መዝሙር 39
ሰላምና
1. የሆዋ፡ ኣምላኽ ሰላም፡
ኣምላኽ ሓድነት፡
ንውግእ ደው ኬብል’ዩ፡
ኬምጽእ ስኒት፣
ሕያዋይ እዩ ወዱ፡
ናይ ሰላም መስፍን፡
ንእከይ ምስ ሰዓረ፡
ሰላም ይሰፍን።
2. ቈየቛ ሓዲግናዮ፡
ነድሪ ኣርሒቕና፡
ናውቲ ሰላም ኰይኑ
ሴፍና ዂናትና፣
ሰላምና ንኸይዝረግ፡
ይቕረታ ንግበር፡
ከም ኣባጊዕ ክርስቶስ
ብሰላም ንንበር።
3. ፍረ ጽድቂ ዝዀነት
ሰላም ነፍሪ፡
ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ
ነርኢ ብግብሪ፣
ብሰላም ንመላለስ፡
ድማ ብፍቕሪ፡
ሰላም ክሳዕ ዚሰፍን
ኣብ ኵላ ምድሪ።
(መዝ. 46:9፣ ኢሳ. 2:4፣ ያእ. 3:17, 18 እውን ርአ።)