መዝሙር 49
ልቢ የሆዋ ነሐጕስ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. ቃልና’ዩ ምምላእ ፍቓድካ፣ - ብጥበብ ምዕማም ዕዮኻ። - ሽዑ’ና ነሐጕሰካ፡ - ባህ ’ነብሎ ንልብኻ። 
- 2. እቲ ባርያኻ መጋቢ፡ - ይእውጅ ኣሎ ንህዝቢ፣ - ኣብ እዋኑ’ውን ይምግብ፡ - ከነገልግል ምኽሪ ይህብ። 
- 3. ንጡፍ ሓይልኻ ሃበና፣ - ክንሕዝ ናይ እምነት ጐደና። - ኣብ ኵሉ ኽንውድሰካ፡ - ወትሩ ኸነሐጕሰካ። 
(ማቴ. 24:45-47፣ ሉቃ. 11:13፣ 22:42 እውን ርአ።)