ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 117
  • ፖለቲካዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፖለቲካዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትንቢት ፖለቲካዊ ኽፍፍል
  • ፖለቲካዊ ዓመጻ ኬኽትም እዩ
  • ኣብ ምድሪ ሰላም ዚሰፍን ብኸመይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዓመጻ
    ንቕሑ!—2015
  • ዓመጽ ንሓዋሩ ዘልግስ ብኸመይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣምላኽ ንዓመጻ ብኸመይ ይርእዮ፧
    ንቕሑ!—2002
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 117
ክልተ ዝኣፉ ጠበንጃ።

Rui Almeida Fotografia/Moment via Getty Images

ንቕሑ!

ፖለቲካዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ዚግበር ዓመጻ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ዓመጻ ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ የኽትምዶኸ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ትንቢት ፖለቲካዊ ኽፍፍል

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና፡ ማለት ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ብዙሓት ሰባት ናይ ዓመጻን ናይ ዘይምስምማዕን ዝንባለ ኸም ዜማዕብሉ ተነብዩ ነይሩ።

  • “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ . . . ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ . . . ጨካናት፡ . . . ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ . . . ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኸም ናዕብን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዝኣመሰለ ህውከት ከም ዜጋጥም እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:9፡ እ.ጽ.) ይኹን እምበር፡ ፖለቲካዊ ዓመጻን ክፍፍልን ንሓዋሩ ኺጠፍእ እዩ።

ፖለቲካዊ ዓመጻ ኬኽትም እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ብሰማያዊት መንግስቱ ኸም ዚትክአን ይገልጽ።

  • “ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ። . . . [መንግስቱ] ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።”—ዳንኤል 2:44።

መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓድነትን ዓለምለኻዊ ሰላምን ከተስፍን እያ።

  • እቲ ገዛኢ የሱስ ክርስቶስ፡ ስሙ “መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ፣” ከምኡ እውን፡ “ንሰላሙ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6, 7።

  • ዋላ ሕጂ እውን፡ ተገዛእቱ ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩ ይምሃሩ ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” ይብል።—ኢሳይያስ 2:3, 4።

ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ፣ ከምኡ እውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ