ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 23
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ማሕበረሰብ እንገብሮ ኣበርክቶ
  • “ካብ ዓለም ኣይኰኑን”
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውግእ ዘይሳተፉ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣምላኽን ቄሳርን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ውግእ
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 23
ወተሃደራት ኣብ ውግእ ብብረቶም ይትኵሱ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይዋግኡ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት እዩ፦

  1. ንኣምላኽ ይእዘዙ እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት” ከም ዚገብርዎን ‘ደጊም ውግእ ከም ዘይምሃሩን’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ኢሳይያስ 2:4።

  2. ንየሱስ ይእዘዙ እዮም። የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:52) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ሰዓብቱ ኣጽዋር ውግእ ከም ዘየልዕሉ ገለጸ።

    ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት ብምዃን፡ ነቲ ‘ኻብዛ ዓለም ከይኰኑ’ እተዋህቦም ትእዛዝ ይሕልውዎ እዮም። (ዮሃንስ 17:16) ንወተሃደራዊ ስጕምቲ ዀነ ወተሃደር ኪኸውን ንዚመርጽ ሰብ ግና ኣይቃወምዎምን እዮም።

  3. ንኻልኦት የፍቅሩ እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ ኣዚዝዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) በዚ ኸምዚ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዝፈጠሩ፡ ዝዀነ ይኹን ኣባል ኣንጻር መንፈሳዊ ሓዉ ወይ ሓብቱ ኣይዋጋእን እዩ።—1 ዮሃንስ 3:10-12።

  4. ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት ይስዕቡ እዮም። ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ዎር ከም ዚገልጾ፡ “ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ውግእን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣይካፈሉን እዮም ነይሮም።” ነዚ ተግባራት እዚ፡ “ምስቲ የሱስ ዝመሃሮ ስርዓት ፍቕርን ምስቲ ጸላኢኻ ኸተፍቅር ዚእዝዝ ትእዛዝን ኣይቃዶን እዩ።” ብተመሳሳሊ፡ ፒተር መይንሆልት ዚብሃል ጀርመናዊ ምሁር ስነ ሃይማኖት፡ ብዛዕባ ቐዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ “ክርስትያንን ወተሃደርን ምዃን ዘይቃዶ ነገር ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ” በለ።

ኣብ ማሕበረሰብ እንገብሮ ኣበርክቶ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበረሰብ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም፣ ንጸጥታ እተን ዚነብሩለን ሃገራት ዜስግኡ እውን ኣይኰኑን። ምስዚ ዚስዕብ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንሰማማዕ፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ነኽብር፦

  • “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም።”—ሮሜ 13:1።

  • “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ።”—ማቴዎስ 22:21።

ስለዚ፡ ሕጊ ንእዘዝ፡ ግብሪ ንኸፍል፡ ምስቲ መንግስቲ ንድሕንነት ህዝቢ ዚገብሮ ጻዕርታት ከኣ ንተሓባብር ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ