ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ብብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኽንገብር፡ መምህራን ቃል ኣምላኽ ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20) ኵላትና ነቲ እተዋህበና ንዋት ተጠቒምና፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ሓቂ ኽንምህር ንኽእል ኢና። ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ብፍላይ ንሰባት ሓቂ ኽንምህሮም ክትሕግዘና ተባሂላ እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ ኣብ በቤት ከነገልግል ከለና፡ ንሓደ ብዓል ቤት ኣብ ኣፍ ደገኡ ዄንና በዛ ብሮሹር እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሉ ንኽእል ኢና።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ድሌት ከተማዕብል ጸሊ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ንሓቂ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትምህርን የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ እውን ጸሊ።—ፊል. 2:13።
ነቲ ኣቀራርባ ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ፡ ኣጽንዓዮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብምትእምማን ክትዛረብን ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ኢኻ።