኵሉ ዚበልጽ ክነሱ ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ሚዛናዊ ንምዃንን ሕራይ ንምባልን ፍቓደኛ እዩ። ንኣብነት፡ ንሚርያም ሓብቲ ሙሴ ብኸመይ ከም ዝሓዛ እስከ ንርአ። ንሳን ኣሮንን ኣብ ልዕሊ እቲ ተወካሊኡ ዝዀነ ሙሴ ኣጕረምረሙ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሚርያም ንየሆዋ ነዓቐቶ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንሚርያም ተቘጥዓ፡ ብደዌ እውን ወቕዓ። ኰይኑ ግና፡ ኣሮን ንሙሴ ምስ ለመኖ እሞ፡ ሙሴ ንየሆዋ ምእንቲ ሓብቱ ምስ ለመኖ፡ እንታይ ምላሽ እዩ ሂብዎ፧ ዕቡይ ሰብ ፍርዱ ኣይምቐየረን፡ የሆዋ ግና ኣይሓንገደን። ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ንልማኖ ሙሴ ብምስማዕ ንሚርያም ኣሕወያ።—ዘሁ. 12:1-15።
7 የሆዋ ኣብቲ ንንጉስ ህዝቅያስ ዝሓዘሉ መገዲ እውን ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብነብይኡ ኣቢሉ ንንጉስ ህዝቅያስ ከም ዚመውት ነገሮ። ህዝቅያስ ድማ ንየሆዋ፡ ካብ ሕማሙ ምእንቲ ኼሕውዮ እናነብዐ ለመኖ። የሆዋ ኸኣ ብምሕረት ተደሪኹ ኣብ ዕድሚኡ 15 ዓመት ወሰኸሉ። (2 ነገ. 20:1, 5, 6) እወ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ርሕራሐ ኺገብርን ሕራይ ኪብልን ክኢሉ እዩ።
8. የሱስ ሚዛናዊ ኸም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧ (ማርቆስ 3:1-6)
8 የሱስ ንኣቦኡ ይመስሎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሚዛናዊ ዀይኑ ስለ ዚውስን፡ ንሰባት ሰናይ ይገብረሎም ነበረ። ንኣብነት፡ ተሪር ዝልቦም ተጻረርቲ እናተቓወምዎ ኽነሱ፡ ብሰንበት ንሰባት ኣሕውዩ እዩ። (ማርቆስ 3:1-6 ኣንብብ።) ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ኰነ እውን፡ ሚዛናዊ ዀይኑ ኻብ ምዕያይ ኣየቋረጸን። ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ኪገብር ከሎ ይዕገሶ፡ መገዱ ኼዐሪ እውን እኹል ኣጋጣሚ ይህቦ እዩ።—ራእ. 2:2-5።
9. ብኸመይ ኢና ሚዛናውነት ከነማዕብልን ከነርእን እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
9 ንሕና ብኸመይ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል፧ ከም የሆዋ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኽንሓስብን ተግባርና ምእንቲ ኽንገብርን ብትሕትና ኽንጽዕር ኣሎና። (ያእ. 3:17፡ እ.ጽ.) ንኣብነት፡ ሚዛናውያን ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም እምብዛ ልምሉማት እኳ እንተ ዘይኰኑሎም፡ ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ግና ኣይጽበይዎምን እዮም። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 33:12-14 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ያእቆብ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ትሑታትን ሚዛናውያንን ወለዲ፡ ንሓደ ውላዶም ምስ ካልእ ኣየወዳድርዎን እዮም። ክርስትያን ሽማግለታት እውን ሚዛናውያን ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገዲ፡ መብዛሕትኦም እቶም ብጾቶም ሽማግለታት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጥሕስ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ነቲ ውሳነ ልዙባት ኰይኖም ብምቕባል እዩ። (1 ጢሞ. 3:2, 3፡ እ.ጽ.) ኵላትና ድማ ካብ ናይ ካልኦት እተፈልየ ኣረኣእያ እኳ እንተ ኣሎና፡ ንኣረኣእያኦም ምእንቲ ኽንርድኣሎም ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:1) እወ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለና ዅላትና፡ ነቲ “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን፡” እ.ጽ.] ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ዚብል ምኽሪ ንምትግባር ክንጽዕር ኣሎና።—ፊል. 4:5።
ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ደቁ ሚዛናዊ ትጽቢት ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)
የሆዋ ዕጉስ እዩ
10. ብኸመይ እዩ የሆዋ ትዕግስቲ ዘርኣየ፧
10 ዕቡያት ሰባት ኪጽበዩ ኸም ዘይደልዩ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ብሰንኪ ትዕቢት ኪዕገሱ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ግና ካብ ማንም ንላዕሊ ዕጉስ እዩ። ንኣብነት፡ ብዘመን ኖህ፡ የሆዋ ነቶም እኩያት ንምጥፋእ 120 ዓመት ከም ዚዕገስ ገሊጹ ኣሎ። (ዘፍ. 6:3) ስለዚ፡ ኖህ ንደቁ ንምዕባይ፡ ብሓገዝ ስድራ ቤቱ እውን ነታ መርከብ ንምስራሕ ግዜ ረኸበ። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ንየሆዋ ወኪሉ ዝመጸ መልኣኽ ነቲ ኻብ ኣብርሃም ብዛዕባ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ዝቐረበሉ ሕቶታት ብትዕግስቲ ሰምዐ። ሓደ ዕቡይ ሰብ፡ ‘ንዓይ እዚ ኢልካ እትሓትተንስ ክንደይ ትደፍር!’ ምበለ፡ እቲ መልኣኽ ግና ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ንኣብርሃም ብትዕግስቲ ሰምዖ።—ዘፍ. 18:20-33።
11. ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:9 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብዚ ግዜና የሆዋ ዚዕገስ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣብዚ ግዜና እውን፡ የሆዋ ብትሕትና ይዕገስ ኣሎ። መወዳእታ ዚመጸሉ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል ይጽበ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ዚዕገስ ዘሎ፧ ምኽንያቱ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” እዩ ዚዕገስ ዘሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ትዕግስቲ የሆዋስ ንኸንቱ ድዩ፧ ኣይፋልን። ቅኑዕ ዝልቦም ሚልዮናት ሰባት ናብኡ ኪቐርቡ ኽኢሎም እዮም። ገና ሚልዮናት ሰባት ከምኡ ኺገብሩ እውን ተስፋ ንገብር ኢና። ይኹን እምበር፡ ትዕግስቲ የሆዋ ደረት ኣለዎ። የሆዋ ንሰባት የፍቅሮም እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሕ ዝበሎም እናገበሩ ኺነብሩ ግና ኣይፈቅድን እዩ። እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ኣይፈቅድን እዩ።—ኣን. 2:3።
12. የሱስ ብትዕግስቲ ዝመጸ ንየሆዋ ዚመስሎ ብኸመይ እዩ፧
12 የሱስ ንኣቦኡ ይመስሎ። ብትዕግስቲ ዝመጸ፡ የሱስ ንኣሽሓት ዓመታት ንኣቦኡ መሲልዎ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰይጣን ንየሆዋን ንእሙናት ሰባትን ኪሓምዮም ከሎ ርእዩ እዩ። (ዘፍ. 3:4, 5፣ እዮ. 1:11፣ ራእ. 12:10) ንምግላጹ ዜሸግር መከራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪወርድ ከሎ እውን ርእዩ እዩ። “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” ክሳዕ ክንደይ ከም ዚህንጠ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። (1 ዮሃ. 3:8) እሞ ደኣ የሱስ ንግብሪ ድያብሎስ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ብትዕግስቲ ፍቓድ የሆዋ ኺጽበ ዜኽእሎ እንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ብትሕትና ተደሪኹ መዓስ ስጕምቲ ኺውሰድ ከም ዚግባእ ኣብ ኢድ የሆዋ ስለ ዚሓድጎ እዩ።—ግብ. 1:7።
13. የሱስ ንሃዋርያቱ እተዓገሶም ብኸመይን ስለምንታይን እዩ፧
13 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን ንሃዋርያቱ ተዓጊስዎም እዩ። ንኣብነት፡ መኖም ከም ዚዓቢ ብተደጋጋሚ ኣብ እተማጐቱሉ እዋን፡ ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትዕግስቲ እዩ ሒዝዎም። (ሉቃ. 9:46፣ 22:24-27) ውዒሎም ሓዲሮም ዜድሊ ለውጢ ኸም ዚገብሩ ይኣምን ነይሩ እዩ። ንስኻኸ ብተደጋጋሚ ሓደ ጌጋ ጌርካዶ ትፈልጥ፧ እሞ ደኣ ንጉስካ ትሑትን ዕጉስን ብምዃኑስ ኣይተመስግንንዶ፧
14. ብኸመይ ኢና ትዕግስቲ ኸነማዕብል እንኽእል፧
14 ንሕና ብኸመይ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል፧ “ሓሳብ ክርስቶስ” እንተ ኣማዕቢልና፡ ብኣተሓሳስባናን ብተግባራትናን ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 2:16) እሞ ደኣ ንሓሳብ ክርስቶስ ብኸመይ ኢና ብዝሓሸ ኽንርድኦ እንኽእል፧ እዚ ኣቋራጭ የብሉን። ወንጌላት ከነንብብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ እቲ ዘንበብናዮ ዛንታ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሱስ እንታይ ከም ዚገልጸልና ግዜ ወሲድና ኸነስተንትን ኣሎና። ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባ የሱስ ዘሎ ትሕትና ምእንቲ ኸነንጸባርቕ ድማ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ኣሎና። ሓሳብ ክርስቶስ ብዘማዕበልና መጠን፡ ንገዛእ ርእስና ዀነ ንክርስትያናት ብጾትና ዝያዳ ትዕግስቲ ስለ ዚህልወና፡ ንኣምላኽ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 18:26-30, 35።
የሆዋ ንትሑታት የኽብሮም
15. የሆዋ ብሓቂ ኸምቲ ኣብ መዝሙር 138:6 ተገሊጹ ዘሎ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ፧
15 መዝሙር 138:6 ኣንብብ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ንትሑታት ሰባት ዜስተብህለሎም ምዃኑ፡ እዚ ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! ገለ ኻብቶም የሆዋ ዘኽበሮም ትሑታት ሰባት እስከ ንርአ። ገሊኣቶም መጀመርታ ናብ ኣእምሮና ዚመጹልና ኸይኰኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ተመዝጊቦም ኣለዉ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሙሴ ብመንፈሱ ብምድራኽ ብዘመን ኣበው ንእትነብር ዝነበረት ዴቦራ ዝስማ መጕዚት ከም እትምዝገብ ገይሩ እዩ። ንሳ ኣብ እንዳ ይስሃቅን ኣብ እንዳ ያእቆብን ብድምር ኣስታት 125 ዓመት ብተኣማንነት ኣገልጊላ እያ። ብዛዕባ እዛ እምንቲ ሰበይቲ እዚኣ ብዙሕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ ግና ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ፡ ክሳዕ ክንደይ ተፈታዊት ከም ዝነበረት ኣስፊሩልና ኣሎ። (ዘፍ. 24:59፣ 35:8፡ እ.ጽ.) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ድማ፡ የሆዋ ነቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ኣተንስኦ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል እውን ኣንገሶ። (2 ሳሙ. 22:1, 36) የሱስ ምስ ተወልደ ድማ፡ ኣምላኽ ፈለማ ናብቶም ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ትሑታት ጓሶት መልኣኹ ብምልኣኽ፡ መሲሕ ዚኸውን ውሉድ ከም እተወልደ ኣፍለጦም። (ሉቃ. 2:8-11) ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ናብታ ቤተ መቕደስ ምስ ኣምጽእዎ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም ብዕድመ ደፊኦም ዝነበሩ ስምኦንን ሃናን ንወዱ ኺርእዩ ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽበሮም። (ሉቃ. 2:25-30, 36-38) እወ፡ “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ” እዩ።
16. የሱስ በቲ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ንኣቦኡ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧
16 የሱስ ንኣቦኡ ይመስሎ። የሱስ ከም ኣቦኡ ንትሑታት ሰባት የኽብር ነበረ። ን“ዘይተማህሩ ተራ” ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃረ። (ግብ. 4:13፣ ማቴ. 11:25) ብዘይካዚ፡ ንሕሙማት ኬሕዊ ኸሎ ጥዕናኦም ኣብ ርእሲ ምምላሱ፡ ክብሮም እውን ይሕልወሎም ነበረ። (ሉቃ. 5:13) ኣብታ ቐቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ለይቲ ድማ፡ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ ጊልያ ዚዓይዮ ዕዮ ዓየየ። (ዮሃ. 13:5) ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ኸኣ፡ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ዀነ ኣብ መጻኢ ዚህልዉ ዅሎም ትሑታት ሰዓብቱ ንሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ናይ ምሕጋዝ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዕዮ ብምሃብ ኣኽበሮም።—ማቴ. 28:19, 20።
17. ከመይ ጌርና ኢና ንሰባት ከነኽብር እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ንሕና ብኸመይ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል፧ ንዚሰምዑና ዘበሉ ዅሎም ድሕረ ባይታኦም፡ ሕብሪ ቘርበቶም፡ ወይ ደረጃ ትምህርቶም ብዘየገድስ ብስራት ክንነግሮም ከለና፡ ነኽብሮም ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ድማ ክእለቶም ኰነ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ሓላፍነት ብዘየገድስ ካብ ርእስና ኣብሊጽና ንርእዮም እንተ ዄንና፡ ነኽብሮም ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ፊል. 2:3) በዚ ኸምዝን ብኻልእ መገድታትን ብትሕትና ንሓድሕድና ንምክብባር ‘ቀዳሞት እንተ ዄንና፡’ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ።—ሮሜ 12:10፣ ጸፎ. 3:12።
ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብስራት እንተ ሰቢኽና፡ ብትሕትና ዝመጸ ንየሆዋ ንመስሎ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)a
18. ብትሕትና ብምምልላስ ንየሆዋ ኽትመስሎ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
18 ብትሕትና ብምምልላስ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ ብዝጸዓርና መጠን፡ ብዝያዳ ተቐረብትን ብዝያዳ ሚዛናውያንን ብዝያዳ ዕጉሳትን ኢና እንኸውን። ከም የሆዋ ድማ፡ ንሰባት ነኽብሮም ኢና። እምበኣር፡ ናብቲ ትሑት ኣምላኽና ንምቕራብ እንገብሮ ጻዕርታት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ብዝያዳ ኽቡራት ይግበረና!—ኢሳ. 43:4።
መዝሙር 159 ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
a መግለጺ ስእሊ፦ ኣሓት ንእሱራት ብምምሃር፡ ብትሕትና ዝመጸ ንየሆዋ ይመስላኦ።