ምዕራፍ ሰለስተ
“እዚ ቓል እዚ ንገሮም”
1. (ሀ) የሱስን ኤርምያስን ብኸመይ ይመሳሰሉ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎትና ንኤርምያስ ክንመስሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እንሰብከሉ እዋን፡ ቀንዲ ኣርኣያ ዚዀነና የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንእተወሰነ ግዜ ንየሱስ እተዓዘብዎ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ግን፡ ብዛዕባ ነብዪ ኤርምያስ ምሕሳቦም፡ ኣቓልቦና ዚስሕብ ነገር እዩ። (ማቴ. 16:13, 14) ኤርምያስ እውን ከም የሱስ፡ ንኺሰብኽ ትእዛዝ እተዋህቦ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ . . . ይብል አሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም” ተባሂሉ ተነግሮ። (ኤር. 13:12, 13፣ ዮሃ. 12:49) ኤርምያስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ከም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣርእዩ እዩ።
2. ሎሚ ዘለዉ ሰባት ኪገብርዎ ዜድልዮም ነገራት፡ ምስቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ኪገብርዎ ዜድልዮም ዝነበረ ነገራት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
2 ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን፡ ‘ስብከትና ኻብ ናይ ኤርምያስ እተፈልየ እዩ። ንሱ ናብቶም ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ እዩ ኣፈኛ ዀይኑ ተላኢኹ፣ መብዛሕትኦም እቶም ንሕና እንሰብከሎም ሰባት ግን ንየሆዋ ኣይፈልጥዎን እዮም’ ይብሉ ይዀኑ። እዚ ዚከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ብግዜ ኤርምያስ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ‘ዓያሱ’ እዮም ነይሮም፣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ሓዲጎምዎ እዮም ነይሮም። (ኤርምያስ 5:20-22 ኣንብብ።) ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ንኼምልኽዎ፡ ለውጢ ኺገብሩ የድልዮም ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኢና ዚብሉ ዀነ ኻልኦት ሰባት እውን፡ ፍርሃት የሆዋ ኺመሃሩን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስዕቡን የድልዮም እዩ። ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እነገልግሎን ንሰባት ብኸመይ ከም እንሕግዞምን እስከ ንርአ።
‘የሆዋ ኣፈይ ተንከየ’
3. ኤርምያስ ዕዮኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣምላኽ እንታይ ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ነገር እዩ ገይሩሉ፧ እቲ ነብዪከ ኸመይ ተሰምዖ፧
3 ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ኼገልግል ቅድሚ ምጅማሩ፡ “ናብ ዝልእከካ ዅሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዅሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም” ዚብል ቃል ካብ የሆዋ ኸም ዝመጾ ትዝክሮ ትኸውን። (ኤር. 1:7, 8) ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስጕምቲ ወሰደ። ኤርምያስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ፡ ርኤ፡ ሎሚ . . . ኣቝመካ እየ፡ በለኒ” በለ። (ኤር. 1:9, 10) ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ኤርምያስ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ወኪሉ ኸም ዚዛረብ ፈለጠ።a ብሓገዝ ኣምላኽ ከኣ፡ ንቕዱስ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ዓበየ።—ኢሳ. 6:5-8።
4. ኣብ ስብከት ሓለፍ ዝበለት ቅንኣት ብምርኣይ ዝመጸ፡ እንታይ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧
4 ሎሚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ቓል ብቓሉ ኣካላቶም ኣይትንክዮምን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ ነቲ ብስራት ንኺሰብኩ ሓያል ባህጊ የሕድረሎም እዩ። መብዛሕትኦም ብቕንኣት ይቃጸሉ እዮም። ንኣብነት፡ ነታ ኣብ ስጳኛ እትነብር ማሩኻ እስከ ንውሰድ። ኣእዳዋን ኣእጋራን ካብ ዚለምስ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ገይሩ እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ስለ ዜጸግማ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንጥፍቲ እትዀነሉ ኻልእ መገድታት ረኺባ እያ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እትገብረሉ መገዲ፡ ደብዳበታት ብምጽሓፍ እዩ። ማሩኻ ነቲ ኽትብሎ ዝደለየት ነገር ንጓላ እናነገረት እያ ተጽሕፋ። ማሩኻን “ጸሓፊታን” ንሓደ ወርሒ ኣብ ዝገበራኦ ወፈራ፡ ልዕሊ 150 ደብዳበታት ጸሓፋ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጶስጣ ኸኣ፡ ምስ ደብዳበአን ኣተሓሒዘን ሓሓንቲ ትራክት ለኣኻ። በዚ ጻዕርታተን ድማ፡ እቲ ብስራት ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ እታ ጥቓአን እትርከብ ቍሸት በጽሐ። ማሩኻ ንጓላ፡ “ሓንቲ ኻብ ደብዳበታትና፡ ቅኑዕ ልቢ ናብ ዘለዎ ሰብ እንተ በጺሓ፡ የሆዋ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኺባርኸና እዩ” በለታ። ሓደ ኣብ ጉባኤአን ዜገልግል ሽማግለ፡ “ከም ማሩኻ ዝኣመሰላ ብሓቂ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ንኻልኦት ዚምህራ ኣሓት ብምርካብና፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ” በለ።
5. (ሀ) ኤርምያስ፡ ዘይተገዳስነት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ቅንኣቱ ሒዙ ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንስብከት እቲ ብስራት ዘሎካ ቕንኣት ሒዝካ ኽትቅጽል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
5 ብግዜ ኤርምያስ፡ መብዛሕትኦም ተቐማጦ የሩሳሌም፡ ኣምላኽ ዚገልጾ ሓቂ “ባህ ኣየብሎምን” እዩ ነይሩ። እሞኸ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ መልእኽቲ ዘይግደሱ ብምንባሮም፡ እቲ ነብዪ ምስባኽ ደው ኣቢሉዶ፧ ኣይፋሉን! ኤርምያስ፡ “ብቝጥዓ እግዚኣብሄር መሊኤ አሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከአለንን” በለ። (ኤር. 6:10, 11) ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኸም ናቱ ዝኣመሰለ ቕንኣት ሒዝካ ኽትቅጽል ትኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ተወካሊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኴንካ ምቕራብ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብሪ ምዃኑ ብምስትንታን እዩ። ኣብዛ ዓለም ምርኡያት ዝዀኑ ሰባት፡ ንስም እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝነቐፍዎ ትፈልጥ ኢኻ። ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኻህናት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ኣብ ክልኻ ዚርከቡ ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዜታልልዎም እውን ሕሰብ። (ኤርምያስ 2:8, 26, 27 ኣንብብ።) ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ንስኻ እትሰብኮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሞገሱ ዜርእየሉ መገዲ እዩ። (ድጕ. 3:31, 32) እወ፡ ብዛዕባ እዚ ሓቅታት እዚ ምስትንታንካ፡ ብስራት ንምንጋርን ኣባጊዕ መሰል ንዝዀኑ ሰባት ንምሕጋዝን ዘሎካ ቕንኣት ሒዝካ ንኽትቅጽል ይሕግዘካ እዩ።
6. ኤርምያስ እንታይ ከቢድ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞ ነይሩ፧
6 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅንኣትካ ሒዝካ ምቕጻል፡ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ኤርምያስ እውን ንየሆዋ ኼገልግሎ ኸሎ፡ ካብ ናይ ሓሶት ነብያት ኰነ ኻብ ካልእ፡ ከቢድ ብድሆታት የጋጥሞ ነይሩ እዩ። ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 28 ዚርከብ ብዛዕባ ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብድሆ ዚገልጽ ጸብጻብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ ንመልእኽቱ ኣይሰምዕዎን እዮም ነይሮም፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። (ኤር. 6:16, 17፣ 15:17) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ፡ ንህይወቱ ዜስግኡ ጸላእቲ እውን የጋጥምዎ ነበሩ።—ኤር. 26:11።
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ከለኻ ዜጋጥመካ ብድሆታት ንኽትሰግር፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ኽትተኣማመን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
‘ዎ የሆዋ፡ ጠቢርካኒ’
7, 8. ኣምላኽ ንኤርምያስ ብኸመይ ዝበለ ጠቓሚ መገዲ እዩ ‘ዝጠበሮ’፧
7 ኣብ ሓደ እዋን፡ ኤርምያስ መዓልታዊ ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ምስ ኰነ፡ ስምዒቱ ንኣምላኽ ገለጸ። የሆዋ፡ ከምቲ ኣብ ኤርምያስ 20:7, 8 ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ እሙን ነብዪኡ ‘ጠቢርዎ’ ኽትብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—ኣንብብ።
8 የሆዋ ብገለ ተንኰል ገይሩ ንኤርምያስ ኣየታለሎን ወይ ኣየደናገሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኣወንታውን ብጠቓምን መገዲ እዩ ‘ጠቢርዎ።’ ኤርምያስ ኣመና ብርቱዕ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞ፡ ብርእሱ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ኪፍጽም ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዖ። ብሓገዝን ደገፍን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ግን፡ ነቲ መዝነቱ ፈጺምዎ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ኻብ ኤርምያስን ካብቲ ሰብኣዊ ዝንባለታቱን ኣጸቢቑ ስለ ዝሓየለ፡ ሓይልዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዓቕሙ ኸም እተጸንቀቐን ድሕሪኡ ኪቕጽል ከም ዘይክእልን ኰይኑ ምስ ተሰምዖ፡ የሆዋ ብሓይሉ ተጠቒሙ ስለ ዘእመኖ፡ ጠቢርዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ኣምላኽ ካብ ድኽመት እቲ ነብዪ ዚሕይል ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኤርምያስ፡ ዘይተገዳስነትን ተቓውሞን ዓመጻን እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ስብከቱ ኪቕጽል ክኢሉ እዩ።
9. ኣብ ኤርምያስ 20:11 ዚርከብ ቃላት ኬተባብዓካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
9 የሆዋ ኸም “ሓያል ጅግና” ዀይኑ ኣብ ጐድኒ ኤርምያስ ስለ ዝነበረ፡ ይድግፎ እዩ ነይሩ። (ኤር. 20:11) ንዓኻ እውን ከበድቲ ጸገማት እናኣጓነፈካ ኽነሱ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎካ ቕንኣት ምእንቲ ኽትቅጽል፡ ኣምላኽ ኬበርትዓካ ይኽእል እዩ።
10. ምጽራር ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ ምጽራር ንዘጋጠሞም ክርስትያናት ኬተባብዖም ከሎ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ . . . ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።” (ፊል. 1:27, 28) ከምቲ ኤርምያስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ዝገበርዎ፡ ንስኻ እውን ኣገልግሎትካ ኽትፍጽም ከለኻ፡ ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክትጽጋዕ ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ ኽትገብር እውን ኣሎካ። ካብ ገሊኦም ሰባት ባጫ ወይ መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ኣብ ጐድንኻ ምዃኑን ሓይሊ ኺህበካ ኸም ዚኽእልን ኣይትረስዕ። ንኤርምያስ ኰነ ንብዙሓት ኣሕዋትካ ኸምኡ ገይሩሎም እዩ፣ ንዓኻ እውን ከምኡ ኺገብረልካ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ኪህበካ ለምኖ፡ ንጸሎትካ ኸም ዚምልሰልካ ድማ ተኣማመን። ዜጋጥመካ ዕንቅፋታት ብፍርሂ ዘይኰነስ ብትብዓት ንኽትሰግሮ ዜኽእለካ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ ምስ ተቐበልካ፡ ንስኻ እውን ከም ‘እተጠበርካ’ ኺርድኣካ እዩ። እወ፡ ካብቲ እትሓስቦ ዝነበርካ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ክትገብር ትኽእል ትኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 4:29-31 ኣንብብ።
11, 12. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትካ ንዝያዳ ሰባት ንኸተዘራርብ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ገጽ 39 ዘሎ ስእሊ፡ እንታይ ኣብ ከባቢኻ ኽትዓየሉ እትኽእል ነገር ረኺብካ፧
11 ብዛዕባ ኣገልግሎት ኤርምያስ እነንብቦ ነገራት፡ ብእተፈላለየ መገዲ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ንልዕሊ 20 ዓመት ነብዪ የሆዋ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ “ኣነውን ነገርኩኹም፡ ኣንገንጊሄ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን” ኪብል ከኣለ። (ኤር. 25:3) እወ፡ ኣምስዩ ዘይኰነስ፡ ኣንጊሁ እዩ ዚነግሮም ነይሩ። ካብ ኣብነቱ ሓደ ግብራዊ ነገር ክንመሃር ንኽእልዶ፧ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት፡ ንሰባት ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡሳትን መደበራት ባቡርን ንኼዘራርቡ ኢሎም ኣንጊሆም ዚትንስኡ ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ኣብ ገጠራት ድማ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጊሆም ብምትንሳእ፡ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዚዓዩ ሓረስቶትን ካልኦት ሰባትን ይሰብኩሎም እዮም። ንስኻኸ ነዚ ኻብ ኣገልግሎት ኤርምያስ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኸተውዕለሉ እትኽእል ካልእ መገድታት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ሰዓትካ ኣኽቢርካ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምብጻሕ፡ ኣንጊህካ ኽትትንስእ ትኽእልዶ፧
12 ድሕሪ ቐትርን ኣጋ ምሸትን ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እውን፡ ኣብ ሓያሎ ኸባቢታት ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ እሞ ኸኣ ኣጸቢቑ ምስ መሰየ፡ ኣብቲ ን24 ሰዓት ዚኽፈት መዐደል ነዳድን ኣብያተ-ምግብን ካልእ ቦታታት ንግድን ንዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰቢኾምሎም እዮም። ንሰባት ኣብ ቤቶም ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ክትረኽቦም ኣብ እትኽእለሉ ሰዓታት ንምስባኽ፡ መደባትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧
መልእኽቲ የሆዋ ኽትእውጅ ከለኻ፡ ንሱ ኸም ዚድግፈካ እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧
13, 14. (ሀ) ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ ምግባር ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ (ለ) ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዛዕባ ምግባር ቃልካ ኽትሕሉ ኸም ዜድሊ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧
13 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ንኤርምያስ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ኣፍ ደገ የሩሳሌም ደው ኢሉ ትንቢታዊ መልእኽቲ ኺነግር ኣዘዞ። (ኤር. 7:2፣ 17:19, 20) ኤርምያስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ነቲ መልእኽቲ ብምዝራቡ፡ ንብዙሓት ሰባት ቃል የሆዋ ኼብጽሓሎም ከኣለ። ከም ዓበይቲ እታ ኸተማን ነጋዶን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ሰባት ኣዘውቲሮም ነቲ ኣፍ ደገ ስለ ዚጥቀሙሉ፡ ንገሊኦም ሰባት ነቲ ኣቐዲሞም ዝሰምዕዎ ነገር ንኺርድእዎ ንምሕጋዝ ደጋጊሙ ተዛሪብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ተግባር እዚ፡ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዛዕባ ምግባር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
14 ኤርምያስ፡ እቲ ኸም ነብዪ ኣምላኽ ኰይኑ ዚዓዮ ዝነበረ ዕዮ ንህይወት ሰባት ኬድሕን ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ነቶም ሰባት ንኺዛረቦም ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ ኺፍጽም ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን፡ ንባሩኽ ዓርኩ ናብቲ ቦታ ለኣኾ። (ኤርምያስ 36:5-8 ኣንብብ።) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንኤርምያስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ንሓደ ብዓል ቤት ክንምለስ ምዃንና ምስ ነገርናዮ፡ ቃልና ንሕሉ ዲና፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዝሓዝናዮ ቘጸራ ኽንሕሉ እንተ ዘይክኢልና፡ ዚትክኣና ሰብ ነዳሉ ዲና፧ የሱስ፡ “ነገርኩምሲ፤ እወ፡ እወ . . . ይኹን” በለ። (ማቴ. 5:37) ነቲ ኣምላኽ ሓቅን ስርዓትን ወኪልና ስለ እንቐርብ፡ ቃልና ኽንሕሉ ኣሎና።—1 ቈረ. 14:33, 40።
ንዝያዳ ሰባት ክትምስክር ምእንቲ ኽትክእል፡ መደባትካን እትሰብከሉ ሜላታትን ኣተዓራሪኻዶ፧
15, 16. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ኣገልግሎቶም ብምስፋሕ፡ ኣብነት ኤርምያስ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ገጽ 40 ተሳኢሉ ዘሎ፡ ኣብ ቺለ እተረኽበ ተመክሮ፡ እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ክኢልካ፧
15 ኤርምያስ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ናብ ዓዶም ከም ዚመልሶም እተዛረቦ “ጽቡቕ ቃል” እትገልጽ ደብዳበ ብምጽሓፍ ኣተባብዖም። (ኤር. 29:1-4, 10) ሎሚ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚገብሮ ተግባራት ዚገልጽ “ጽቡቕ ቃል፡” ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ኣቢልካ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺዝርጋሕ ይከኣል እዩ። ነቶም ብቐሊሉ ኽትበጽሖም ዘይትኽእል፡ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከቡ ኣዝማድካ ወይ ካልኦት ንምሕጋዝ፡ ነዚ ሜላታት እዚ ኽትጥቀም ትኽእልዶ፧
16 ሎሚ ዘለዉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኤርምያስ ኣገልግሎቱ ብእተማልአ መገዲ ብምፍጻም ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ብዙሕ ግዜ ኣወንታዊ ፍረ ይረኽቡ እዮም። ሓንቲ ኣብ ቺለ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንሓንቲ ኻብ መደበር ባቡር እትወጽእ ዝነበረት ሰበይቲ ቐሪባ ኣዘራረበታ። እታ ሰበይቲ ተሓጒሳ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰምዐት፡ ኣብ ቤታ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ክትገብር ድማ ተሰማምዐት። እንተዀነ ግን፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንኣድራሻ እታ ሰበይቲ ኣይጸሓፈቶን። ነቲ እታ ሰበይቲ ንሓቂ ዘለዋ ተገዳስነት ንኸተማዕብል ምሕጋዛ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለት ግን፡ ሓገዝ ደልያ ናብ የሆዋ ጸለየት። ንጽብሒቱ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ ናብቲ መደበር ባቡር ተመልሰት። እንደገና ኸኣ ምስታ ሰበይቲ ተራኸበት። ሽዑ ግን፡ ንኣድራሻ እታ ሰበይቲ መዝገበት፡ ጸኒሓ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽትርዳእ ምእንቲ ኽትሕግዛ ኢላ ናብ ቤታ ኸይዳ በጽሓታ። እቲ ኣምላኽ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝፈረዳ ፍርዲ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪፍጸም እዩ። እቶም ዚንስሑን ኣብቲ ብስራት ዚኣምኑን ግን ተስፋ ኣለዎም። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:31-33 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ተጊህና ኽልና ብምዕያይ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ነንጸባርቕ።
ንዅሉ እቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ንምምዕባል፡ ኣድላዪ ጻዕሪ ትገብርዶ፧
‘ምናልባሽ እንተ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ እንተ ተመልሱ’
17. ኣብ ክልኻ፡ ነቲ ኤርምያስ እተጠቕመሉ ኣቀራርባ ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧
17 የሆዋ፡ ህይወት ሰባት ኪጠፍእ ኣይደልን እዩ። ካብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ነቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን እተወስዱ ሰባት፡ ብኤርምያስ ኣቢሉ ኣተስፈዎም። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ባህ ኢሉኒ ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ፡ ናብዛ ሃገር ኣዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሀንጾም እየ እሞ ኣይከፍርሶምን፡ ክተኽሎም እየ እሞ ኣይክምንቍሶምን እየ።” ኤርምያስ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ብዚምልከት፡ “ንዳሕራይኪ ኸኣ ተስፋ አሎኪ” ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፈሎም ከኣለ። (ኤር. 24:6፣ 26:3፣ 31:17) ኤርምያስ ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ኣገልግሎቱ ኻብ ልቢ ብዝመነጨ ተገዳስነት እዩ ዚፍጽም ነይሩ፣ “ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ” ዚብል ምሕጽንታ የሆዋ እውን ኣመሓላለፈሎም። (ኤር. 35:15) ንስኻኸ ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ሰባት ዓሚቝ ብሕታዊ ተገዳስነት ከተርእየሉ እትኽእል ካልእ መገድታት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧
18, 19. (ሀ) ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና እንታይ ኣረኣእያ ኢና ኽንሕዝ ዘይብልና፧ (ለ) ከም ናይ ኤርምያስ ዝኣመሰለ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧
18 እታ ኤርምያስ ንሰባት ዝነበረቶ ዓማቝ ፍቕሪ ኸቶ ኣይዘሓለትን። የሩሳሌም ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን፡ ነቶም ህዝቢ ርሕራሐ ተሰሚዕዎ ነበረ። (ድጕዓ ኤርምያስ 2:11 ኣንብብ።) ኣይሁድ በቲ ዝወረዶም መዓት ተሓተትቲ እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኤርምያስ፡ ‘ኢለኩምዶ ኣይነበርኩን፧’ ኣይበለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ዝወረዶም መዓት፡ ብርቱዕ ጓሂ ተሰምዖ። ኣገልግሎትና እውን ግዴታ ስለ ዝዀነና ኢልና ንማለቱ እንገብሮ ኪኸውን ኣይግባእን። ንምምስካር እንገብሮ ጻዕሪ፡ ነቲ ዜደንቕ ኣምላኽን ነቶም ብምስሉ እተፈጥሩ ሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።
ንሰባት ከም እትግደሰሎም ተርእዮም ዲኻ፧
19 ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምስካር ካብ ዚግበር ዕዮ ዚበልጽ ፍሉይ መሰል ወይ ክብሪ የልቦን። ኤርምያስ ንየሆዋ፡ “ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” ኢሉ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። (ኤር. 15:16) ነቲ ብስራት እንተ ሰቢኽና፡ ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ነቲ ወሃብ ህይወቶም ኪፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ብቕንኣትን ብፍቕርን ብምግልጋል፡ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።
ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ፡ ነቲ “ጽቡቕ ቃል” የሆዋ ንምዝርጋሕ ዜኽእለካ እንታይ ተወሳኺ መገድታት ኢኻ ኽትፍትን፧
a ኣብዚ ዀነ ኣብ ሓያሎ ኻልእ ኣጋጣሚታት፡ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ንዕኡ ብዚውክል መልኣኽ ገይሩ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—መሳ. 13:15, 22፣ ገላ. 3:19።