መጽናዕቲ 18
ክትምልስ ከለኻ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
ብዛዕባ እምነትና: ብዛዕባ ናብራና: ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ዘሎና ኣረኣእያ: ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ኽንሕተት ከለና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና መልሲ ኽንህብ እንጽዕር። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ። እምነትና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመነጨ እዩ። ናብራ ህይወትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። እቲ ብዛዕባ ፍጻመታት ዓለም ዘሎና ኣረኣእያ እውን: ብእኡ እዩ ዚጽሎ። ንመጻኢ ዘሎና ተስፋ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መብጽዓታት ኣጸቢቑ እተሰረተ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17
ነቲ ምስ ስምና ዚተሓሓዝ ሓላፍነትና ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። (ኢሳ. 43:12 NW) ስለዚ: ኣብ ሰብኣዊ ፍልስፍና ተመርኲስና ዘይኰነስ: ኣብቲ የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ እተዛረቦ ተመርኲስና ኢና ንሕቶታት መልሲ እንህብ። ሓቂ እዩ: ከም ውልቀ-ሰባት መጠን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ናይ ርእስና ርእይቶ እኳ እንተ ኣሎና: ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ስለ እንኣምነሉ: ንኣረኣእያና ኺጸልዎ ንፈቕደሉ ኢና። ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓያሎ መዳያት ናይ ብሕትና ምርጫ ኽንገብር ይፈቕደልና እዩ። ንሕናውን ምርጫታትና ኣብ ካልኦት ኣብ ክንዲ ምጽዓን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ክንምህሮም: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ንዅላትና እተዋህበና ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪጥቀሙሉ ኢና እንደሊ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ‘ብእምነት ኪእዘዙ’ ኢና እንደልዮም።—ሮሜ 16:25adj.
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ራእይ 3:14 “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ተባሂሉ ኣሎ። ነቲ ዚቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታትን ኵነታትን ብኸመይ እዩ ዚምልስ ነይሩ፧ ሓድሓደ ግዜ ሰባት ከም ዚሓስቡ ንምግባር ምሳሌ ይጥቀም ነበረ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ነቲ ሓታቲ ንባዕሉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ምርዳእ ብምሕታት ይምልሰሉ ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ድማ ጥቕስታት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብምጥቃስ ይምልስ ነበረ። (ማቴ. 4:3-10፣ 12:1-8፣ ሉቃ. 10:25-28፣ 17:32) ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ጥቕላላት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት እዩ ዚቕመጥ ነይሩ። የሱስ ናይ ብሕቱ ቕዳሓት እዚ ጥቕላላት ከም ዝነበሮ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ እኳ እንተ ዘየልቦ: ጥቕስታት ግን ኣጸቢቑ ይፈልጥን ንሰባት ኪምህር ከሎ ብዙሕ ሳዕ ካብኡ ይጠቅስን ነበረ። (ሉቃ. 24:27, 44-47) ስለዚ: ካብ ርእሱ ኸም ዘይመሃረ ኣፉ መሊኡ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ። ካብ ኣቦኡ ዝሰምዖ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ዮሃ. 8:26
ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ኢና እንደሊ። ከም የሱስ: ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ብቐጥታ ኣይሰማዕናዮን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ቃል ኣምላኽ እዩ። ክንምልስ ከለና መሰረት ከም ዚዀነና ጌርና እንጥቀመሉ እንተ ደኣ ዄንና: ናብ ርእስና ኣቓልቦ ኣይንስሕብን ኢና። ኣረኣእያ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ክንዲ እነቃልሕ: እቲ ሓቂ ኣየናይ ምዃኑ ኻብ ኣምላኽ ንኽንሰምዖ ቘሪጽና ኢና ተላዒልና።—ዮሃ. 7:18፣ ሮሜ 3:4
ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀመሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰማዒና ኣጸቢቑ ብዚጠቅም መገዲ ኢና ኽንጥቀመሉ እንደሊ። ኣእምሮኡ ኸፊቱ ኺሰምዓና ኢና እንደሊ። ንኣረኣእያ እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው: “እቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገር ኣምላኽ ዝበሎ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧” ኢልካ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተካፍሎ ሓሳባት መእተዊ ኽትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ “መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶኻ መልሲ ኸም ዚህበላስ ትፈልጥዶ፧” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘየኽብር ሰብ ትዛረቦ እንተ ኣሊኻ: እተፈልየ መእተዊ ኽትጥቀም የድልየካ ይኸውን። “ሓደ ጥንታዊ ትንቢት ከካፍለካ ምፈተኹ:” ወይ “እቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝርጋሐ ዘለዎ መጽሓፍ ከምዚ ይብል” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: ንሓንቲ ጥቕሲ ኸም ዘላታ ዘይኰነስ: ብናትካ ኣበሃህላ ኽትጠቕሳ ትደሊ ትኸውን። ብእተኻእለ መጠን ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ነቲ ዚብሎ ኸተንብቦ ይምረጽ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ሰብ ኣብ ናቱ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ምጥቃምካ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ።—እብ. 4:12
ክርስትያን ሽማግለታት ሕቶታት ኪምልሱ ኸለዉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ ሽማግለ ንምዃን ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓታት: እቲ ሓው “በቲ እሙን ቃል ምህሮ [ምጽናዕ]” እዩ። (ቲቶ. 1:9) ሓደ ኣባል ጉባኤ በቲ ሓደ ሽማግለ ዚህቦ ምኽሪ ተመርኲሱ: ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ ሽማግለ ዚህቦ ምኽሪ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ! ሓደ ሽማግለ ነዚ ብዚምልከት ዚሓድጎ ኣብነት ንብዙሓት ካልኦት ኣብ ኣመሃህራኦም ኪጸልዎም ይኽእል እዩ።