ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/2 ገጽ 12
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናዳብን ኣቢሁን ዚበሃሉ ደቂ ኣሮን ምስ ሞቱ፡ ሙሴ ነቶም ኣልኣዛርን ኢታማርን ዚበሃሉ ኣሕዋቶም ኰርዩሎም እዩ። ስለምንታይ እዩ ኰርዩሎም፧ ካብ ኵራኡኸ ብኸመይ ዘሓለ፧—ዘሌ. 10:16-20።
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/2 ገጽ 12

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናዳብን ኣቢሁን ዚበሃሉ ደቂ ኣሮን ምስ ሞቱ፡ ሙሴ ነቶም ኣልኣዛርን ኢታማርን ዚበሃሉ ኣሕዋቶም ኰርዩሎም እዩ። ስለምንታይ እዩ ኰርዩሎም፧ ካብ ኵራኡኸ ብኸመይ ዘሓለ፧—ዘሌ. 10:16-20።

ክህነት ካብ ዚቐውም ነዊሕ ከይገበረ፡ የሆዋ ንናዳብን ንኣቢሁን ደቂ ኣሮን፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ብምቕራቦም፡ ቀዘፎም። (ዘሌ. 10:1, 2) ሙሴ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ብሞት ኣሕዋቶም ከይሓዝኑ ኣዘዞም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንኣልኣዛርን ንኢታማርን፡ ካብቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ድቤላ ብዘይምብላዖም ተቘጥዖም። (ዘሌ. 9:3) ከምኡ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዜቕርብ ካህን፡ ክፋል እቲ መስዋእቲ ኣብቲ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኰይኑ ኺበልዖ ኸም ዘለዎ፡ ኣብቲ የሆዋ ንሙሴ ዝሃቦ ሕግታት ብንጹር ተገሊጹ ነበረ። ከምኡ ምግባር፡ ሓጢኣት እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ኸም ምጻር ጌርካ ይቝጸር ነበረ። ደም እቲ መስዋእቲ ናብ መቕደስ እንተ ተወሲዱ ግን፡ እቲ መስዋእቲ ኺብላዕ ኣይነበሮን። የግዳስ፡ ብሓዊ ኺነድድ ነበሮ።—ዘሌ. 6:24-26, 30።

ድሕሪ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ፡ ሙሴ፡ ኵሉ ትእዛዛት የሆዋ ኸም እተሓለወ ኼረጋግጽ ዝደለየ እዩ ዚመስል። እቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝቐረበ ድቤላ ኸም ዝሓረረ ምስ ፈለጠ፡ ደም እቲ ድቤላ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ናብ ውሽጢ መቕደስ ስለ ዘይቀረበ፡ ንኣልኣዛርን ንኢታማርን ስለምንታይ ነቲ መስዋእቲ ኸም ዘይበልዕዎ ተቘጢዑ ሓተቶም።—ዘሌ. 10:17, 18።

ኣሮን ንሙሴ መለሰሉ፣ ንሱ ዝመለሰሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ኻህናት ብፍቓዱ ኸምኡ ስለ ዝገበሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ደቁ ስለ እተቐዝፉ፡ ካብ መንጎ እቶም ካህናት፡ ካብቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ብንጹህ ሕልና ኺበልዕ ዚኽእል እንተ ኣልዩ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ካህናት በቲ ናዳብን ኣቢሁን ዝፈጸምዎ በደል ብቐጥታ ተሓተትቲ እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ኣሮን ግን ካብቲ መስዋእቲ ምብላዖም ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ተሰሚዕዎ ይኸውን።—ዘሌ. 10:19።

ኣሮን ብፍላይ ኣብታ ኣባላት ስድራ ቤቱ ንፈለማ ግዜ ዕዮ ኽህነት ዝጀመሩላ መዓልቲ፡ ኣብ ዝደቐቐ ዝርዝር ነገራት እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ ባህ ንኼብሉ ኣጸቢቖም ኪጥንቀቑ ኸም ዚግብኦም ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ናዳብን ኣቢሁን ንስም የሆዋ ዜቃልል ነገር ስለ ዝገበሩ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣሮን፡ ኣባላት እቶም ከምዚ ዓይነት ሓጢኣት እተረኽቦም ስድራ ኻህናት፡ ካብቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኺካፈሉ ኸም ዘይግብኦም ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሙሴ ነቲ ሓዉ ዝሃቦ ምላሽ እተቐበሎ እዩ ዚመስል፣ ከመይሲ፡ እቲ ጸብጻብ፡ “ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ” ብዚብል ቃላት እዩ ዚዛዝም። (ዘሌ. 10:20) የሆዋ እውን በቲ ኣሮን ዝሃቦ ምላሽ ዝዓገበ እዩ ዚመስል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ