Rui Almeida Fotografia/Moment via Getty Images
ንቕሑ!
ፖለቲካዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ዚግበር ዓመጻ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ፖለቲካዊ ዓመጻ ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ የኽትምዶኸ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ትንቢት ፖለቲካዊ ኽፍፍል
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና፡ ማለት ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ብዙሓት ሰባት ናይ ዓመጻን ናይ ዘይምስምማዕን ዝንባለ ኸም ዜማዕብሉ ተነብዩ ነይሩ።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ . . . ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ . . . ጨካናት፡ . . . ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ . . . ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኸም ናዕብን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዝኣመሰለ ህውከት ከም ዜጋጥም እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:9፡ እ.ጽ.) ይኹን እምበር፡ ፖለቲካዊ ዓመጻን ክፍፍልን ንሓዋሩ ኺጠፍእ እዩ።
ፖለቲካዊ ዓመጻ ኬኽትም እዩ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ብሰማያዊት መንግስቱ ኸም ዚትክአን ይገልጽ።
“ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ። . . . [መንግስቱ] ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።”—ዳንኤል 2:44።
መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓድነትን ዓለምለኻዊ ሰላምን ከተስፍን እያ።
እቲ ገዛኢ የሱስ ክርስቶስ፡ ስሙ “መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ፣” ከምኡ እውን፡ “ንሰላሙ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6, 7።
ዋላ ሕጂ እውን፡ ተገዛእቱ ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩ ይምሃሩ ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” ይብል።—ኢሳይያስ 2:3, 4።
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ፣ ከምኡ እውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።