ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 42 ገጽ 230-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 5
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ምትብባዕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 42 ገጽ 230-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 5

መጽናዕቲ 42

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ንኣተሓሳስባ ሰማዕትኻ ብዜነቓቕሕን ሓደ ዚረብሕ ነገር ከም እተማህሩ ስምዒት ብዜሕድረሎምን መገዲ ፍልጠት ኣመሓላልፍ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሰባት ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ነገራት ጥራይ እንተ ነጊርካዮም: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣቓልቦኦም ሒዝካ ኣይክትቅጽልን ኢኻ።

ኣቀራርባኻ ንሰማዕትኻ ዜስተምህር ንምግባር: ብዛዕባ ጠቓሚ ርእሰ ነገር ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዞም ሰማዕቲ እዚኣቶም: ነዚ ርእሰ ነገር እዚ ኺሰምዑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ ነቶም ሰማዕቲ ኻብቲ ምይይጥ ወይ መደረ ብሓቂ እተጠቕሙ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ንምግባር እንታይ ክብል እኽእል፧’

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከም እትምስክረሉ መርኣያ ኸተቕርብ እንተ ተመዲብካ: እቲ ብዓል ቤት ሰማዒኻ ዀይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ካልእ መዳያት: ንምሉእ ጉባኤ ትዛረብ ትህሉ ትኸውን።

ሰማዕትኻ ዚፈልጥዎ ነገራት። ንርእስኻ ‘ሰማዕተይ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ እንታይ ይፈልጡ፧’ ኢልካ ሕተት። እዚ መበገሲ ኪዀነካ ይግባእ። ብዙሓት ብሱላት ክርስትያናት ኣብ ዚርከብዋ ጉባኤ መደረ ተቕርብ እንተ ኣሊኻ: መብዛሕትኦም ዚፈልጥዎ መሰረታዊ ነገራት ኣይትደጋግም። ኣብ መሰረታዊ ሓቅታት ተመርኲስካ ህነጽ። ልክዕ እዩ: ብዙሓት ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ኣብኡ እንተ ኣልዮም: ንኽልቲኦም ጕጅለታት ዜድልዮም ነገር ኣብ ግምት ከተእቱ ይግባእ።

ፍጥነት ኣቀራርባኻ ኸከም እቲ ሰማዕትኻ ዚፈልጥዎ መጠን ኣተዓራርዮ። መብዛሕትኦም ዚፈልጥዎ ዝርዝር ነጥብታት ክትጠቅስ እንተ ዄንካ: ነቲ ነጥብታት ብቕልጡፍ ሸፍኖ። ንመብዛሕትኦም ሰማዕትኻ ሓድሽ ዝዀኖም ሓሳባት ከተቕርብ ከለኻ ግን ብንጹር ምእንቲ ኺርድእዎ ህድእ በል።

እተስተምህሮ ነገር። ኣስተምሃሪ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ወትሩ ሓድሽ ነገር ክትዛረብ ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ተዛረብቲ ንገሊኡ ፍሉጥ ሓቅታት ብቐሊል መገዲ ስለ ዚገልጽዎ: ብዙሓት ካብ ሰማዕቶም ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ንመጀመርታ ግዜ እዮም ምሉእ ብምሉእ ዚርድእዎ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ንምርዳእ: ካብ ዜና እተወሰነ ጸብጻባት ምጥቃስ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ትርጕም እቲ ፍጻመታት እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም። እዚ ነቲ ብዓል ቤት ብሓቂ ኣስተምሃሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ወይ ብዛዕባ ህይወት ኣትክልቲ ዀነ እንስሳታት እተወሰነ ዝርዝር ክትጠቅስ ከለኻ: ሸቶኻ እቲ ብዓል ቤት ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ዜደንቕ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅታት ምቕራብ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ተፈጥሮ እንርእዮ መርትዖታት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብምትእስሳር: ዜፍቅረና ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንምግላጽ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ነቲ ብዓል ቤት ብሓድሽ ኣንፈት ንኺርኢ ይሕግዞ።

ሓደ ርእሰ ነገር: ብዙሕ ግዜ ንዝሰምዕዎ ሰማዕቲ ምቕራብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንፉዕ መምህር ክትከውን እንተ ዄንካ ግን: ነዚ ኸመይ ጌርካ ብዕዉት መገዲ ኸም እትገብሮ ኽትመሃር ኣሎካ። እሞኸ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧

ምርምር ምግባር ሓጋዚ እዩ። ናብ ኣእምሮኻ ዝመጸልካ ዘበለ ኣብቲ መደረኻ ኣብ ክንዲ እተእቱ: ነቲ ኣብ ገጽ 33 ክሳዕ 38 ዚርከብ ንምርምር ዚኸውን ናውቲ ተጠቐመሉ። ብዛዕባ እቲ ኺህልወካ ዚግባእ ዕላማ ዚምልከት ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብቲ እትገብሮ ምርምር ሓደ ብዙሕ ዘይፍለጥ ታሪኻዊ ፍጻመ ምስቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ኰይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ነቲ ኽትገልጾ ዝመደብካ ነጥቢ ዜብርህ ነገር ኣብ ዜና የጓንፈካ ይኸውን።

ነቲ ዝረኸብካዮ ነጥብታት ክትምርምሮ ኸለኻ: ከም እኒ እንታይ፧ ስለምንታይ፧ መዓስ፧ ኣበይ፧ መን፧ ከመይ፧ ብዚብል ሕቶታት ጌርካ ንኣተሓሳስባኻ ኣነቓቕሓዮ። ንኣብነት: ከምዚ ኢልካ ሕተት:- እዚ ሓቂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይ መረጋገጺ ከቕርብ እኽእል፧ ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኸይቅበሉ ዕንቅፋት ዚዀኖም እንታይ ህቡብ እምነታት እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንህይወት ሓደ ሰብ ብኸመይ ኪትንክፎ ይግባእ፧ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዜምጽኦ ጥቕሚ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብዛዕባ ባህርይ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧ ኣብ ገሊኡ እተቕርቦ ትምህርትታት ከኣ ከምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ:- እዚ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧ ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ትምህርቲ እዚ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧ ነቲ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ገለ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ብምሕታትን ብምምላስን ንኣቀራርባኻ ዝያዳ ህይወት ክትሰዅዓሉ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መደረኻ: ሰማዕትኻ ዚፈልጥዎ ጥቕስታት ክትጥቀም የድልየካ ይኸውን። ነዚ ኣስተምሃሪ ብዝዀነ መገዲ ንምቕራብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ስቕ ኢልካ ኣንቢብካ ጥራይ ኣይትሕለፎ: የግዳስ ግለጾ።

ንሓደ ፍሉጥ ጥቕሲ ኽትገልጾ ኸለኻ: ነቲ ምስቲ ፍረ ነገር መደረኻ ዚዛመድ ክፋል እቲ ጥቕሲ ብዝርዝር ብምጕላሕን ብምግላጽን ዝያዳ ኣስተምሃሪ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ነቲ ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሚክያስ 6:8 ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ኽትገልጸሉ እትኽእል መገድታት እስከ ንርአ። “ፍትሒ” እንታይ እዩ፧ ንፍትሒ ብዚምልከት ናይ መን መለክዒታት እዩ ኣብዚ ዚግለጽ ዘሎ፧ “ፍትሒ ኽትገብር” ወይ “ሕያውነት ክትፈቱ” ዚብል ሓሳባት ብኸመይ ከተብርሆ ምኸኣልካ፧ ትሕትና እንታይ እዩ፧ ነዚ ትምህርቲ እዚ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ብኸመይ መብራህካሉ፧ ልክዕ እዩ: እቲ ኽትጥቀመሉ ዝሓሰብካ ሓበሬታ: ብፍረ ነገር: ዕላማ: ሰማዕቲ: እተመደበልካ ግዜ: ከምኡውን ብኻልእ ረቛሒታት ኪውሰን ኣለዎ።

ቅልል ዝበለ መግለጺ ቓላት ምሃብ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጋዚ እዩ። ንገሊኦም ሰባት: ትርጕም እታ ኣብ ማቴዎስ 6:10 ተጠቒሳ ዘላ “መንግስቲ” ምፍላጥ ዓይኖም የንቍሓሎም እዩ። ንሓደ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ክርስትያን እውን መግለጺ ሂብካ ምዝኽኻሩ: ሓንቲ ጥቕሲ ብሓቂ እንታይ ትብል ከም ዘላ ብዝያዳ ንኼስተውዕል ይሕግዞ እዩ። 2 ጴጥሮስ 1:5-8 ኸነንብብ ከለና: ከምኡውን ነቲ ኣብታ ጥቕሲ ተጠቒሱ ዘሎ ኸም እምነት: ደግነት: ፍልጠት: ምግታእ ርእሲ: ዓቕሊ: ፍርሃት እግዚኣብሄር: ምፍቃር ኣሕዋት: ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ትርጕሙ ኽንገልጽ ከለና እዚ ንጹር ይዀነልና እዩ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ትርጕማቱ ዚወራረስ ቃላት እንተ ተጠቒሱ: ትርጕም እቲ ቓላት ምግላጽካ: ነቲ ሓደ ኻብቲ ኻልእ ንምፍላይ ይሕግዝ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ምሳሌ 2:1-6 ተጠቒሱ ዘሎ ጥበብ: ፍልጠት: ምስትውዓል: ኣእምሮ ዚብል ቃላት ፈላሊኻ ምግላጽ ሓጋዚ እዩ።

ኣብ ሓደ ጥቕሲ ተመርኲስካ ብርትዓዊ መገዲ እንተ ኣረዲእካ: ሰማዕትኻ ኣስተምሃሪ ዀይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት: ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: ብመሰረት ዘፍጥረት 2:7 ኣዳም ህያው ነፍሲ ኸም ዝዀነን ብመሰረት ህዝቅኤል 18:4 ነፍሲ ኸም እትመውትን ምፍላጦም የገርሞም እዩ። የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሰዱቃውያን ካብቲ ንኣምነሉ ኢና ዚብልዎ ዘጸኣት 3:6 ጠቒሱ ምስ ትንሳኤ ምዉታት ምትሕሓዙ ኣገሪምዎም እዩ።—ሉቃ. 20:37, 38

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት: እተጻሕፈሉ ዅነታት: ከምኡውን መንነት እቲ ተዛራቢ ወይ ሰማዒ ምጥቃስ ፍልጠት የስፍሕ እዩ። እቶም ፈሪሳውያን መዝሙር 110 ኣጸቢቖም ይፈልጥዋ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን: የሱስ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቝጽሪ ንዚርከብ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥቢ ኸም ዜተኵሩሉ ገበረ። “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፤ ወዲ ዳዊት: በልዎ። ንሱ ኸኣ፤ ዳዊት ደኣ: ጐይታ ንጐይታይ: ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ: እናበለ: ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ: ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።” (ማቴ. 22:41-45) ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርካ ኣብ ጥቕሲ ተመርኲስካ ብርትዓዊ መገዲ ምስ እተረድእ: ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ተጠንቂቖም ንኼንብቡ ኽትሕግዞም ኢኻ።

ሓደ ተዛራባይ ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እተጻሕፈትሉ ግዜ ወይ ሓደ ፍጻመ እተፈጸመሉ ግዜ ኺጠቅስ ከሎ: ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰፊኑ ዝነበረ ዅነታት እውን ኪጠቅስ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ: እቶም ሰማዕቲ ንኣገዳስነት እታ መጽሓፍ ወይ እቲ ፍጻመ ብዝያዳ ኺንጽረሎም ይኽእል።

ምንጽጻራት ነቲ እትዛረቦ ነገር ብዝያዳ ዜስተምህር ንኪኸውን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ንሓደ ህቡብ ኣረኣእያ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ዘሎ ፍልልይ ብምጕላሕ ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ብዛዕባ ሓደ ኣጋጣሚ ዚገልጽ ክልተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከተነጻጽር ትኽእል ኢኻ። ፍልልያት ኣለዎዶ፧ ስለምንታይ፧ ካብኡ እንታይ ንመሃር፧ ከምዚ ምግባርካ: ሰማዕትኻ ነቲ ርእሰ ነገር ብሓድሽ ኣንፈት ንኺርእይዎ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።

ገለ መዳያት ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክትገልጽ እንተ ተመዲብካ: ፈለማ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ እተቕርቦ ሓሳባት ብምጥቃስ ንመደረኻ ብዝያዳ ኸተበልጽጎ ትኽእል ኢኻ። እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ: ስለምንታይ ኪግበር ከም ዜድሊ: ከምኡውን ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ምስቲ ሓፈሻዊ ሸቶታትና ብኸመይ ከም ዚዛመድ ሓብር። ድሕሪኡ እቲ ዕዮ ኣበይን መዓስን ብኸመይን ከም ዚግበር ግለጽ።

ኣብ መደረኻ ገለ ኻብ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክትገልጽ እንተ ኣድልዩኸ፧ (1 ቈረ. 2:10) እተወሰነ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ርእሰ ነገር ብምርቋሕን ብምግላጽን እንተ ጀሚርካ: እቲ ዝርዝር ነገራት ንምርዳኡ ኣይከብድን እዩ። ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እንተ ደምዲምካዮ: ሰማዕትኻ ብሓቂ ሓደ ነገር ስለ ዚመሃሩ ዕግበት ይስምዖም እዩ።

ንክርስትያናዊ ናብራ ዚኸውን ምኽሪ። እቲ ኣብ መደረኻ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ህይወት ሰማዕትኻ ብኸመይ ኪውዕል ከም ዚኽእል ንኺግንዘቡ እንተ ሓጊዝካዮም: ብዙሕ እዮም ዚጥቀሙ። ነቲ ኣብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ዘሎ ጥቕስታት ክትምርምር ከለኻ: ‘እዚ ሓበሬታ እዚ ኽሳዕ እዚ ግዜና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተዓቀበ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረ. 10:11) ነቶም ሰማዕትኻ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ኵነታት ሕሰበሉ። ነቲ ዅነታት በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ምኽርን ስርዓታትን ኣቢልካ መርምሮ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብጥበብ ንምስጋሩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ንምሕባር: ኣብ መደረኻ በቲ ጥቕስታት ጌርካ ኣረድእ። ኣረኣእያታትን ተግባራትን ደኣ ብዝርዝር ግለጽ እምበር: ብድብድቡ ኣይትዛረብ።

ፈለማ: ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት: ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ጥራይ ኣብቲ እትዳለወሉ መደረ ኣውዕሎ። ተመክሮ እናኣጥረኻ ብዝኸድካ መጠን: ዝያዳ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ኣውዕል። ድሕሪ ግዜ: እቶም ሰማዕቲ ብሓቂ ዚጠቕሞም ነገር ከም ዚሰምዑ ብምትእምማን: ንመደረኻ ብሃንቀውታ ኺጽበይዎ እዮም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቱ።

  • ነቲ ሓበሬታ እተካፍለሉ ፍጥነት ተቘጻጸሮ፣ ኣጸቢቑ ንዚፍለጥ ነጥብታት ቅልጡፍ: ንሓደስቲ ነጥብታት ከኣ ህድእ ዝበለ ፍጥነት ይሃሉኻ።

  • ሓቅታት ጥራይ ኣይትዛረብ፣ ትርጕሙ ወይ ኣገዳስነቱ ግለጽ።

  • ከም እኒ እንታይ፧ ስለምንታይ፧ መዓስ፧ ኣበይ፧ መን፧ ከመይ፧ ብዚብል ሕቶታት ጌርካ ንኣተሓሳስባኻ ኣነቓቕሓዮ።

  • ግዜ ወሲድካ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ኣረድእ፣ ንዝርዝር ክፋላት እቲ ጥቕስታት ኣስፍሓዮ።

  • ንምንጽጻራት ተጠቐመሉ።

  • ኣብቲ ትምህርትኻ ሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ግለጽ።

  • እቲ ሓበሬታ፡ ጸገማት ንምፍታሕን ውሳነታት ንምግባርን ብኸመይ ከም ዜገልግል ኣርኢ።

መላመዲ:- (1) ኣብ ከም ማቴዎስ 24:14 ወይ ዮሃንስ 17:3 ዝኣመሰለ ፍሉጥ ጥቕስታት: ኣስተምሃሪ ነጥቢ ንምርካብ ምርምር ግበር። (2) ምሳሌ 8:30, 31 ከምኡውን ዮሃንስ 5:20 ኣንብብ። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ጥቕስታት ተገሊጹ ዘሎ ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ዘሎ ርክብ ምስትንታን: ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ንስድራቤት ንኽትጥቀመለን ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ