መዝሙር 49
ልቢ የሆዋ ነሐጕስ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ቃልና’ዩ ምምላእ ፍቓድካ፣
ብጥበብ ምዕማም ዕዮኻ።
ሽዑ’ና ነሐጕሰካ፡
ባህ ’ነብሎ ንልብኻ።
2. እቲ ባርያኻ መጋቢ፡
ይእውጅ ኣሎ ንህዝቢ፣
ኣብ እዋኑ’ውን ይምግብ፡
ከነገልግል ምኽሪ ይህብ።
3. ንጡፍ ሓይልኻ ሃበና፣
ክንሕዝ ናይ እምነት ጐደና።
ኣብ ኵሉ ኽንውድሰካ፡
ወትሩ ኸነሐጕሰካ።
(ማቴ. 24:45-47፣ ሉቃ. 11:13፣ 22:42 እውን ርአ።)