ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 17 ገጽ 182-191
  • ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ”
  • ንኣገልገልቲ፡ ወንጌላውያን ኪዀኑ ምስልጣን
  • ንኣሕዋት፡ ፍሉይ ሓላፍነታት ኪስከሙ ምስልጣን
  • ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብእተኻእለካ መጠን ካብ የሆዋ ትመሃርዶ ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንፈለምቲ እንታይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ —ዓብይን ብርቱዕን ደገ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 17 ገጽ 182-191

ምዕራፍ 17

ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እተመደበሎም ዕዮ ኺፍጽሙ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜዳልዎም

1-3. የሱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ዘስፍሖ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧

የሱስ ንኽልተ ዓመት ኣብ ብዘላ ገሊላ ሰበኸ። (ማቴዎስ 9:35-38 ኣንብብ።) ኣብ ምኵራባት እናመሃረን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን፡ ኣብ ሓያሎ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ። ኣብ ዝሰበኾ ዘበለ፡ ብዙሓት ሰባት ናብኡ ይውሕዙ ነበሩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ” በለ፣ ዝያዳ ዓየይቲ ኸኣ የድልዩ ነበሩ።

2 የሱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ኬስፍሖ መደበ። ከመይ ገይሩ ግና እዩ ዘስፍሖ፧ ነቶም 12 ሃዋርያቱ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ” ብምልኣኽ እዩ። (ሉቃ. 9:1, 2) እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ ነዚ ዕዮ ዚፍጽሙሉ መገዲ ሕቶታት ነይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ከኣ ቅድሚ ምልኣኹ፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንዕኡ ዘሰልጠኖ፡ ንሱ እውን ንዓታቶም ኣሰልጠኖም።

3 ሕጂ እተፈላለየ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና ኺልዓል ይኽእል እዩ፦ የሱስ ካብ ኣቦኡ እንታይ ስልጠና እዩ እተዋህቦ፧ የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ስልጠና እዩ ዝሃቦም፧ ሎሚኸ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ንሰዓብቱ፡ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ኣሰልጢንዎምዶ፧ እንተ ኣሰልጢንዎምከ፡ ብኸመይ፧

“ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ”

4. የሱስ መዓስን ኣበይን እዩ ኻብ ኣቦኡ እተማህረ፧

4 የሱስ ካብ ኣቦኡ ኸም እተማህረ ብንጹር ተኣሚኑ እዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ፡ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:28) እሞ ደኣ የሱስ መዓስን ኣበይን እዩ ሰልጢኑ፧ ስልጠናኡ ኻብቲ እዚ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ እዚ እተፈጥረሉ ግዜ ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ቈሎ. 1:15) እዚ ወዲ እዚ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ “ዓብዪ መምህር” እናሰምዖን እናተዓዘቦን ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ኣሕሊፉ እዩ። (ኢሳ. 30:20፡ NW) ከም ውጽኢቱ፡ ብዛዕባ ባህርያትን ዕዮን ዕላማን ኣቦኡ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ትምህርቲ ተዋሂብዎ እዩ።

5. ኣቦ ንወዲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት እንታይ ትምህርቲ እዩ ሂብዎ፧

5 የሆዋ ብግዜኡ ንወዱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት መሃሮ። እቲ ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ መምህርን እቲ በዅሪ ወዱን ብዛዕባ ዚህሉ ርክብ ዚገልጽ ትንቢት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ኢሳይያስ 50:4, 5 ኣንብብ።) የሆዋ ንወዱ፡ “ኣብ ጸጽባሕ” የንቅሖ ኸም ዝነበረ፡ ኣብቲ ትንቢት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ስእላዊ መግለጺ እዚ፡ ንተመሃራዩ ኺምህሮ ኢሉ ኣንጊሁ ንዜበራብሮ መምህር እዩ ዜዘኻኽረና። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዚ፡ “የሆዋ . . . ከምቲ ንተመሃራይ ዚግበር ዝነበረ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ቤት ትምህርቲ ይወስዶ እሞ፡ እንታይን ብኸመይን ከም ዚሰብኽ ይምህሮ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ሰማያዊ “ቤት ትምህርቲ” እቲ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ‘እንታይ ከም ዚብልን እንታይ ከም ዚዛረብን’ ምሂርዎ እዩ። (ዮሃ. 12:49) ኣቦ ንወዱ፡ ብኸመይ ከም ዚምህር እውን ትምህርቲ ሂብዎ እዩ።a የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣገልግሎቱ ብምፍጻም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰዓብቱ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ብምስልጣን እውን ነቲ ስልጠናኡ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኣውዒልዎ እዩ።

6, 7. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ስልጠና እዩ ሂብዎም፧ እዚኸ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዕጢቕዎም፧ (ለ) የሱስ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ሰዓብቱ እንታይ ስልጠና እዩ ሂብዎም፧

6 ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ስልጠና እዩ ሂብዎም፧ ብመሰረት ማቴዎስ ምዕራፍ 10፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚምልከት ንጹር ትምህርቲ ሂብዎም እዩ፣ ገለ ኻብቲ ትምህርቲ፡ ኣበይ ከም ዚሰብኩ (ፍቕዲ 5, 6)፡ እንታይ መልእኽቲ ኸም ዜብጽሑ (ፍቕዲ 7)፡ ብየሆዋ ኺእመኑ ኸም ዜድልዮም (ፍቕዲ 9, 10)፡ ናብ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም ዚቐርቡ (ፍቕዲ 11-13)፡ ንዘይተቐበሎም እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡ (ፍቕዲ 14, 15)፡ መስጐጕቲ ኼጋጥሞም ከሎ እንታይ ከም ዚገብሩ (ፍቕዲ 16-23) ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።b እቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝሃቦም ንጹር ስልጠና፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ኺህልዎም ኣኽኢሉ እዩ።

7 ኣብዚ ግዜናኸ፧ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ንሰዓብቱ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዕዮ፡ ማለት “እዚ ብስራት መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” ናይ ምስባኽ ዕዮ ሂብዎም ኣሎ። (ማቴ. 24:14) እሞኸ እዚ ንጉስ እዚ ነዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ኽንፍጽም ኣሰልጢኑናዶ፧ እወ፡ ኣሰልጢኑና እዩ። ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ ሰዓብቱ ኻብ ጉባኤኦም ወጻኢ ብኸመይ ከም ዚሰብኩን ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘለዎም ፍሉይ ሓላፍነታት ብኸመይ ከም ዚፍጽሙን ኣሰልጢንዎም እዩ።

ንኣገልገልቲ፡ ወንጌላውያን ኪዀኑ ምስልጣን

8, 9. (ሀ) ቀንዲ ዕላማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ብኸመይ ሓጊዙካ፧

8 ውድብ የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዛ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ብዓበይቲ ኣኼባታትን ብኣኼባታት ጉባኤን፡—ብኸም ኣኼባ ኣገልግሎት ዝኣመሰለ፡—ገይራ ንኣገልግሎት ኣሰልጢናቶም እያ። ካብ 1940ታት ጀሚሩ ግና፡ እቶም ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ዀይኖም ዚመርሑ ኣሕዋትና፡ ብእተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ገይሮም ስልጠናታት ኬዳልዉ ጀመሩ።

9 ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት። ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኻብ 1943 ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩ። ዕላማ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ንተመሃሮ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ውጽኢታዊ መደረታት ኪህቡ ንምስልጣን ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣይተቐየረን፣ እዚ ድማ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ናይ ዘረባ ተውህቦኦም ኣብ ኣገልግሎት ንየሆዋ ንምውዳስ ኪጥቀሙሉ ንምስልጣን እዩ። (መዝ. 150:6) እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብኡ ንእተመዝገቡ ዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ እዩ ዜሰልጥኖም ነይሩ። ሎሚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ይውሃብ ኣሎ።

10, 11. ሎሚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪኣትዉ ዚኽእሉ መን እዮም፧ ዕላማ እቲ ስርዓተ ትምህርቱኸ እንታይ እዩ፧

10 ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ። እዚ ሕጂ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘሎ፡ ሰኑይ 1 ለካቲት 1943 እዩ ጀሚሩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፈለማ ፈለምትን ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ንዚዕየ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ንምስልጣን ተባሂሉ እተዳለወ እዩ ነይሩ። ካብ ጥቅምቲ 2011 ኣትሒዙ ግና፡ እቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ፡—ማለት ፍሉያት ፈለምትን ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ቤት-ኤላውያንን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘይተኻፈሉ ሚስዮናውያንን፡—ጥራይ እዮም ናብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዚኣትዉ።

11 ዕላማ ስርዓተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እንታይ እዩ፧ ሓደ ንነዊሕ ግዜ ኣብኡ ዝመሃረ መምህር ከምዚ ኢሉ ይምልስ፦ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዚግበር ጽዑቕ መጽናዕቲ ኣቢልካ እምነት እቶም ተመሃሮ ንምድልዳልን ነቲ ኣብ ዕዮኦም ዜጋጥሞም ብድሆታት ኪሰግርዎ ዜኽእሎም መንፈሳዊ ባህርያት ኬማዕብሉ ንምሕጋዝን እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ንምስታፍ ዝያዳ ሓያል ባህጊ ምሕዳር፡ መሰረታዊ ዕላማ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ እዩ።”—ኤፌ. 4:11።

12, 13. ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ካብ 1943 ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 8,500 ውልቀ ሰባት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሰልጢኖም እዮም፣c ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ከኣ ሕጂ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ልዕሊ 170 ሃገር ኣለዉ። እቶም ሚስዮናውያን ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምግልጋልን ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ብምስልጣንን፡ ነቲ ስልጠናኦም ኣብ ጽቡቕ መዓላ የውዕልዎ ኣለዉ። ኣብ ሓያሎ መዳያት፡ እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ሒደት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበርዎ ወይ ዋላ ሓደ እውን ዘይነበሮ ቦታታት፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ተጻዊቶም እዮም።

13 ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን እተገብረ ዕዮ እስከ ንርአ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ብእተወደበ መልክዕ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ዳርጋ ኣቋሪጹ ነበረ። ኣብ ነሓሰ 1949 ድማ፡ ኣብ ጃፓን ካብ ዓሰርተ ዚውሕዱ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ጥራይ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እቲኣ ግና፡ ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ 13 ሚስዮናውያን ኣብቲ ኣብ ጃፓን ዚግበር ዕዮ ስብከት ኪሳተፉ ጀመሩ። ብዙሓት ሚስዮናውያን እውን ሰዓብዎም። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ዓበይቲ ኸተማታት ኣተኰሩ፣ ጸኒሖም ግና፡ ናብ ካልኦት ከተማታት ገዓዙ። እቶም ሚስዮናውያን ንተመሃሮኦምን ንኻልኦትን፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ኪሳተፉ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ መተባብዒ ይህብዎም ነበሩ። እቲ እቶም ሚስዮናውያን ብቕንኣት ዝገበርዎ ጻዕርታት፡ ብዙሕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ጃፓን ልዕሊ 216,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ፣ ዳርጋ 40 ሚእታዊት ካባታቶም ድማ ፈለምቲ እዮም።d

14. ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ምንታይ ሓያል መርትዖ እዩ ዚኸውን፧ (ኣብ ገጽ 188 እትርከብ፡ “ንኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜሰልጥን ኣብያተ ትምህርቲ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ካልኦት ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ። ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ነቶም ኣብኡ እተማህሩ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምዕብሉን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብቕንኣት መሪሕ ግደ ኺህልዎምን ኣኽኢልዎም እዩ።e እዚ ዅሉ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ፡ ንጉስና ንሰዓብቱ፡ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ምእንቲ ኪኽእሉ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕጠቖም ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ።—2 ጢሞ. 4:5።

ንኣሕዋት፡ ፍሉይ ሓላፍነታት ኪስከሙ ምስልጣን

15. ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ዚደልዩ፧

15 ነቲ የሱስ ብኣምላኽ ከም እተማህረ ዚገልጽ ትንቢት ኢሳይያስ እሞ ዘክሮ። ኣብቲ ሰማያዊ “ቤት ትምህርቲ፡” እቲ ወዲ ኸመይ ገይሩ ‘ንድኹም ብቓል ከም ዜጸናንዕ’ ተማሂሩ እዩ። (ኢሳ. 50:4) የሱስ ነቲ ትምህርቲ እቲ ተጠቒሙሉ እዩ፣ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ኣዕሪፍዎም እዩ። (ማቴ. 11:28-30) ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት ድማ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ምንጪ ዕረፍቲ ኪዀኑ ይደልዩ እዮም። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ኣብ ምግልጋል ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ፡ እተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ተመስሪቱ ኣሎ።

16, 17. ዕላማ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

16 ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ። ቀዳማይ ክፍሊ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ብ9 መጋቢት 1959፡ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ተጀመረ። ገየሽቲ ሓለውትን ሓለውቲ ጉባኤን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ትምህርቲ ኺካፈሉ ተዓደሙ። ጸኒሑ፡ እቲ ትምህርቲ ኻብ እንግሊዝኛ ናብ ካልእ ቋንቋታት ተተርጐመ፣ በብቝሩብ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺስልጥኑ ጀመሩ።f

ብ1970፡ ሓውና ሎይድ ባሪ ኣብ ጃፓን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኪምህር ከሎ

ብ1970 ሓውና ሎይድ ባሪ ኣብ ጃፓን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እናመሃረ ኸሎ

17 ብዛዕባ ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1962 ከምዚ በለት፦ “ኣብዛ ሃታሃታ ዝመልኣ ዓለም፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ሓላዊ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ዅሎም ቈላሕታ ንምሃብን ንዓታቶም በረኸት ንምዃንን፡ ህይወቱ ብእተወደበ መገዲ ኺመርሕ ዚኽእል ሰብ ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡ ድማ፡ ንጉባኤ ኺጠቅም ኢሉ ንስድራ ቤቱ ዕሽሽ ዚብል ኪኸውን የብሉን፣ የግዳስ፡ ለባም ኪኸውን ኣለዎ። ነቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣትዮም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ሓደ ሓላዊ ኺዓምሞ ዚግባእ ነገር ኪስልጥኑ ዚእከቡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ [ሓለውቲ] ጉባኤስ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!”—1 ጢሞ. 3:1-7፣ ቲቶ. 1:5-9።

18. ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙ ብኸመይ እዮም፧

18 ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ተጠቒሞም እዮም። ብኸመይ፧ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኸለዉ፡ ንሳቶም እውን ከም ክርስቶስ ንክርስትያናት ብጾቶም ምንጪ ዕረፍቲ ይዀኑ እዮም። ብሕያውነት ዚዝረብ ቃል፡ ሰማዒት እዝኒ፡ ወይ ካብ ሓላዪ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዚግበር ዜተባብዕ ምብጻሕሲ ኣየሐጕሰካንዶ፧ (1 ተሰ. 5:11) ከምዚኦም ዝበሉ ብቕዓት ዘለዎም ክርስትያናት ንጉባኤታቶም ናይ ሓቂ በረኸት እዮም!

19. ኮሚተ ትምህርቲ እንታይ ካልእ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ብሓላፍነት ዚከታተል፧ እዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚኸ እንታይ ንምግባር እዩ ተዳልዩ፧

19 ካልኦት ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ። ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኮሚተ ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብና እተፈላለየ ሓላፍነታት ንዚስከሙ ኣሕዋት ስልጠና ዚህብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ እውን ይከታተል እዩ። እዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ሓላፍነት ንዘለዎም ኣሕዋት፡—ማለት ንሽማግለታት ጉባኤን ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን፡—ነቲ ብዙሕ ሓላፍነታቶም ብዝሓሸ ኺፍጽሙ የኽእሎም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርትታት ንኣሕዋትና፡ መንፈሳውነቶም ኪሕልዉን ኣብቲ ምስተን የሆዋ ብሕድሪ ዝሃቦም ክቡራት ኣባጊዕ ዘለዎም ርክብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪጥቀሙን የተባብዖም።—1 ጴጥ. 5:1-3።

ኣብ ማላዊ እተገብረ ቐዳማይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ

ኣብ ማላዊ ብ2007 እተገብረ ቐዳማይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ

20. የሱስ፡ ኵላትና ‘ብየሆዋ ኽንምሃር’ ምዃንና ኺዛረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

20 ብንጹር እምበኣር፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ፡ ሰዓብቱ ግቡእ ስልጠና ከም ዚረኽቡ ይገብር ኣሎ። ኵሉ እዚ ስልጠና እዚ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እዩ ዚወርድ፣ ፈለማ፡ የሆዋ ንወዱ ኣሰልጢንዎ፡ ወዱ ድማ ንሰዓብቱ ኣሰልጢንዎም። ስለዚ፡ የሱስ፡ ኵላትና ‘ብየሆዋ ኸም እንምሃር’ ኪዛረብ ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 6:45፣ ኢሳ. 54:13) ካብቲ ንጉስና ዘዳለወልና ስልጠና፡ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ቈራጽነት ንግበር። ቀንዲ ዕላማ እዚ ዅሉ ስልጠና እዚ፡ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንፍጽም፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬደልድለና ተባሂሉ ምዃኑ ኸኣ ኣይንረስዕ።

a ኣቦ ንወዲ፡ ብኸመይ ከም ዚምህር ትምህርቲ ኸም ዝሃቦ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ የሱስ ኣብ ትምህርቱ ብብዝሒ እተጠቕመሉ ምሳሌታት፡ ነቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ኸይተወልደ ኸሎ እተነግረ ትንቢት እዩ ፈጺምዎ። (መዝ. 78:2፣ ማቴ. 13:34, 35) እምበኣር፡ ምንጪ እቲ ትንቢት እቲ ዝዀነ የሆዋ፡ ወዱ ብምሳሌታት ከም ዚምህር ኣቐዲሙ ወሲኑ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17።

b ድሕሪ ኣዋርሕ፡ የሱስ፡ “ካልኦት ሰብዓ መዘዘ፣ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ . . . [ኪሰብኩ] ለኣኾም።” ንዓታቶም እውን ስልጠና ሂብዎም እዩ።—ሉቃ. 10:1-16።

c ገሊኦም ተመሃሮ ኻብ ሓንሳእ ንላዕሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂሮም እዮም።

d ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ኣብ ብዘላ ዓለም ብዛዕባ ዘሕደርዎ ጽልዋ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 23 ርአ።

e እዘን ዳሕረዎት ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተተኪአን እየን።

f ሕጂ፡ ኵሎም ሽማግለታት ካብቲ እተፈላለየ ንውሓት ዘለዎን ሒደት ዓመታት ጸጸኒሑ ዚግበርን ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ይጥቀሙ እዮም። ካብ 1984 ንደሓር፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ስልጠና ይውሃቦም እዩ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • የሱስ ካብ ኣቦኡ እንታይ ስልጠና እዩ እተዋህቦ፧

  • እቲ ንጉስ ንሰዓብቱ፡ ወንጌላውያን ኪዀኑ ብኸመይ እዩ ዘሰልጠኖም፧

  • ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ሓላፍነታቶም ኪፍጽሙ ብኸመይ እዮም ዝሰልጠኑ፧

  • ነቲ እቲ ንጉስ ዘቕርቦ ስልጠና ኸም እተድንቖ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

ንኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜሰልጥን ኣብያተ ትምህርቲ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን

ዕላማ፦ ኣስፋሕቲ፡ ውጺኢታውያን ሰበኽትን መምህራንን እቲ ብስራት ምእንቲ ኪዀኑ ንምስልጣን።

ንውሓት ግዜ፦ ቀጻሊ።

ቦታ፦ ኣብ ከከባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።

ምዝገባ፦ ኵሎም እቶም ብንጥፈት ምስ ጉባኤ ዚሓብሩ፡ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዑ፡ ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ከኣ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ኺምዝገቡ ይኽእሉ እዮም። ክትምዝገብ እንተ ደሊኻ፡ ንሓላዊ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ተዛረቦ።

ጥቕሚ፦ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ምርምር ክንገብርን ብርትዓዊ መገዲ ሓበሬታ ከነቕርብን ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳውነት ካልኦት ሰባት ከነተኵር ንምሃር ኢና።

ንነዊሕ እዋን ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ኣርኒ ዝስሙ ሓው ከምዚ በለ፦ “ወታእ ኰይነ እየ ዓብየ፡ ንኻልኦት ሰባት ክጥምት ከኣ የሸግረኒ ነይሩ። እዚ [ኣኼባ] እዚ፡ ምትእምማን ንኸጥርን ዋጋ ዘሎኒ ዀይኑ ንኺስምዓንን ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ በዚ ስልጠና እዚ ገይሩ ሳላ ዝሓገዘኒ፡ ኣተነፋፍሳይ ንኽቈጻጸርን ንኸተኵርን ዚሕግዘኒ ሜላታት ተማሂረ እየ። ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎተይን ንኣምላኽ ክውድሶ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘመስግን።”

ንእሽቶ ወዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ የቕርብ

ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት ጉባኤg

ዕላማ፦ ንሽማግለታት፡ ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ንኺዋጽኡሉን መንፈሳውነቶም ንኼደልድሉን ንምሕጋዝ።

ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ መዓልቲ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።

ምዝገባ፦ ሽማግለታት ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

ጥቕሚ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተኻየደ መበል 92 ክፍሊ እዚ ቤት ትምህርቲ ኻብ እተኻፈሉ ኣሕዋት እተዋህበ ሓሳባት ርአ፦

“እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንገዛእ ርእሰይ ንኽምርምርን ንኣባጊዕ የሆዋ ብኸመይ ክኣልየን ከም ዝኽእል ንኽግንዘብን ብምሕጋዝ፡ ኣጸቢቑ ጠቒሙኒ እዩ።”

“ነዚ ስልጠና እዚ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ክጥቀመሉ እየ።”

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ

ዕላማ፦ ንፈለምቲ፡ ‘ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሙ’ ንምሕጋዝ።—2 ጢሞ. 4:5።

ንውሓት ግዜ፦ ሽዱሽተ መዓልቲ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።

ምዝገባ፦ እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ስሩዓት ፈለምቲ ዝዀኑ ብኡብኡ ይምዝገቡ፣ ሓላው ወረዳኦም ከኣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኸም ዚካፈሉ ይሕብሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዘይተኻፈሉ ፈለምቲ፡ ከም ብሓድሽ ኪካፈሉ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።

ጥቕሚ፦ ሊሊ፡ “እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎተይን ኣብ ህይወተይን ንዜጋጥመኒ ብድሆታት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ኣስዒባ እውን፡ “እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዓሉን ዝምህረሉን ዝጥቀመሉን መገዲ ኣጸቢቑ ተመሓይሹ እዩ። ንኻልኦት ንኽሕግዝ፡ ንሽማግለታት ንኽድግፍ፡ ንዕቤት እታ ጉባኤ ኸኣ እጃመይ ንኸበርክት ብዝሓሸ መገዲ ተዳልየ እየ” ብምባል ገለጸት።

ክልተ ግዜ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተኻፈለት ብሬንዳ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ምሉእ ብምሉእ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኽውሓጥ፡ ሕልናይ ንኸሰልጥን፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ንኸተኵር ሓጊዙኒ እዩ። ብሓቂ፡ የሆዋ ለጋስ እዩ!”

ቤት ትምህርቲ ኣተውቲ ቤት-ኤል

ዕላማ፦ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ንሓደስቲ ቤት-ኤላውያን፡ ኣብ ናይ ቤት-ኤል ኣገልግሎቶም ዕዉታት ኪዀኑ ንኺሕግዞም ተባሂሉ እተዳለወ እዩ።

ንውሓት ግዜ፦ ኣብ መመዓልቲ ኣኣርባዕተ ሰዓት ዚወስድ ኣርባዕተ መዓልቲ።

ቦታ፦ ቤት-ኤል።

ምዝገባ፦ ቀወምቲ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ወይ ከኣ ንሓደ ወይ ንዝያዳ ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ንኼገልግሉ ተቐባልነት ዝረኸቡ ግዝያውያን ወለንተኛታት ብኡንብኡ ይምዝገቡ።

ጥቕሚ፦ ብ1980ታት ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተኻፈለ ዲሚትሪስ ዝስሙ ሓው ከምዚ በለ፦ “እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ነቲ ናይ መጽናዕቲ ልምድታተይ ኣመሓይሹለይ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት-ኤል ንክቕጽል ከኣ ሓጊዙኒ እዩ። እቶም መምህራንን እቲ ስርዓተ ትምህርትን እቲ ግብራዊ ምኽርን፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረንን ኣብ ናይ ቤት-ኤል ኣገልግሎተይ ንኽዕወት ከኣ ኪሕግዘኒ ኸም ዚደልን ኣእሚኑኒ እዩ።”

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽh

ዕላማ፦ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ (ሰብ ሓዳርን ንጽል ኣሕዋትን ንጽል ኣሓትን)፡ ንየሆዋን ንውድቡን ብዝበለጸ ንኼገልግሉ ዜኽእሎም ፍሉይ ስልጠና ንምሃብ። መብዛሕትኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዚርከብ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ እዮም ዚምደቡ። ትሕቲ 50 ዝዕድሚኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ግሉል ከባቢ ኸይዶም ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኺጅምሩን ኬስፋሕፍሑን፡ ግዝያውያን ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣገልግሎት

ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ቲኦክራስያዊ ስልጠና ተጠቒሞም

ምዝገባ፦ ካብ 23 ክሳዕ 65 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ዚኽእሉ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ድማ ኪብሉ ዚኽእሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ። (ኢሳ. 6:8) ኵሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚካፈሉ ንጽል ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡ እውን ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እሞ ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝጸንሑ ኪዀኑ ኣለዎም። ሰብ ሓዳር ካብ ዚምርዓዉ እንተ ወሓደ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ኪዀኑ ኣለዎም፡ እቶም ኣሕዋት እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ኪዀኑ ይግባእ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ክሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርኩም ዚግበር እንተ ዀይኑ፡ ነቶም ኪምዝገቡ ዚደልዩ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ኣኼባ ዞባ፡ ፍሉይ ኣኼባ ይግበር እዩ።

ጥቕሚ፦ እቶም ኣብቲ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን እተኻፈሉ፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ርእይቶ ሂቦም እዮም። ብ2013፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ እዚ ኽልተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኪብሃል ፈቐደ። ሕጂ፡ ብዙሓት እሙናት ፈለምቲ፡ እንተላይ ንጽል ኣሓት ካብዚ ስልጠና እዚ ኺጥቀሙ እዮም።

ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ

ዕላማ፦ እቶም ካብዚ ዚምረቑ ተመረቕቲ፡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ናብ ካልእ ከባቢ ኸይዶም ዜገልግሉ ሚስዮናውያን፡ ወይ ቤት-ኤላውያን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ስልጠናኦም ድማ፡ ምስ ኣገልግሎትን ምስ ጨንፈርን እተተሓሓዘ ኣወዳድባ ንምድልዳል ይጥቀምሉ።

ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ ወርሒ።

ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።

ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንመምህር ይሰምዕዎ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ—ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ

ምዝገባ፦ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ኰኑ ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን። ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ ኻብ ጊልዓድ ዘይተመረቑ ኣሕዋት፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ቤት-ኤላውያን፡ ወይ ሓለውቲ ወረዳ ምስ ኣንስቶም፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኼመልክቱ ብኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዕደሙ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣመልከትቲ፡ እንግሊዝኛ ዚዛረቡን ዚጽሕፉን ኪዀኑ ኣለዎም።

ጥቕሚ፦ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀኑ ኣብቲ እተመደብዎ ቦታ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገሉ ላዴን ሞኒክን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እዚ ዚስዕብ ሓሳብ ሂቦም፦

ላዴ፡ “ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ እተመደብናዮ ዘበለ ሃገር ኬድና፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና፡ ምስቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ኽንዓዪ ኣዳልዩና እዩ” በለ።

ሞኒክ ከኣ፡ “ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸለኹ፡ ኣብቲ እተመደብኩሉ ዕዮ ዝያዳ ሕጉስቲ እየ ዝኸውን። ነዚ ሓጐስ እዚ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ዚሕብር መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” በለት።

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ

ዕላማ፦ ንገየሽቲ ሓለውትን ንሽማግለታትን ንኣገልገልቲ ጉባኤን፡ ነቲ መጓሰ ምእንቲ ኺሕልዉን ውድባዊ ሓላፍነቶም ምእንቲ ኺስከሙን ንምስልጣን። (ግብ. 20:28) ኣብ ጉባኤታት እተራእየ እዋናዊ ዅነታትን ኣንፈትን ብህጹጽ ዜድሊ ነገራትን ይጽናዕ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ብመሰረት ውሳነ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ሐሒደት ዓመታት ይግበር።

ንውሓት ግዜ፦ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ንእተፈላለየ ንውሓት ግዜ እዩ ተገይሩ።

ቦታ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።

ምዝገባ፦ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብሓላው ወረዳ ይዕደሙ። ገየሽቲ ሓለውቲ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

ጥቕሚ፦ “እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሓበሬታ ዜመሓላልፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሽማግለታት ሓጐሶም ንኺዕቅቡን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ሰብኡት ንኪዀኑን’ ሓጊዝዎም እዩ። ሓደስቲ ይኹኑ ነባራት ሽማግለታት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺጓስዩን ‘ብሓደ ሓሳብ’ ተሰማሚዖም ንኺዓዩን ተማሂሮም እዮም።”—ክዊን።

“እዚ ስልጠና እዚ፡ ብሚዛናዊ መገዲ መንፈሳውነትና ንኸነደልድል ሓጊዙና፡ ካብ ሓደገኛ ዅነታት ክንሕሎ ኣጠንቂቑና፡ ከምኡ እውን ነተን መጓሰ ንኽንኣሊ ዚሕግዝ ግብራዊ ርእይቶታት ሂቡና እዩ።”—ማይክል።

ቤት ትምህርቲ ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምንi

ዕላማ፦ ገየሽቲ ሓለውቲ ንጉባኤታት ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑን ‘ብቓልን ብትምህርትን ኪጽዕሩን’ ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ኪጓስዩን ንምሕጋዝ።—1 ጢሞ. 5:17፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን።

ምዝገባ፦ ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

ጥቕሚ፦ “ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ዘለዎ ርእስነት፡ ብዝያዳ ኸም እንግንዘቦን ከም እነማስወሉን ገይሩና። ነቶም እነገልግሎም ኣሕዋት ከነተባብዖምን ንሓድነት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኸነደልድልን ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ምኽሪ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን መኣረምታ ዚህብ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ሸቶኡ ነቶም ኣሕዋት፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ምእንቲ ኺግንዘቡ ንኺሕግዞም ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ኸም ዚቕረጽ ገይሩ እዩ።”—ጆኤልን ካኒን፡ 1ይ ክፍሊ፡ 1999።

ቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣንስቶምን

ዕላማ፦ ነቶም ኣብ ኮሚተታት ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ንኣባይቲ ቤት-ኤል ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ብዝሓሸ መገዲ ኺዓይዩ፡ ንጉባኤታት ዚትንክፍ ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኬተኵሩሉ፡ ነቲ ኣብ ክሎም ዚርከብ ወረዳታት ከኣ ኪከታተልዎ ንምሕጋዝ።—ሉቃ. 12:48ለ።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።

ምዝገባ፦ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ወይ ኮሚተ ሃገር ምስ ኣንስቶም ብናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኮሚተ ኣገልግሎት ይዕደሙ።

ጥቕሚ፦ ሎወልን ካራን ኣብ መበል 25 ክፍሊ እዮም ሰልጢኖም። ሕጂ ኸኣ፡ ኣብ ናይጀርያ የገልግሉ ኣለዉ።

ሎወል፡ “ክሳዕ ክንደይ ትሑዝ እኹን ወይ እተዋህበኒ ዕዮ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ንኸሐጕሶ፡ መንፈሳውነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘኻኺረ እየ” በለ።

ካራ ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኸበቶ ጥቕሚ ዘኪራ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንሓደ ነጥቢ ብቐሊሉ ኽገልጾ እንተ ዘይክኢለ፡ ንኻልኦት ክምህር ቅድሚ ምፍታነይ፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ኸጽንዖ ኣሎኒ” በለት።

g እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ኵሉ ሃገር ኣይኰነን ዚርከብ።

h እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ኵሉ ሃገር ኣይኰነን ዚርከብ።

i እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ኵሉ ሃገር ኣይኰነን ዚርከብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ