ሰሉስ 15 ሓምለ
ኣባጊዐይ ጓሲ።—ዮሃ. 21:16።
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ ‘ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ’ ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:1-4) ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከም እተፍቅሮም፡ ክትጓስዮም እውን ከም እትደሊ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብስራሕ ኣመና ትሑዝ ካብ ምዃንካ እተላዕለ ወይ ኣመና ስለ ዝደኸምካ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኽትፍጽሞ ኣይትኽእልን ትኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ንየሆዋ ንገሮ። ጴጥሮስ፡ “ዜገልግል እንተ ዀይኑ እውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:11) ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪፍታሕ ዘይክእል ጸገማት የጋጥሞም ይህሉ ይኸውን። እቲ “ሓለቓ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ካባኻ ንላዕሊ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ዘክር። ሎምን ኣብ ሓዳስ ዓለምን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንኣሕዋቶም ኬፍቅርዎም፡ ንኣሕዋቶም ኪጓስይዎም፡ “ኣርኣያ እውን ኪዀንዎም” ጥራይ እዩ ዚደሊ። w23.09 29-30 ¶13-14
ረቡዕ 16 ሓምለ
የሆዋ፡ ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።—1 ቈረ. 3:20።
ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብኣረኣእያ ሰብ ንርኢ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋን ንመለክዒታቱን ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:19) “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” መብዛሕትኡ ግዜ ንስጋዊ ትምኒት ዚስሕብ እዩ። ኣብ ጴርጋሞስን ትያቲራን ዚነብሩ ገሊኦም ክርስያናት በቲ ኣብተን ከተማታት ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ተጸልዮም ነይሮም እዮም። እተን ጉባኤታት እቲአን ንምንዝርና ዕሽሽ ስለ ዝበላኦ ኸኣ፡ የሱስ ሓያል ምኽሪ ልኢኹለን እዩ። (ራእ. 2:14, 20) ሎሚ እውን ግጉይ ኣረኣእያታት ክንቅበል ጸቕጢ ይወርደና እዩ። ኣባላት ስድራ ቤትናን ፈለጥትናን ኬእምኑና ይጽዕሩ ይዀኑ፣ ካብ መትከልና ኽንለማለም እውን ይደፋፍኡና ይዀኑ። ንኣብነት፡ ትምኒትና እንተ ስዒብና ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ግዜ ዝሓለፎ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ዚህበና መምርሒ እኹል ከም ዘይኰነ ይስምዓና ይኸውን። ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ክንከይድ’ እውን ንፍተን ንኸውን።—1 ቈረ. 4:6። w23. 07 16 ¶10-11
ሓሙስ 17 ሓምለ
ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።—ምሳ. 17:17።
ማርያም ኣደ የሱስ ብርታዐ ኣድልይዋ ነበረ። ገና ኣይተመርዓወትን ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ክትጠንስ ምዃና ተነግራ። ቅድሚኡ ውሉድ ኣዕብያ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ምስ ዓበየ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ተኸናኺና ኸተዕብዮ ነበራ። ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ብምንባራ እውን፡ ነዚ ዅሉ ነቲ ሕጹያ ዝነበረ ዮሴፍ ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ተጸጊማ ኽትከውን ኣለዋ። (ሉቃ. 1:26-33) እሞ ደኣ ማርያም ብኸመይ እያ ብርታዐ ዝረኸበት፧ ካብ ካልኦት ሓገዝ ደለየት። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኺህባ ንገብርኤል ሓተተቶ። (ሉቃ. 1:34) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ንምብጻሕ ናብ “ከበሳ ይሁዳ” ከደት። ኤልሳቤጥ ንማርያም ነኣደታ፡ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይተወልደ ወዲ ማርያም ዜተባብዕ ትንቢት ተነበየት። (ሉቃ. 1:39-45) ድሕርዚ ማርያም፡ “[የሆዋ] ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ” በለት። (ሉቃ. 1:46-51) እወ፡ የሆዋ ብገብርኤልን ብኤልሳቤጥን ኣቢሉ ንማርያም ኣበርትዓ። w23.10 14-15 ¶10-12