ሕቶታት ኣንበብትና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይቕበሉ ድዮም፧
▪ የሱስ፡ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 9:12) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ሓገዝ ምርካብ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዘይጻረር ኣመልከተ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መድሃኒትን ሕክምናዊ ሓገዝን ይቕበሉ እዮም። ጽቡቕ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ኪህልዎም እውን ይደልዩ እዮም። አረ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽርሲ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያን ዝነበረ ሉቃስ፡ ሓካይም ኰይኖም ይዓይዩ እዮም።—ቈሎሴ 4:14።
ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዚጻረር ሕክምና ኣይቅበሉን እዮም። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብህይወት ንኽትቅጽል ኢልካ ደም ምውሳድ ስለ ዚኽልክል፡ ምምሕልላፍ ደም ኣይቅበሉን እዮም። (ዘፍጥረት 9:4፣ ዘሌዋውያን 17:1-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ቃል ኣምላኽ፡ “ዘይባህርያዊ ሓይሊ” ወይ ሓተታ መናፍስቲ ንዚጥቀም ዓይነት ሕክምና ይኽልክል እዩ።—ኢሳይያስ 1:13፡ NW፣ ገላትያ 5:19-21።
ብዙሓት ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጻረር ሕክምና ይህቡ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ኸምዚ ዓይነት ሕክምና ኻብቲ ንስርዓታት ኣምላኽ ዚጥሕስ ዓይነት ሕክምና ዝበለጸ ኪኸውን ከሎ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ይቕበልዎ እዮም።
ብዛዕባ ጥዕና እተፈላለየ ኣረኣእያታት እዩ ዘሎ። ንሓደ ሰብ ዚጠቕሞ ዓይነት ሕክምና፡ ንኻልኦት ከይጠቕሞም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብሰብ ሞያ ጽቡቕ መርመራን ሕክምናን ኪግበረሎም ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት፡ ንኻልእ ብዓል ሞያ ሕክምና ኼማኽሩ ይደልዩ ይዀኑ።—ምሳሌ 14:15።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕጊ ኽሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ኣብ መንጎ ሕልና ክርስትያናት ፍልልይ ኪህሉ፡ ቃል ኣምላኽ ይፈቅድ እዩ። (ሮሜ 14:2-4) ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንዝቐረበሉ ዓይነት ሕክምና መርሚሩ፡ ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኸም ዘይጋጮ ኼረጋግጽ ኣለዎ።—ገላትያ 6:5፣ እብራውያን 5:14።
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዚገብሮ ውሳነ፡ ሓደ መራሕ ማኪና ዋሕዚ ትራፊክ ናብ ዘለዎ መስቀላዊ መገዲ ኪቐርብ ከሎ ምስ ዚገብሮ ውሳነ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ መራሕ ማኪና ደድሕሪ እተን ቅድሚኡ ዘለዋ ማካይን እናሰዓበ ተሓምቢቡ ነቲ መስቀላዊ መገዲ ዚሰግሮ እንተ ዀይኑ፡ ከቢድ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ለባም መራሕ ማኪና፡ ቅድሚ ምስጋሩ፡ ፍጥነቱ ነክዩ፡ ነቲ ዋሕዚ ትራፊክ ይዕዘብ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሃዊኾም ሕክምናዊ ውሳነታት ኣይገብሩን እዮም፣ መብዛሕትኦም ሰባት ንዚስዕብዎ ኣረኣእያታት ከኣ ዓይኖም ዓሚቶም ኣይስዕቡን እዮም። የግዳስ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም፡ ንዘለዎም ኣማራጺታት ይግምግሙን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምርምሩን እዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰብ ሞያ ሕክምና ዚገብርዎ ጻዕርን ዘለዎም ተወፋይነትን የማስዉሉ እዮም። ነቲ እዞም ሰብ ሞያ እዚኣቶም፡ ሰባት ካብ ሕማሞም ንኺጥዕዩ ዚገብርዎ ጻዕሪ እውን የመስግኑሉ እዮም።