“ንዓ ስዓበኒ”
1. ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንኽንስዕብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኽንረክብ እንኽእል እንታይ ምስ እንገብር እዩ፧
1 እተን ብዛዕባ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት ዚገልጻ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ንወዲ ኣምላኽ ዚምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ሒዘን ኣለዋ። ክርስትያናት ከኣ ‘ኣስኣሰሩ እንስዕብ’ ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና ምትብባዕ ኪህበና ዚኽእል ህይወት የሱስ ፍሉይ ቆላሕታ ሂብና ምምርማርና ጠቓሚ እዩ።—1 ጴጥ. 2:21፣ ማር. 10:21።
2. ትዕግስቲ ብምርኣይ ዝመጸ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
2 የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፦ ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከለኻ፡ ኣሉታዊ ዝዀነ ምላሽ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ፡ እቲ የሱስ፡ “ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዝሓዞ ትርጕም ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:20) ሓቂ እዩ፡ ኵሉ ዓይነት ኣሉታዊ ምላሽ፡ መስጐግቲ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ንየሱስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተነቢሩ ዝነበረ ሓጐስ ንዅሉ ዓይነት ፈተናታት ኪጻወር ኣኽኢልዎ እዩ። ንሕና እውን ስምረት የሆዋን ዓስቢ ተኣማንነትናን ኣብ ምርካብ ከነተኩር ንኽእል ኢና። ከምዚ ምግባር፡ ‘ከይንደክምን ነፍሳትና ኸይሕለላን’ ይሕግዘና። (እብ. 12:2, 3፣ ምሳ. 27:11) ኣብ ኣገልግሎትና ኽንጸንዕ ከለና፡ ደገፍ የሱስ ክርስቶስ ከም ዘይፍለየና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 28:20።
3. ነቲ የሱስ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 “ስለዚ እየ እተለአኽኩ”፦ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወት የሱስ ቀዳማይ ቦታ ነበሮ። (ሉቃ. 4:43) የሱስ፡ ርእሱ ንኣገልግሎት ብልግሲ ወፍዩ ነበረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣገልግሎት ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዚግብኦ ገይሩ ይርእዮን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንምዝራብ ወትሩ ኣጋጣሚታት የናድን ነይሩ እዩ። ንሕናኸ ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና፡ ነቲ ብስራት ከነካፍሎም እንኽእል ሰባት ንረክብ ዲና፧ ፍቕሪ ክርስቶስ፡ እቲ ብስራት ብእተኻእለ መጠን ብሰፊሑ ንኽንዝርግሖ ኽትድርኸና ኣለዋ።—2 ቈረ. 5:14።
4. ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧
4 “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን”፦ የሱስ ንሰማዕቱ ብዜደንቕ መገዲ ይምህር ነበረ። (ዮሃ. 7:46፣ ማቴ. 7:28, 29) ካብ ካልኦት መምህራን ዚፈልዮ እንታይ እዩ፧ ነቲ ዚምህሮ ሓቅን ነቶም ዚምህሮም ሰባትን የፍቅር፡ እተፈላለየ ሜላ ኣመሃህራ ኸኣ ይጥቀም ነበረ። ነቲ ዓብዪ መምህር ብምቕዳሕ፡ ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 6:40።
5. ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን፡ ሸቶና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧
5 ካብቲ የሱስ ካብ ዘሕለፎ ህይወት ክንመሃሮ እንኽእል ክቡር ነገራት፡ እተወሰነ ጥራይ ኢና ርኢና። እንታይ ካልእ ጠቓሚ ነገራትከ ክንረክብ ንኽእል፧ ንህይወት የሱስ ክትምርምር ከለኻ፡ ነቲ ብቓሉ ዀነ ብተግባሩ ዝሓደጎ ኣብነት ብምቕዳሕ፡ ‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጣ’ ሸቶ ይሃሉኻ።—ኤፌ. 3:19።