ዓርቢ 17 ጥቅምቲ
ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።—ኤፌ. 5:8።
ወትሩ “ኸም ደቂ ብርሃን” ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ርኽስቲ ዓለም ንጹህ ኴንካ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:3-5, 7, 8) መንፈስ ቅዱስ ምስ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ንምቅላስ፡ እንተላይ ምስቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሳነ ፍልስፍናታትን ኣረኣእያታትን ንምቅላስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ “ኵሉ ሰናይን ጽድቅን” ከነፍሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:9) ሓደ ኻብቲ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ኪውሃበና ብምጽላይ እዩ። የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃ. 11:13) ብተወሳኺ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ብሓባር ክንውድሶ ኸለና፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። (ኤፌ. 5:19, 20) እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽንነብር ይሕግዘና እዩ። w24.03 23-24 ¶13-15
ቀዳም 18 ጥቅምቲ
ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።—ሉቃ. 11:9።
ዝያዳ ትዕግስቲ የድልየካ ድዩ፧ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ጸሊ። ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ፍረ መንፈስ ምእንቲ ኸነፍሪ እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። ንትዕግስትና ዚፍትን ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ዚሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ‘ብቐጻሊ ኽንልምን’ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) ንየሆዋ ኸኣ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወና፡ ሓገዙ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኢልና ድሕሪ ምጽላይና፡ ወትሩ ዕጉሳት ኴንና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ትዕግስቲ ምእንቲ ኺውሃበናን ብትዕግስቲ ንምምልላስን ብዝያዳ ብዝጸለና መጠን፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ልብና ብዝያዳ እያ ሱር እትሰድድ፡ ብዝያዳ እውን እያ ኽፋል ስብእናና እትኸውን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ኣብነታት ምስትንታን እውን ይሕግዘና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ዕጉሳት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ነቲ ዛንታኦም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ብኸመይ ትዕግስቲ ኸም እነርኢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። w23.08 22 ¶10-11
ሰንበት 19 ጥቅምቲ
ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ።—ሉቃ. 5:4።
የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ደገፍ የሆዋ ኣረጋገጸሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ብተኣምራዊ መገዲ ዓሳ ኸም ዚሕዙ ገበሮም። (ዮሃ. 21:4-6) እዚ ተኣምር እዚ ንጴጥሮስ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ስጋዊ ነገራት ብቐሊሉ ኼማልኣሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጹሉ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን ነቶም “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ” ዚድልዩ ዘበሉ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓላት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:33) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኡ ዘይኰነስ፡ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ሃበ። ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብትብዓት መስከረ፣ ንኣሽሓት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ሓገዞም። (ግብ. 2:14, 37-41) ድሕሪኡ ድማ፡ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዞም። (ግብ. 8:14-17፣ 10:44-48) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ንጴጥሮስ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ናብታ ጉባኤ ንምምጻእ ኣጸቢቑ ተጠቒሙሉ እዩ። w23.09 20 ¶1፣ 23 ¶11