ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 3
    • ሓንቲ ጓል ትበኪ

      ገበር

      እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

      ‘ኣጆኺ ዛጓለይ፡ ኣይትብከዪ፡ ኣምላኽ ዚሕሸና ይፈልጥ እዩ።’

      እዘን ኣብ መእተዊ ዘለዋ ቓላት እዚአን፡ ንሓንቲ ቤቤ እትብሃል ሰበይቲ ኣብ ቀብሪ ኣቦኣ እተነግረኣ ቓላት እየን፣ ኣቦኣ ብሓደጋ ማኪና እዩ ሞይቱ።

      ቤቤ ምስ ኣቦኣ ብዙሕ እያ ትቀራረብ ነይራ። እዚ ፈታዊት እቲ ስድራ ዝዀነት ሰበይቲ ብጽቡቕ ድራኸ ተበጊሳ እተዛረብቶ ነገር ግና፡ ንቤቤ ኣብ ክንዲ ዜጸናንዓ ዝያዳ እዩ ጐዲእዋ። ቤቤ ደጋጊማ ብልባ፡ “ሞቱ ዘምጸኦ ዝሓሸ ነገር የልቦን” ትብል ነይራ። ድሕሪ ዓመታት እውን ካብ ሓዘና ኸም ዘይተጸናንዐት፡ ኣብቲ ሽዑ ብዛዕባ ሞት ኣቦኣ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ኪርኣ ይከኣል እዩ።

      ከምቲ ንቤቤ ዘጋጠማ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሓዘኑ፡ ብሕልፊ ኸኣ ካብ ሞት ዚፈትዎ ሰብ ኺጸናናዕ ነዊሕ እዋን ኪወስድሉ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሞት፡ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ” እዩ ዚብሎ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ከመይሲ፡ ሞት ሃንደበት ነቶም እንፈትዎም ሰባት ቦግ ኣቢሉ ወሲዱ፡ ንህይወትና ሕንፍሽፍሽ የእትወላ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅላትና ዜጋጥመና ነገር እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቲ ብሰንኪ ሞት ዚመጽእ ሓዘን ምኽኣሉ ዜጸግመና።

      ምናልባት ከምዚ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፦ ‘ካብ ሓዘን ንምጽንናዕ፡ ክንደይ ግዜ ይወስድ፧ ሓደ ሰብ ሓዘኑ ምእንቲ ኪኽእሎ እንታይ ይሕግዞ፧ ንዝሓዘኑ ሰባት ብኸመይ ከጸናንዖም እኽእል፧ ሞይቶም ዘለዉ እንፈትዎም ሰብና፡ ገለ ተስፋዶ ይህልዎም ይኸውን፧’

  • ምሕዛን ጌጋ ድዩ፧
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 3
    • ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

      ምሕዛን ጌጋ ድዩ፧

      ንቝሩብ ግዜዶ ሓሚምካ ትፈልጥ፧ ቀልጢፍካ ስለ ዝሓወኻ፡ ምናልባት ሓሚምካ ኸም ዝነበርካ እውን ረሲዕካዮ ትኸውን ኢኻ። ሓዘን ግና ካብዚ ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ዶክተር ኣለን ዉልፈልት ኣብታ ሂሊንግ ኤ ስፓውዝስ ግሪቪንግ ሃርት ዘርእስታ መጽሓፉ ዝበሎ፡ “‘ንሓዘን ምርሳዕ’ ዚብልዎ ነገር የልቦን። . . . ምስ ግዜን ብሓገዝ ካልኦትን ግና ሓዘንካ ይቐለልካ እዩ።”

      ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ ሰበይቱ ምስ ሞተቶ እንታይ ከም እተሰምዖ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብርሃም ድማ ንሳራ ሓዘነላን በኸየላን” ይብል። እቲ ኣብዚ ዘሎ ናይ እብራይስጢ ቓላት፡ ኣብርሃም ንነዊሕ እዋን ከም ዝሓዘነ እዩ ዜመልክት።a ካልእ ኣብነት ከኣ ያእቆብ እዩ፣ ንዕኡ ድማ ወዱ ዮሴፍ ብሕሱም ኣራዊት ተበሊዑ ኸም ዝሞተ ገይሮም ኣታለልዎ። ንሱ ድማ “ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ፡” ቤተ ሰቡ ኸኣ ኬጸናንዕዎ ኣይከኣሉን። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት እውን ያእቆብ ንሞት ዮሴፍ ኣይረሰዖን ነይሩ።—ዘፍጥረት 23:2፣ 37:34, 35፣ 42:36፣ 45:28።

      ኣብርሃም ኣብ ጥቓ ሬሳ ሳራ ዀይኑ ይበኪ

      ኣብርሃም፡ እታ ዝፈትዋ ሳራ ምስ ሞተት ሓዚኑ

      ሎሚ ዘለዉ፡ ብሞት ዚፈትውዎ ሰብ ዝሓዘኑ ሰባት እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለዎም። ነዚ ዚስዕብ ክልተ ኣብነታት እስከ ንርእ።

      • “ብዓል ቤተይ ሮበርት ኣብ 9 ሓምለ 2008 እዩ ሞይቱ። እታ ሓዳጋ ዘጋጠመላ ንግሆ ካብ ካልእ መዓልትታት እተፈልየት ኣይነበረትን። ድሕሪ ቝርሲ፡ ከምቲ ኵሉ ሳዕ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻዱ እንገብሮ ተሰዓዒምና፡ ተሓቛቝፍና፡ ‘እፈትውኪ እየ፡ እፈትወካ እየ’ ተባሃሂልና ኢና ተፈላሊና ኔርና። ሕጂ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እውን እቲ ሓዘን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ ዘሎ። ካብ ሞት ሮብ ፈጺመ ዝጸናናዕ ኣይመስለንን እዩ።”—ጓል 60 ዓመት ዝዀነት ገይል።

      • “እታ ፍትውቲ ብዓል ቤተይ ካብ እትፍለየኒ 18 ዓመት እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ እውን እናፍቓ እየ፣ ሓዘና ገና ኣይወጸለይን። ባህ ዜብል ተፈጥሮ ምስ ዝርኢ፡ ‘ነዚ እንተ እትርእዮስ ክንደይ ኰን ባህ ምበላ ነይሩ’ ኢለ ብዛዕባኣ እሓስብ።”—ወዲ 84 ዓመት ዝዀነ ኤትየን።

      ስለዚ እምበኣር፡ ዜሳቕን ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕን ሓዘን ኪስምዓና ባህርያዊ እዩ። ኵሉ ሰብ ዚሓዝነሉ መገዲ እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ካልእ ሰብ ንዚሓዝነሉ መገዲ ምንቃፍ ጌጋ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሓዘንና መጠኑ ዝሓለፈ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ንገዛእ ርእስና ኽንኵንና የብልናን። ሓዘንና ምእንቲ ኽንክእሎ ግና እንታይ ይሕግዘና፧

      a ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም እውን ንነዊሕ እዋን ሓዚኑ ነይሩ እዩ። ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ይስሃቅ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን ካብ ሓዘን ኣዲኡ ሳራ ኣይተጸናንዐን ነይሩ።—ዘፍጥረት 24:67።

  • ንሓዘንካ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ነገራት
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 3
    • ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

      ንሓዘንካ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ነገራት

      ንሓዘንካ ኽትክእሎ ብዛዕባ ዚሕግዘካ ነገራት ብዙሕ ምኽሪ ትርክብ ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ኵሉ ዚጠቅም እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ከይትበኪ ወይ ስምዒትካ ኸይትገልጽ ይመኽሩካ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ክትበክን ኵሉ ስምዒትካ ኽትገልጽን ይደፋፉኡኻ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሚዛናዊ ምኽሪ እዩ ዚህብ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ እውን ዚድግፎ እዩ።

      ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ እንተ በኽዩ፡ ሰብኣይ ከም ዘይኰነ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምንባዕ ዜሕፍር ድዩ፧ ክኢላታት ጥዕና ኣእምሮ፡ ኣብ ግዜ ሓዘን ምንባዕ ባህርያዊ ምዃኑ እዮም ዚዛረቡ። ምንባዕን ስምዒትካ ምግላጽን በብቝሩብ ንሓዝንካ ክትጻወሮ ይሕግዘካ እዩ። ንስሚዕትካ ምዕባጥ ግና ይጐድእ እምበር ኣይጠቅምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምብካይ ናይ ሰብኡት ከም ዘይኰነ ወይ ከኣ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣይምህርን እዩ። ንኣብነት፡ ንየሱስ እሞ ንርአ። የሱስ፡ እቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ ካብ ሞት ኬተንስኦ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እኳ እናፈለጠ፡ ብሞቱ ኣብ ቅድሚ ሰባት ነቢዑ እዩ።—ዮሃንስ 11:33-35።

      መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ሰብና፡ ብሕልፊ ኸኣ ሃንደበታዊ ሞት የሕርቐና እዩ። ንሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ ኬሕርቖ ዚእኽል ብዙሕ ነገራት ኣሎ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ኻብ ዜኽብሮም ሰባት ዚውሃቦ ሓልዮት ዘይብሉን መሰረት ዘይብሉን ርእይቶታት እዩ። ማይክ ዚብሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰብኣይ፡ “ኣቦይ ኪመውት ከሎ ወዲ 14 ዓመት እየ ነይረ። ኣብ ቀብሪ ኸለና ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን፡ ኣምላኽ ነቶም ጥዑያት ሰባት ስለ ዚደልዮም ቀልጢፉ ኸም ዚወስዶም ተዛረበ።a እዚ ንዓይ ብዙሕ እዩ ኣሕሪቑኒ፡ ምኽንያቱ ኣቦና ናይ ብሓቂ የድልየና ነይሩ እዩ። ሕጂ፡ ድሕሪ 63 ዓመት እውን እቲ ዘረባ እቲ ይጐድኣኒ እዩ” ይብል።

      ብዛዕባ ናይ ጸጸት ስምዒትኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ሃንደበታዊ ሞት ምስ ዜጋጥም እቲ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ፡ ‘ከምዚ እንተ ዝገብር ነይረ፡ እዚ ዀይኑ ዘሎ ኣይመጋጠመን ነይሩ’ ኢሉ ብተደጋጋሚ ይሓስብ ይኸውን እዩ። ምናልባት ድማ ኣብታ ምስቲ ዝሞተ ሰብ ንመወዳእታ እተራኸብካላ ግዜ፡ ምስቲ ሰብ ተቛይቝካ ኔርካ ትኸውን፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ጸጸት ስምዒት የጋድዶ እዩ።

      ምስ ከም ጸጸትን ሕርቃንን ዝኣመሰለ ስምዒታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ነዚ ስምዒታትካ ኣይትዕበጦ። የግዳስ፡ ጽን ኢሉ ሰሚዑ፡ ብዙሓት ሐዘን ዘጋጠሞም ሰባት ከምዚ ኸም ዚስምዖም ንዜረጋግጸልካ ፈታዊኻ ንገሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17።

      ኣብ ሓዘን ንዘሎ ሰብ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዓርኪ ኪዀኖ ዝኽእል ግና እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ንሱ፡ ‘ይሓልየልካ’ እዩ እሞ፡ ብጸሎት ኣቢልካ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኣፍስሰሉ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ከምኡ ዚገብሩ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዜጸናንዖም ቃል ኣትዩ እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ኣምላኽ በቲ ዜጸናንዕ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኺሕግዘካ እውን ፍቐደሉ። ዜጸናንዕ ጥቕስታት ጽሓፍ። (ነታ ኣብዚ ዘላ ሳጹን ርአ።) ምናልባት ንገሊአን ጥቕስታት ብቓልካ ኽትወጸን ትደሊ ትኸውን። ከምዚ ምግባርካ ምሸት ምሽት ጽምዋ ኺስምዓካን ድቃስ ኪኣብየካን ከሎ፡ ብዛዕባ እተን ጥቕስታት ምስትንታን ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን እዩ።—ኢሳይያስ 57:15።

      ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጃክ ኢልና እንጽውዖ፡ ወዲ 40 ዓመት ዝዀነ ሓደ ሰብኣይ፡ ዚፈትዋ ሰበይቱ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ሞተቶ። ጃክ ሓድሓደ ግዜ ብጽምዋ ኸም ዚብላዕ ይገልጽ። እንተዀነ ግና፡ ጸሎት ሓጊዝዎ እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብል፦ “ናብ የሆዋ ምስ ዝጽሊ፡ በይነይ ከም ዝዀንኩ ኣይስምዓንን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ እበራበር እሞ ተመሊሰ ኸኣ ክድቅስ ኣይክእልን እየ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ምስ ኣስተንተንኩሉን ብጸሎት ኣቢለ ናይ ልበይ ምስ ኣውጻእኩን ግና፡ እሃድእ፡ ሰላም እረክብ፡ ኣእምሮእይን ልበይን ይዓርፍ፡ ድቃስ ድማ ይወስደኒ።”

      ቫኔሳ እትብሃል ሓንቲ መንእሰይ፡ ኣዲኣ ሓሚማ እያ ሞይታታ። ቫኔሳ እውን ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብተመክሮ ኸም ዝረኣየት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋናት፡ ስም ኣምላኽ ጸዊዐ እበኪ ነይረ። የሆዋ ድማ ጸሎተይ ሰሚዑ ዜድልየኒ ሓይሊ ይህበኒ ነይሩ” ትብል።

      ገሊኦም ክኢላታት ኣማኸርቲ ሓዘንተኛታት፡ ዝሓዘኑ ሰባት ንኻልኦት ኪሕግዙ ወይ ድማ ኣብ እተወሰነ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኪሳተፉ ይመኽሩ እዮም። ከምዚ ምግባሮም ሓጐስ ኬምጽእሎምን ሓዘኖም ኬፍኵሰሎምን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብዙሓት ሓዘን ዘጋጠሞም ክርስትያናት ንኻልኦት ኪሕግዙ ምጽዓሮም ብዙሕ ኣጸናኒዕዎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

      a እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ዚመውት ብሰንኪ ሰለስተ ነገራት ምዃኑ እዩ ዚገልጽ።—መክብብ 9:11፣ ዮሃንስ 8:44፣ ሮሜ 5:12።

      ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

      • ኣምላኽ ኣብ ግዜ ሓዘንካ ይሓልየልካ እዩ። —መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:7።

      • ኣምላኽ ንጸሎት ኣገልገልቱ ብትዕግስቲ ይሰምዕ እዩ።—መዝሙር 86:5፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17።

      • ኣምላኽ ንዝሞቱ ይናፍቖም እዩ። —እዮብ 14:13-15።

      • ኣምላኽ ንዝሞቱ ኸም ዜተንስኦም ኣተስፍዩ እዩ። —ኢሳይያስ 26:19፣ ዮሃንስ 5:28, 29።

  • ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 3
    • ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

      ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ

      ኣቦን ወድን ኣብ ጥቓ መቓብር ደው ኢሎም

      ሓደ እትቀርቦ ፈታዊኻ፡ ብሰንኪ ሞት ዚፈትዎ ሰብ ኪሓዝን ድሕሪ ምርኣይካ፡ እንታይ ከም እትገብር ጠፊኡካዶ ይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ እንታይ ክንብል ወይ እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ስለ ዝጠፍኣና፡ ስቕ ንብል፡ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይንገብርን ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ክንገብሮ እንኽእል ሓጋዝን ግብራውን ነገራት ኣሎ።

      መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሓዘነ ሰብ ኴንካ ሓዘንካ ምግላጽካ ጥራይ፡ ነቲ ዝሓዘነ የጸናንዖ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት፡ ንዝሓዝነ ሰብ ሓቚፍካ ምጽንናዕ፡ ብዛዕባኡ ኸም እትግደስ እተርእየሉ ሓደ መገዲ እዩ። እቲ ዝሓዘነ ሰብ ኪዛረብ እንተ ደልዩ፡ ጽን ኢልካ ብድንጋጽ ስምዓዮ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሓገዝ ግና፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ምሕጋዙ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ምግቢ ምኽሻን፡ ቈልዑ ምእላይ፡ ወይ ድማ ንቐብሪ ኣብ ዚግበር መሰናድዎ ምሕጋዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ግብሪ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ እዩ።

      ድሕሪ ገለ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያት ወይ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ባህ ዜብል ኣጋጣሚታት ኣልዒልና ነዕልል ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ዕላል ነቲ ሰቡ ዝሞቶ ፍሽኽ የብሎ ይኸውን። ንኣብነት፡ ቅድሚ ሹድሽተ ዓመት ኢያን ዚብሃል ብዓል ቤታ ዝሞታ ፓም እትብሃል ሰበይቲ፡ “ሓድሓደ ግዜ ሰባት፡ ብዛዕባ ኢያን ዝገበሮ፡ ኣነ ግና ዘይፈልጦ ጽቡቕ ነገራት ምስ ዚነግሩኒ፡ ባህ እዩ ዚብለኒ” ኢላ እያ።

      ከምቲ ገሊኡ መጽናዕቲ ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሓዘን ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ፈለማ ብዙሕ ደገፍ ይረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ፈተውቶም ናብ መዓልታዊ ናብራኦም ምስ ተመልሱ ግና፡ ተረሲዖም ይተርፉ እዮም። ስለዚ፡ በብግዜኡ ደሃይ እቲ ዝሓዘነ ሰብ ምግባር ኣይትረስዕ።a በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ዝሓዘኑ ሰባት ብዛዕባ እቲ ነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ሓዘኖም ንምዝራብ ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም፣ ነዚ ኸኣ ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ።

      ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣዲኣን ምዕባይ ሓብታን ብዛዕባ ዝሞታኣ ሓንቲ ካኦሪ ዝስማ ጃፓናዊት መንእሰይ ንርአ። ካኦሪ ኻብ እሙናት ፈተውታ ብቐጻሊ ሓገዝ ረኺባ እያ። ሓንቲ ሪትሱኮ እትብሃል ዓባይ ሰበይቲ ኸኣ፡ ንካኦሪ ናይ ቀረባ ፈታዊታ ኽትከውን ከም እትደሊ ነገረታ። ካኦሪ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፦ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ፈለማ ባህ ኣይበለንን ነይሩ። ከመይሲ፡ ዋላ ሓደ ሰብ መተካእታ ኣደይ ኪኸውን ኣይደልን እየ ነይረ፡ ኪኸውን ዚኽእል እውን ኣይመስለንን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ማማ ሪትሱኮ ንዓይ ዝሓዘትሉ መገዲ፡ ከም ዝቐርባ ገይሩኒ እዩ። ሰሙን ሰሙን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብሓንሳእ ንካፈል፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከኣ ብሓደ ንኸይድ ኔርና። ኣብ ቤታ ሻሂ ተፍልሓለይ፡ ምግቢ ተምጽኣለይ፡ ደብዳበታትን ካርድታትን እውን ትጽሕፈለይ ነይራ። እቲ ማማ ሪትሱኮ ዝነበራ ኣወንታዊ ኣረኣእያ፡ ኣባይ ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ።”

      ኣደ ካኦሪ ኻብ ትመውት 12 ዓመት ኰይኑ እዩ፣ ሕጂ ካኦሪን ብዓል ቤታን ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። ካኦሪ፡ “ማማ ሪትሱኮ ሎሚ እውን ብዛዕባይ ትግደስ እያ። ኣነ ድማ ናብቲ ዝዓበኹሉ ቦታ ክኸይድ ከለኹ፡ ንማማ ሪትሱኮ እበጽሓን ምስኣ ሃናጺ ግዜ አሕልፍን እየ” ትብል።

      ካልእ ኣብነት ድማ ንርአ። ፖሊ ኣብ ቆጵሮስ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር እያ፣ ካብቲ እተገብረላ ቐጻሊ ደገፍ ድማ ተጠቒማ እያ። ንፖሊ ብዓል ቤታ ዝነበረ ሶዞስ፡ ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ቤቱ ዜአንግድን ንኻልኦት ኣብነት ዚኸውንን ለዋህ ክርስትያን ጓሳ እዩ ነይሩ። (ያእቆብ 1:27) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብ 53 ዓመት ዕድሚኡ ብሰንኪ ኣብ ሓንጎሉ ዝወጸ ጥረ ሞይቱ። ፖሊ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ምሳይ 33 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝገበረ እሙን ብዓል ቤተይ ሞይቱኒ” ትብል።

      ሰብ ሓዳር ንኣቦን ወድን ምግቢ የምጽኡሎም

      ንዝሓዘኑ ኸተጸናንዓሉ እትኽእል ግብራዊ መገድታት ኣናዲ

      ድሕሪ ቐብሪ ብዓል ቤታ፡ ፖሊን ወዲ 15 ዓመት ዝዀነ ዳንየል ዝስሙ ዝነኣሰ ወዳን፡ ናብ ካናዳ ገዓዙ። ኣብኡ ድማ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከቡ ጀመሩ። ፖሊ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘጋጠማ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ኣብታ ሓዳስ ጉባኤና ዝረኸብናዮም ፈተውትና፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽናን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ኣጸጋሚ ዅነታትን ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ቀሪቦምናን ብልኡም ቃላት ኣጽናኒዖምናን ሓጊዞምናን እዮም። እዚ ድማ ወደይ ንኣቦኡ ኣብ ዚደልየሉ እዋን ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ጠቒሙና። ኣብታ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰባት፡ ንዳንየል ፍሉይ ቈላሕታ ገይሮምሉ እዮም። ሓደ ኻባታቶም፡ ምስ ፈተውቱ ኪትኣኻኸብን ኵዕሶ ኺጻወትን ከሎ ንዳንየል ይዕድሞ ነይሩ እዩ።” ሎሚ፡ ክልቲኦም ኣደን ወድን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣለዉ።

      ስለዚ እምበኣር፡ ንዝሓዘኑ ኽንሕግዞምን ከነጸናንዖምን እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ መጻኢ ዜጽናንዕ ተስፋ ሒዙ ኣሎ።

      a ገሊኦም፡ ነቲ ዝሓዘነ ሰብ ዝያዳ መጸናንዒ ኣብ ዜድልዮ እዋን፡ ማለት ኣብ ከባቢ ዕለተ ሞት ቤተ ሰቡ ምእንቲ ኼጸናንዕዎ፡ ነታ ዕለት ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ይምዝግብዋ እዮም።

  • ምዉታት ኪትንስኡ እዮም!
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 3
    • ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

      ምዉታት ኪትንስኡ እዮም!

      እታ ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ገይል፡ ካብ ሞት ብዓል ቤታ ሮብ፡ ፈጺማ እትጸናናዕ ከም ዘይመሰላ ትዝክር ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ገይል ንብዓል ቤታ፡ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክትረኽቦ ሃንቀው ኢላ እያ እትጽበ። ንሳ፡ “ራእይ 21:3, 4 ኣዝየ ዝፈትዋ ጥቕሲ እያ” ትብል። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ዝስዕብ እያ እትብል፦ “ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

      ገይል፡ “እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዜጸናንዕ ተስፋ እዩ። እቶም ብዛዕባ እቲ ሞይቶም ዘለዉ ሰቦም ከም ዚትንስኡ ዚገልጽ ተስፋ ዘይፈልጡ ሓዘን ዘጋጠሞም ሰባት፡ ከብደይ እዮም ዚበልዑኒ” ትብል። ገይል፡ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና ብወለንታ ብምዕያይ፡ ነዚ ተስፋ ኸም እትኣምነሉ ተርኢ እያ፣ ብዛዕባ እቲ “ሞት ኣይኪኸውንን” እተባህለሉ ኣምላኽ ዘተስፈዎ መጻኢ ድማ ንሰባት ትነግሮም እያ።

      እዮብ ኣብ ሰብነቱ ምጕልንጭዋ ወጺእዎ

      እዮብ፡ ትንሳኤ ከም ዚረክብ እምንቶ ነይርዎ

      ምናልባት፡ ‘እዚ ፈጺምካ ዘይመስል እዩ!’ ትብል ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ንእዮብ እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዮብ ከቢድ ሕማም እዩ ሓሚሙ ነይሩ። (እዮብ 2:7) ዋላ እኳ ኺመውት ተመንዩ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኻብ ሞት ኬተንስኦ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እምነት ነይርዎ እዩ። ብምትእምማን ድማ፡ “ኣየ፡ ኣብ መቓብር እንተ ትሓብኣኒ፡ . . . ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ። ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ” ኢሉ እዩ። (እዮብ 14:13, 15) እዮብ፡ ኣምላኽ ከም ዚናፍቖን ኬተንስኦ ሃረር ከም ዚብልን እምንቶ ነይርዎ እዩ።

      ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ምድሪ ገነት ምስ ኰነት፡ ኣምላኽ ንእዮብን ማእለያ ንዘይብሎም ሰባትን ኬተንስኦም እዩ። (ሉቃስ 23:42, 43) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ የረጋግጽ እዩ። የሱስ እውን፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ፡ . . . ኺወጹ እዮም” ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዮብ እዚ ተስፋ እዚ ኺፍጸም ከሎ ኺርኢ እዩ። ናብ “መዓልትታት ንእስነቱ” ኺምለስን ስጋኡ ‘ኻብ ናይ መንእሰይ ዚልምልም’ ኪኸውንን እዩ። (እዮብ 33:24, 25) ኵሎም እቶም ኣብቲ ኣምላኽ ብምሕረቱ ዘዳለዎ ምድራዊ ተስፋ ትንሳኤ ዚኣምኑ እውን ናብ ንእስነቶም ኪምለሱ እዮም።

      እትፈትዎ ሰብካ ዝሞተካ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብዚ ዓንቀጻት እተጠቕሰ ሓበሬታ፡ ንሓዘንካ ምሉእ ብምሉእ ኣየጥፍኦን ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምስ እተስተንትን ግና፡ ናይ ሓቂ ተስፋን ብርታዐን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ተሰሎንቄ 4:13።

      ንሓዘንካ ኽትክእሎ ብዛዕባ ዚሕግዛካ ነገራት ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ “ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ሕቶታት ኣሎካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታታ እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ክትርኢ ነተባብዓካ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ