ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/10 ገጽ 11
  • ሕጻናት ኪጥመቑ ኣለዎምዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕጻናት ኪጥመቑ ኣለዎምዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/10 ገጽ 11

ሕቶታት ኣንበብትና

ሕጻናት ኪጥመቑ ኣለዎምዶ፧

▪ ቪክቶርያ፡ “እቲ ጆን ዝስሙ ንእሽቶ ሓወይ ኣብ ሊምቦa ዚኣቱ ስለ ዝመሰለኒ፡ ኣመና ፈራህኩ” በለት። ስለምንታይ እያ ፈሪሃ፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ጆን ከይተጠምቀ እዩ ሞይቱ። ሓደ ኻህን ካቶሊክ ከም ዝነገረኒ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ጆን ከይተጠምቀ ስለ ዝሞተ፡ ንዘለኣለም ኣብ ሊምቦ እዩ ዚነብር።” ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዜፍርህ እኳ እንተ ዀነ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከይተጠምቁ ዝሞቱ ሕጻናት ንዘለኣለም ብዘይ ተስፋ ከም ዚነብሩ ይምህር ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ይምህር እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ዚጥመቑ ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ዚዀኑ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብዛዕባ የሱስ እተማህሩን ንዕኡ ኺስዕብዎ ዝመረጹን ውልቀ ሰባት እዮም፣ ሓደ ሕጻን ከኣ ከምኡ ዓይነት ምርጫ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ንሕጻናት እውን ከም ዜጠቓልል ኣትሪሮም ይዛረቡ እዮም። ሓደ ሪኻርት ፒ. ቡኸር ዚበሃል ሉተራዊ ቐሺ፡ “ኵሉ ሰብ፡ እንተላይ ሕጻናት፡ ኪጥመቑ ኣለዎም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንሕጻናት ዘይምጥማቕ፡ ምሕረት ከም ዘይረኽቡን ከም ዚዅነኑን እዩ ዚገብሮም” በለ። ከም ሓቂ ግና፡ እዚ ርእይቶታት እዚ፡ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገዲ ምስ ትምህርትታት የሱስ ይጋጮ እዩ።

ቀዳማይ፡ የሱስ፡ ሕጻናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ኣይመሃረን። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መለክዒታት ኣምላኽ ይምህሮም ነበረ። ሓድሓደ ግዜ እውን፡ ነቲ ቐንዲ ትምህርትታት ይደግመሎም ነበረ። ስለምንታይ፧ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ነጥቢ ተረዲኦምዎ እንተ ዀይኖም ንምርግጋጽ እዩ ኸምኡ ዚገብር ነይሩ። (ማቴዎስ 24:42፣ 25:13፣ ማርቆስ 9:34-37፣ 10:35-45) ኰይኑ ግና፡ ሓንሳእ እውን ትኹን፡ ሕጻናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ኣይመሃረን። ስለ ዝረስዖ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሕጻናት ኪጥመቑ እንተ ዚግብኦም፡ የሱስ ብርግጽ ብዛዕባኡ ምተዛረበ ነይሩ።

ካልኣይ፡ የሱስ፡ ድሕሪ ሞት ዚሳቐ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘሎ ኣይመሃረን። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይኣምን ነበረ፣ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” እዩ ዚብል። (መክብብ 9:5) የሱስ፡ ምዉታት ኣብ ቦታ ንስሓ፡ ኣብ ሊምቦ፡ ኣብ ገሃነም እሳት፡ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ኸም ዘይጸንሑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ ልክዕ ከም ዝደቀሰ ሰብ ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ዝመሃረ።​—ዮሃንስ 11:1-14።

ሳልሳይ፡ የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ካብ ሞት ከም ዚትንስኡ እዩ ምሂሩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቶም ዘይተጠምቁ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዜጠቓልሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ካብ ሞት ምስ ተንስኡ፡ ብዛዕባ መለክዒታት ኣምላኽ ምእንቲ ኺመሃሩ፡ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም እዩ፣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።b​—መዝሙር 37:29።

ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጻናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ኣይምህርን እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብመሰረት ትምህርተ ሃይማኖት ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ሊምቦ፡ ነፍሳት ንጹሃት ሰባት ክሳዕ ብክርስቶስ ድሕነት ዚረኽባ ዚጸንሓሉን ከይተጠምቁ ዝሞቱ ሕጻናት ዚነብሩሉን ተባሂሉ ዚሕሰብ ቦታ እዩ።

b ብዛዕባ እታ ገነት እትኸውን ምድርን ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3ን 7ን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ