መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—መስከረም 2018
3-9 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 1-2
“የሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ”
(ዮሃንስ 2:1-3) ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፣ ኣደ የሱስ እውን ኣብኡ ነበረት። 2 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደሙ። 3 ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ኣደ የሱስ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ።
ክርስቶስ—ሓይሊ ኣምላኽ
የሱስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምር፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ እተገብረ መርዓ እዩ። ቍጽሪ እቶም ናብቲ መርዓ ዝመጹ ኣጋይሽ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ወይኒ ተወድአ። ሓንቲ ኻብቶም ኣጋይሽ፡ ማርያም ኣደ የሱስ እያ ነይራ። ማርያም ብዛዕባ እቲ ምስ ወዳ እተተሓሓዘ ትንቢታዊ ተስፋታት ንሓያሎ ዓመታት ተስተንትን ነይራ ክትከውን ትኽእል እያ። ከመይሲ፡ ንሱ “ወዲ እቲ ልዑል” ከም ዚብሃል ትፈልጥ ነይራ እያ። (ሉቃ. 1:30-32፣ 2:52) የሱስ ዘይተጋህደ ሓይልታት ከም ዘለዎስ፡ ማርያም ትኣምንዶ ነይራ እያ፧ ማርያምን የሱስን ኣብ ቃና፡ ነቶም ሓደስቲ መርዑ ኸም ዝደንገጹሎምን ካብ ሕፍረት ኬድሕንዎም ከም ዝደለዩን ተራእዩ እዩ። የሱስ ኣአንጋዲ ምዃን፡ ግቡእ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ 380 ሊትሮ ማይ ናብ “ጽቡቕ ወይኒ” ቐየረ። (ዮሃንስ 2:3, 6-11 ኣንብብ።) ነዚ ተኣምር እዚ ኺፍጽም ግዴታ ነይርዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ተኣምር ዝፈጸሞ ንሰባት ይሓልየሎም ስለ ዝነበረን ለጋስ ብምዃን ንሰማያዊ ኣቦኡ ኺመስሎ ስለ ዝደለየን እዩ።
(ዮሃንስ 2:4-11) የሱስ ግና፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን እንታይ የገድሰና፧ ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” በላ። 5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በለቶም። 6 ኣብኡ ድማ ከም ስርዓት ንጽህና ኣይሁድ፡ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ መስፈር ፈሳሲ ዚሕዝ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጡ ነበረ። 7 የሱስ ከኣ፡ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። 8 ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ፡ ንኣቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። 9 እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ ናብ ወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈለጠን፣ (እቶም ነቲ ማይ ዝቐድሑ ኣገልገልቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፣) ሽዑ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10 “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” በሎ። 11 የሱስ ነዚ መጀመርታ ትእምርትታቱ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፡ ክብሩ ድማ ኣግሃደ፣ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብእኡ ኣመኑ።
ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ
እዚ ኸኣ የሱስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምር እዩ ነይሩ። እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣዩ፡ እታ ኣብኡ ዝነበረቶም እምነት ደልደለት። ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ናብታ ብሰሜናዊ ምዕራብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቅፍርናሆም ኸዱ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዮሃንስ 1:1) ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ እቲ ቓል እውን ኣምላኽ ነበረ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 1:1
ቃል፦ ወይ፡ “ሎጎስ።” ብግሪኽኛ ሆ ሎጎስ። ኣብዚ ኸም መዓርግ እያ ኣትያ ዘላ፣ ኣብ ዮሃ 1:14ን ራእ 19:13ን እውን ተጠቒሳ ትርከብ እያ። ዮሃንስ እዚ መዓርግ እዚ ንየሱስ ከም ዜመልክት ገሊጹ እዩ። የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ዝነበረሉ ግዜን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋንን ናብ ሰማይ ልዕል ድሕሪ ምባሉን በዚ መዓርግ እዚ ተጸዊዑ እዩ። የሱስ ንኻልኦት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን ንደቂ ሰብን፡ ሓበሬታን መምርሕን የመሓላልፍ ብምንባሩ፡ ቃል ወይ ኣፈኛ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ የሆዋ በቲ ኣፈኛኡ መልኣኽ ዝዀነ ቓል ኣቢሉ ምስ ደቂ ሰብ ይዛራረብ ከም ዝነበረ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።—ዘፍ 16:7-11፣ 22:11፣ 31:11፣ ዘጸ 3:2-5፣ መሳ 2:1-4፣ 6:11, 12፣ 13:3።
ምስ፦ ቃ.ቃ.፡ “ናብ።” ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ ፕሮስ እትብል ናይ ግሪኽኛ መስተዋድድ፡ ንቕርበትን ንዕርክነትን ተመልክት። ብዘይካዚ፡ ንእተፈላለዩ ኣካላት ስለ እተመልክት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ቓልን እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽን በበይኖም ምዃኖም ተርኢ።
እቲ ቓል እውን ኣምላኽ ነበረ፦ ወይ፡ “መለኮታዊ ባህርይ [ወይ፡ “ኣምላኽነት”] ዘለዎ ነበረ።” እዚ ዮሃንስ ዝሃቦ ሓሳባት እዚ ንባህርይ “ቃል” (ግሪኽኛ፡ሆ ሎጎስ፣ ኣብዛ ፍቕዲ፡ “ቃል” ዚብል ነጥቢ መጽናዕቲ ርአ)፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ይገልጽ። እቲ ቓል፡ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ልዕል ዝበለ ቦታ ስለ ዘለዎ፡ “ኣምላኽ፣ ኣምላኽነት ዘለዎ፣ መለኮታዊ ባህርይ ዘለዎ” ተባሂሉ ኺግለጽ ግቡእ እዩ። ብዙሓት ተርጐምቲ፡ “እቲ ቓል እውን ኣምላኽ ነበረ” ኺብሉ ኸለዉ፡ ነቲ ቓል ማዕረ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሮም ይሓስብዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ፡ እቲ “ቓል”ን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ሕደ ማለቱ ኸም ዘይነበረ ዜእምነና እኹል ምኽንያታት ኣሎና። ቀዳማይ፡ እቲ ቕድምን ድሕርን እዛ ሓሳባት ዘሎ ሓረጋት፡ “እቲ ቓል” “ምስ ኣምላኽ” ከም ዝነበረ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ እታ ቴኦስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ኣብ ፍቕዲ 1ን 2ን ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብቲ ቐዳማይን ሳልሳይን ኣጋጣሚ፡ ቴኦስ ኣብ ግሪኽኛ ውሱን ኣመልካቲ ኣትይዋ ኣሎ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ኣጋጣሚ ግና ውሱን ኣመልካቲ ኣይኣተዋን። ብዙሓት ምሁራት፡ ቅድሚ እታ ኻልአይቲ ቴኦስ ውሱን ኣመልካቲ ዘይምህላዉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ይሰማምዑሉ እዮም። ኣብዚ ሓሳባት እዚ ኣመልካቲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ቴኦስ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እያ እተመልክት። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ኣብዚ ኣሰራርዓ ሰዋስው እዚ እታ ኣመልካቲ ዘይብላ ቴኦስ ባህርይ እያ እትገልጽ፣ ንባህርይ እቲ “ቓል ድማ ትገልጾ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብእንግሊዝኛን ብፈረንሳይኛን ብጀርመንኛን እተዳለወ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓሳባት ምስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዚመሳሰል መገዲ፡ “እቲ ቓል፡” “ኣምላኽ፣ ኣምላኽነት ዘለዎ፣ መለኮታዊ ባህርይ ዘለዎ” ኸም ዝነበረ ብዜመሓላልፍ ሓሳባት ተርጒምዎ ኣሎ። እቲ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ዘመን ድ.ክ. ተዳልዩ ኪኸውን ዚኽእል ናብቲ ላህጃታት ቋንቋ ቁብጥኛ ዝዀነ ላህጃ ሳሂዳውያንን ላህጃ ቦሃይራውያንን እተተርጐመ ወንጌል ዮሃንስ፡ ነታ ኣብ ዮሃ 1:1 ዘላ ቴኦስ፡ ኣብቲ ቐዳማይ ኣጋጣምን ኣብቲ ኻልኣይ ኣጋጣምን ብእተፈላለየ መገዲ ተርጒምዋ ምህላዉ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ዚድግፍ እዩ። እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ ባህርይ እቲ “ቓል” ከም ናይ ኣምላኽ ምንባሩ፡ ማለት ተፈጥሮኡ ኸም ኣምላኽ ዝኣመሰለ ምንባሩ ዜጕልሕ ደኣ እምበር፡ ነቲ “ቓል” ማዕረ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ ኣቦኡ ዚገብሮ ኣይኰነን። ምስ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ብምስምማዕ፡ ቈሎ 2:9 ንክርስቶስ “ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ” ከም ዘለዎ ገይራ ትገልጾ እያ። ብመሰረት 2ጴጥ 1:4 ድማ፡ እቶም መዋርስቲ ክርስቶስ ዝዀኑ እውን ከይተረፉ፡ “ተኻፈልቲ እቲ መለኮታዊ ባህርይ” ይዀኑ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ እታ ቴኦስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ምስታ “ሓያል፣ ብርቱዕ” ዝትርጉማ “ኣምላኽ” ተባሂላ እትትርጐም ኤል ወይ ኤሎሂም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እትመዓራረ እያ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ንኻልኦት ኣማልኽትን ንሰባትን ንምምልካት ተዓይዩለን ኣሎ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 10:34 ርአ።) ነቲ ቓል፡ “ኣምላኽ፡” ወይ “ብርቱዕ” ኢልካ ምጽዋዑ፡ ምስቲ እቲ መሲሕ “ብርቱዕ ኣምላኽ፡” (“ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኣይኰነን) ከም ዚብሃልን ንዅሎም እቶም ተገዛእቱ ናይ ምዃን መሰል ዚረኽቡ “ኣቦ ዘለኣለም” ከም ዚዀኖምን ዚገልጽ ኣብ ኢሳ 9:6 ዚርከብ ትንቢት ዚሰማማዕ እዩ። ቅንኣት ኣቦኡ፡ ማለት ቅንኣት “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ነዚ ኺገብሮ እዩ።—ኢሳ 9:7።
(ዮሃንስ 1:29) ንጽብሒቱ፡ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ!
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 1:29
ገንሸል ኣምላኽ፦ የሱስ ምስ ተጠምቀን ብድያብሎስ ካብ ምፍታን ምስ ተመልሰን፡ ዮሃንስ መጥምቕ “ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣን ኣብ ዮሃ 1:36ን ጥራይ እያ እትርከብ። (ኣብ መ.ጽ. ሀ7 ርአ) የሱስ ምስ ገንሸል ተነጻጺሩ ምህላዉ ግቡእ እዩ። ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕድገት ሓጢኣትን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ኣባጊዕ ከም መስዋእቲ ይቐርባ ነይረን እየን። እዚ ኸኣ ጽላሎት እቲ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ምእንቲ ደቂ ሰብ ብምሕላፍ ዘቕረቦ መስዋእቲ እዩ ነይሩ። እታ “ገንሸል ኣምላኽ” እትብል ሓረግ፡ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ንዚርከብ ሓሳባት ተንጸባርቕ እያ። ዮሃንስ መጥምቕ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ እተን እተጠቕመለን ቃላት ንገለ ኻብዚ ዚስዕብ ዚእምት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ እቲ ኣብርሃም ኣብ ክንዲ ወዱ ይስሃቅ ዝሰውኦ ድዑል (ዘፍ 22:13)፡ እቲ ንድሕነት እቶም ኣብ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን እተሓርደ ገንሸል ፋስጋ (ዘጸ 12:1-13)፡ ወይ ድማ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ መሰውኢ ኣምላኽ ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን ዚስዋእ ዝነበረ ገንሸል (ዘጸ 29:38-42)። ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢት እውን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብኡ እቲ የሆዋ “ጊልያይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ፡ ‘ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ኸም ዚውሰድ’ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ 52:13፣ 53:5, 7, 11) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ንየሱስ “ገንሸል ፋስጋና” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (1ቈረ 5:7) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እቲ፡ “ከም ናይ ኣበርን ርስሓትን ዘይብሉ ገንሸል ዝዀነ ኽቡር ደም ክርስቶስ” ተዛሪቡ እዩ። (1ጴጥ 1:19) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ድማ ልዕሊ 25 ሳዕ፡ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ብምሳልያዊ መገዲ “ገንሸል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ገለ ኣብነታት፦ ራእ 5:8፣ 6:1፣ 7:9፣ 12:11፣ 13:8፣ 14:1፣ 15:3፣ 17:14፣ 19:7፣ 21:9፣ 22:1።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዮሃንስ 1:1-18) ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ እቲ ቓል እውን ኣምላኽ ነበረ። 2 እዚ ብመጀመርታ ምስ ኣምላኽ ነበረ። 3 ኵሉ ብእኡ ዀነ፣ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን። 4 ህይወት ብእኡ ዀነት፣ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5 ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ ኣሎ፣ ጸልማት ግና ኣይሰዓሮን። 6 ሓደ ሰብ፡ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ ተላኢኹ መጸ፣ ስሙ ዮሃንስ ይብሃል። 7 ኵሎም ዓይነት ሰባት ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ንሱ ብዛዕባ ብርሃን ምእንቲ ኺምስክር፡ ምስክር ኰይኑ መጸ። 8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9 እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ዜብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን ናብ ዓለም ኪመጽእ ቀሪቡ ነበረ። 10 ኣብ ዓለም ነበረ፣ ዓለም እውን ብእኡ ዀነት፣ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። 11 ናብቶም ናቱ መጸ፣ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። 12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ግና፡ ብስሙ ስለ ዚኣምኑ፡ ውሉዳት ኣምላኽ ኪዀኑ ስልጣን ሃቦም። 13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ እተወልዱ ኣይኰኑን። 14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ኣብ መንጎና እውን ነበረ፣ ክብሩ ድማ ከምቲ ንኣቦኡ ሓደ ዝዀነ ወዲ ዚረኽቦ ኽብሪ ረኣና፣ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ነበረ። 15 (ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፣ እወ፡ “እቲ ብዛዕባኡ፡ ‘እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ቅድመይ ስለ ዝነበረ፡ ቀደመኒ’ ዝበልኩሉ ንሱ እዩ” በለ።) 16 ኵላትና ኻብ ምልኣቱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 17 ምኽንያቱ፡ ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ፣ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። 18 ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣ እቲ ኣብ ጐድኒ ኣቦ ዘሎ ሓደ ውሉድ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ንሱ ገለጾ።
10-16 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 3-4
“የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መስከረላ”
(ዮሃንስ 4:6, 7) ኣብኣ ድማ ዒላ ያእቆብ ነበረት። የሱስ ከኣ ብጕዕዞ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 7 ሓንቲ ኻብ ሰማርያ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ “ኣስትይኒ” በላ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 4:6
ደኺሙ፦ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሱስ “ደኺሙ” እተባህለሉ እንኮ ኣጋጣሚ ኣብዚ ጥራይ እዩ። ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ንግሆ እቲኣ የሱስ ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዚርከብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ክሳዕ እታ 900 ሜተር ወይ ልዕሊኡ ዚኸውን ብራኸ ዝነበራ ኣብ ሰማርያ እትርከብ ሲካር ተጓዒዙ ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃ 4:3-5፣ መ.ጽ. ሀ7 ርአ።
(ዮሃንስ 4:21-24) የሱስ ድማ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይስ ኣብ የሩሳሌም ንኣቦ ዘይተምልኹላ ሰዓት ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እተምልኹ፣ ንሕና ግና፡ ድሕነት ካብ ኣይሁድ ስለ ዝዀነ፡ ንእንፈልጦ ኢና እነምልኽ። 23 ግናኸ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ። 24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” በላ።
(ዮሃንስ 4:39-41) ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ “ዝገበርክዎ ዅሉ ነጊሩኒ” ኢላ ዝመስከረቶ ቓል ድማ፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 40 እቶም ሳምራውያን ከኣ ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ፣ ንሱ ድማ ኣብኡ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ። 41 ብዙሓት ተወሰኽቲ ኸኣ ስለቲ ዝበሎ ኣመኑ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዮሃንስ 3:29) እቲ መርዓት ዘላቶ፡ መርዓዊ እዩ። ዓርኪ መርዓዊ ግና ደው ኢሉ ንዕኡ ምስ ዚሰምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ኰይኑ ኣሎ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 3:29
ዓርኪ መርዓዊ፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ቀረባ ዓርኩ ንመርዓዊ፡ ሕጋዊ ተወካሊ መርዓዊ እዩ ነይሩ፣ ንመርዓ ኣብ ዚግበር ምድላዋት ከኣ ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ። ንመርዓውን ንመርዓትን ዘራኸበ ኸም ዝዀነ ጌርካ እውን ይርአ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ መርዓ፡ እታ መርዓት ተዓጂባ ናብቲ መርዓ ዚግበረሉ ቦታ፡ ማለት ናብ ቤት እቲ መርዓዊ ወይ ናብ ቤት ኣቦኡ ትኸይድ ነይራ። ኣብቲ መርዓ፡ እቲ መርዓዊ ምስ መርዓቱ ኼዕልል ከሎ፡ እቲ ዓርኪ መርዓዊ ዕዮኡ ብዚግባእ ዝፈጸመ ዀይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ይሕጐስ እዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ “ዓርኪ መርዓዊ” ኣመሳሲልዋ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ እቲ መርዓዊ ኪኸውን ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ እቶም ነታ ምሳልያዊት መርዓቱ ዜቝሙ ጕጅለ እዮም። ዮሃንስ መጥምቕ ንመሲሕ መገዲ ኺጸርግ ከሎ፡ ንቐዳሞት ኣባላት እታ “መርዓት” ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣራኺብዎም እዩ። (ዮሃ 1:29, 35፣ 2ቈረ 11:2፣ ኤፌ 5:22-27፣ ራእ 21:2, 9) “ዓርኪ መርዓዊ” ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኸም ዝላለዩ ብምግባር ሸቶኡ ይወቅዕ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪኡ ግና ደጊም ኣውራ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ ዮሃንስ ንርእሱ ምስ የሱስ ብምንጽጻር፡ “ንሱ ኺውስኽ፡ ኣነ ግና ክንኪ ኣሎኒ” ኢሉ እዩ።—ዮሃ 3:30።
(ዮሃንስ 4:10) የሱስ ድማ፡ “ናጻ ውህበት ኣምላኽን እቲ ‘ኣስትይኒ’ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 4:10
ማይ ህይወት፦ እዛ ናይ ግሪኽኛ ሓረግ እዚኣ፡ ንዚውሕዝ ማይ፡ ንዓይኒ ማይ፡ ወይ ካብ ዓይኒ ማያት ንዚፍልፍል ጽሩይ ማይ ንምምልካት ቃል ብቓሉ እያ ኣትያ ዘላ። እዚ ኻብቲ ኣብ መዕቘር ማይ ዘሎ ዕቋር ማይ እተፈልየ እዩ። እታ ኣብ ዘሌ 14:5፡ “ፈልፋሊ ማይ” እተተርጐመት ሓረግ፡ ቃሉ ብቓሉ “ህያው ማይ” እያ። ኣብ ኤር 2:13ን 17:13ን፡ የሆዋ “ምንጪ [ወይ፡ “ዓይኒ”] ህያው ማይ፡” ማለት ምንጪ ህይወት ዚህብ ምሳልያዊ ማይ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ፡ ነታ “ማይ ህይወት” እትብል ሓረግ ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ተጠቒሙላ፣ ንሳ ግና ኣብ ፈለማ ቓል ብቓሉ ዝወሰደቶ እያ እትመስል።—ዮሃ 4:11፣ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 4:14 ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዮሃንስ 4:1-15) ጐይታ ኸኣ፡ ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ይገብርን የጥምቕን ከም ዝነበረ ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡— 2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፡— 3 ንይሁዳ ሓዲጉ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ገሊላ ኸደ። 4 ብሰማርያ ኺሓልፍ ከኣ ነበሮ። 5 ስለዚ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዝሃቦ ግራት ዘላ ሲካር እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6 ኣብኣ ድማ ዒላ ያእቆብ ነበረት። የሱስ ከኣ ብጕዕዞ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 7 ሓንቲ ኻብ ሰማርያ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ “ኣስትይኒ” በላ። 8 (ከመይሲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።) 9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኽትሰቲ ትልምን ኣለኻ፧” በለቶ። 10 የሱስ ድማ፡ “ናጻ ውህበት ኣምላኽን እቲ ‘ኣስትይኒ’ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። 11 ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ መገለል የብልካን፡ እዛ ዒላ ኸኣ ዓማቝ እያ። እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ኢኻ እትረኽቦ፧ 12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዛ ዒላ እዚኣ ዝሃበና፡ ንሱ እውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኣ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ። 13 የሱስ ድማ፡ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዅሉ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14 ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ይኸውን እምበር፡ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” ኢሉ መለሰላ። 15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ፡ ክቐድሕ ኢለ ናብዚ ኸይመላለስሲ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ” በለቶ።
17-23 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 5-6
“ብቕኑዕ ድራኸ ንየሱስ ሰዓቦ”
(ዮሃንስ 6:9-11) “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ “ኣቐምጥዎም” በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። እቶም ቍጽሮም ኣስታት 5,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ድማ ተቐመጡ። 11 የሱስ ድማ ነተን ጎጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ነቶም እተቐመጡ ዓደሎም፣ ካብቲ ንኣሽቱ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ኸከም ዝደለይዎ መቐሎም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:10
እቶም ቍጽሮም ኣስታት 5,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ድማ ተቐመጡ፦ ነዚ ተኣምር እዚ ኺምዝግብ ከሎ፡ “ኣንስትን ቈልዑን” እውን ከም ዝነበሩ ዝጸሓፈ ማቴዎስ ጥራይ እዩ። (ማቴ 14:21) ጠቕላላ ድምር እቶም ብተኣምራዊ መገዲ እተመገቡ ሰባት ካብ 15,000 ዚዛይድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
(ዮሃንስ 6:14) እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ” በሉ።
(ዮሃንስ 6:24) ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣዩ፡ ናብ ጃለቡኦም ደዪቦም፡ ንየሱስ ኪደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:14
ነብዪ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ እቲ ኣብ ዘዳ 18:15, 18 እተጠቕሰ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዪ፡ እቲ መሲሕ ኪኸውን ይጽበዩ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ዚብል ሓረግ፡ ነቲ ትጽቢት እተገብረሉ ምግሃድ እቲ መሲሕ ዜመልክት እዩ ዚመስል። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ንእተጠቕሰ ፍጻመታት ዝመዝገበ ዮሃንስ ጥራይ እዩ።
(ዮሃንስ 6:25-27) ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መምህር፡ መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” በልዎ። 26 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እትደልዩኒ ዘለኹምሲ፡ ካብቲ ጎጎታት ስለ ዝበላዕኩምን ስለ ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ትእምርትታት ስለ ዝረኣኹም ኣይኰንኩምን። 27 ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ፣ ከመይሲ፡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ዘለዎ ስምረት ንምግላጽ ሓቲምዎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
(ዮሃንስ 6:54) ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ፣
(ዮሃንስ 6:60) ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ።
(ዮሃንስ 6:66-69) ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ፡ ደጊም እውን ምስኡ ኣይተመላለሱን። 67 ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 68 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ 69 ንስኻ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:27, 54
ዚበላሾ ምግቢ . . . ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ፦ የሱስ፡ ገሊኦም ሰባት ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ ጥራይ ኢሎም ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ይሓብሩ ኸም ዝነበሩ ተረዲኡ ነይሩ እዩ። ስጋዊ ምግቢ ንሰባት በብመዓልቱ ይዕንግሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ “ምግቢ” ግና ንሰባት ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብሩ የኽእሎም እዩ። የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ “ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ” ኺዓይዩ፡ ማለት ብመንፈስ ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእን ኣብቲ እተማህርዎ ነገራት እምነት ንምሕዳርን ኪጽዕሩ ተማሕጺንዎም እዩ።—ማቴ 4:4፣ 5:3፣ ዮሃ 6:28-39።
ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፦ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ዚበልዑን ዚሰትዩን፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዮም ብምሳልያዊ መገዲ ኸምኡ ዚገብሩ። (ዮሃ 6:35, 40) የሱስ ነዚ ኣብ 32 ድ.ክ. እዩ ተዛሪብዎ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዓመት ጸኒሑ ዘቘሞ ድራር ጐይታ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ነዚ ቐቅድሚ “ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ” ስለ እተዛረቦ፡ (ዮሃ 6:4) ሰማዕቱ ብዛዕባ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ በዓል፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጸላ ምሸት ደም ገንሸል ህይወት ንምድሓን ዝነበሮ ኣገዳስነት ተዘኻኺሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም (ዘጸ 12:24-27)። የሱስ፡ ደሙ እውን ብተመሳሳሊ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ።
ብስም የሆዋ ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና
ይኹን እምበር፡ እቶም ሰባት ንየሱስ ሰዓብዎ፡ ከምቲ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ ድማ “ኣብ ስግር ባሕሪ” ረኸብዎ። ከየንግስዎ ኣብይዎም ክነሱ ስለምንታይ እዮም ስዒቦምዎ፧ መብዛሕትኦም ነቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝገበረሎም ስጋዊ ነገራት ብምጥቃሶም፡ ከይተፈለጦም ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዝነበሮም ኣግሃዱ። እዚ ኸኣ የሱስ ብቐጻሊ ስጋዊ ነገራት ኬማልኣሎም እዮም ዚደልዩ ነይሮም ማለት እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ግጉይ ድራኸኦም ፈለጦ፡ ነተሓሳስባኦም ኬዕሪ ዚኽእል መንፈሳዊ ሓቅታት ኪምህሮም ጀመረ። (ዮሃንስ 6:17, 24, 25, 30, 31, 35-40) ገሊኣቶም ኣዕዘምዘሙ፡ ብፍላይ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኼተንስኦ እየ” ኢሉ ምስ ተዛረቦም ከኣ ኣይተሓጐሱን።—ዮሃንስ 6:53, 54።
ምስላታት የሱስ፡ ሰባት ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ዚደልዩ ምዃኖም ወይ ዘይምዃኖም ንኼርእዩ ዜለዓዕሎም እዩ ነይሩ። እዚ ምስላ እዚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። ሓያል ስምዒታት ከም ዚገልጹ ድማ ገበሮም። ብዛዕባ እቲ ድሕርዚ ዝዀነ ነገር ከምዚ ዚስዕብ ነንብብ፦ “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፤ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።” የሱስ መንፈሳዊ ትርጕሙ ኺርድእዎ ኸም ዘለዎም ገለጸሎም። “መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን” በሎም። ብዙሓት ግን ኣይሰምዕዎን፡ እቲ ጸብጻብ እውን ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።”—ዮሃንስ 6:60, 63, 66።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዮሃንስ 6:44) እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፣ ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:44
ዚስሕቦ፦ እዛ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ ምስ ምስሓብ መርበብ ዓሳ ብዚተሓሓዝ ተዓይዩላ እኳ እንተሎ (ዮሃ 21:6, 11)፡ ኣምላኽ ንሰባት ብዘይፍቓዶም ከም ዚስሕቦም እተመልክት ኣይኰነትን። እዛ ግሲ እዚኣ፡ “ዚማርኽ” ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ፣ እቲ የሱስ ዝሃቦ ሓሳባት ነቲ ኣብ ኤር 31:3 ዚርከብ፡ “በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ [ሰሓብኩኺ]” ዚብል የሆዋ ነቶም ጥንታውያን ህዝቡ ዝበሎ ቓላት ዚእምት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኣብዛ ጥቕሲ ነዛ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ እዩ ተጠቒሙ።) ዮሃ 12:32 እውን ነዚ ትርጉም እዚ ብዜርኢ መገዲ፡ የሱስ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናብኡ ኸም ዚስሕቦ ትገልጽ እያ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዝሃቦም ይገልጽ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ወይ ከየገልግሎ ኺመርጽ ይኽእል እዩ። (ዘዳ 30:19, 20) ኣምላኽ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሕቦም እዩ። (መዝ 11:5፣ ምሳ 21:2፣ ግብ 13:48) የሆዋ ነዚ ብመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብመንፈሱን ኣቢሉ እዩ ዝገብሮ። እቲ ኣብ ዮሃ 6:45 ዚርከብ ካብቲ ኣብ ኢሳ 54:13 ዘሎ ትንቢት እተወስደ ሓሳባት፡ ኣብቶም ብኣቦ እተሳሕቡ ሰባት ዚውዕል እዩ።—ምስ ዮሃ 6:65 ኣነጻጽር።
(ዮሃንስ 6:64) ገለ ኻባኻትኩም ግና ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ምኽንያቱ፡ የሱስ፡ እቶም ዘይኣምኑ መን ምዃኖም፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ እውን መን ምዃኑ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ፈሊጡ ነበረ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:64
እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ እውን መን ምዃኑ . . . ፈሊጡ ነበረ፦ የሱስ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ቅድሚ ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ሓዲሩ እዩ። (ሉቃ 6:12-16) ስለዚ፡ ይሁዳ ኣብ ፈለማ ንኣምላኽ እሙን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ካብ ትንቢታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ 41:9፣ 109:8፣ ዮሃ 13:18, 19) ይሁዳ እኩይ እናዀነ ኪኸይድ ምስ ጀመረ፡ እቲ ልብን ሓሳብን ኬንብብ ዚኽእል የሱስ፡ ይሁዳ ይቕየር ከም ዝነበረ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። (ማቴ 9:4) ኣምላኽ በቲ ኣቐዲሙ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ገይሩ፡ ሓደ እሙን ዝነበረ ብጻይ የሱስ ከም ዚኸድዕ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንውድቀት ይሁዳ ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰኖ ምሕሳብ ግና፡ ምስ ባህርያት ኣምላኽን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝወሰዶ ስጕምትታትን ይጋጮ እዩ።
ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፦ እዚ መግለጺ እዚ ንልደት ይሁዳ ወይ ነቲ የሱስ ምልእቲ ለይቲ ኺጽሊ ሓዲሩ ንይሁዳ ሃዋርያ ኪኸውን ዝመረጸሉ እዋን ዜመልክት ኣይኰነን። (ሉቃ 6:12-16) የግዳስ፡ ነቲ ይሁዳ ጥልመት ኬማዕብል ዝጀመረሉ እዋን ዜመልክት እዩ፣ የሱስ ነዚ ብኡብኡ እዩ ኣስተውዒሉሉ። (ዮሃ 2:24, 25፣ ራእ 1:1፣ 2:23፣ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:70፣ 13:11 ርአ።) እዚ ኸኣ፡ እቲ ይሁዳ ዝገበሮ ነገራት ደይ መደይ ኢሉን ብመደብን ዝገበሮ ደኣ እምበር፡ ልቡ ብሃንደበት ስለ እተለወጠ ዝገበሮ ኸም ዘይኰነ የርኢ። ትርጉም እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እትርከብ “መጀመርታ” (ግሪኽኛ፡ ኣርኬ) እትብል ቃል፡ ከከም ኣሰዃዅዓዓ ትቀያየር እያ። ንኣብነት፡ እታ ኣብ 2ጴጥ 3:4 እትርከብ “መጀመርታ” እትብል ቃል ንመጀመርታ ፍጥረት እያ እተመልክት። መብዛሕትኡ ግዜ ግና ንእተወሰነ ግዜ እያ እተመልክት። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምቲ መጀመርታ ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶም [ኣብ ኣህዛብ] እውን ወሪዱ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ግብ 11:15) ጴጥሮስ ብዛዕባ ልደቱ ወይ ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ዀይኑ እተመርጸሉ እዋን ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንፍሉይ ዕላማ ኺወርድ ‘ዝጀመረሉ’ እዋን፡ ማለት ብዛዕባ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ ናይ 33 ድ.ክ. እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ግብ 2:1-4) እዛ ቓል እዚኣ ኸከም ኣሰዃዅዓ ትርጉማ ኸም ዚቀያየር ዜርኢ ኻልእ ኣብነታት ኣብ ሉቃ 1:2፣ ዮሃ 15:27፣ 1ዮሃ 2:7 ኺርከብ ይከኣል እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዮሃንስ 6:41-59) ሽዑ፡ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ” ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ኣጕረምረሙሉ። 42 “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ፡ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል ኣሎ፧” በሉ። 43 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። 44 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፣ ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 45 ኣብ ነብያት፡ ‘ኵላቶም ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰምዐን እተማህረን ዘበለ፡ ናባይ ይመጽእ። 46 ብዘይካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንኣቦ ዝረኣዮ የልቦን፣ ንሱ ንኣቦ ርእይዎ እዩ። 47 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። 48 “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። 49 ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም፣ ግናኸ ሞይቶም እዮም። 50 ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፣ እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።” 52 ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዝስ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኽእል፧” ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53 የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን። 54 ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ፣ 55 ስጋይሲ ናይ ሓቂ ምግቢ እዩ፡ ደመይ ከኣ ናይ ሓቂ መስተ እዩ። 56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ ምሳይ ሓድነት ይህልዎ፣ ኣነ እውን ምስኡ ሓድነት ይህልወኒ። 57 ከምቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ እሞ፡ ኣነ ሳላ ኣቦ ብህይወት ዝነብር ዘለኹ፡ እቲ ዚበልዓኒ እውን ሳላይ ብህይወት ኪነብር እዩ። 58 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ፡ ግናኸ ዝሞቱ ኣይኰነን። እቲ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።” 59 ኣብ ቅፍርናሆም፡ ኣብ ምኵራብ ኪምህር ከሎ እዩ እዚ ዝበለ።
24-30 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 7-8
“የሱስ ንኣቦኡ ኣኽቢርዎ”
(ዮሃንስ 7:15-18) ስለዚ፡ ኣይሁድ፡ “እዝስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኸይተማህረ፡ ከመይ ገይሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ፧” ኢሎም ተገረሙ። 16 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። 17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እዛረብ እንተ ኣልየ፡ ኪፈልጥ እዩ። 18 እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ፡ ክብሪ ርእሱ እዩ ዚደሊ፣ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ዓመጻ የልቦን።
“ጽሑፍ እዩ”
የሱስ ንሰባት መልእኽቱ ኻበይ ከም ዝመጸ ኺፈልጡ ይደልዮም ነበረ። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 8:28) ብዘይካዚ፡ “እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ” እውን ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:10) ሓደ ኻብቲ የሱስ ነዚ እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ምዃኑ ዘርኣየሉ መገዲ፡ ካብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ደጋጊሙ ብምጥቃስ እዩ።
ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ጽሑፍ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ቓላት ተጠንቂቕና ምስ እነጽንዖ፡ ካብ ልዕሊ ፍርቂ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኸም ዝጠቐሰ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ፈለማ፡ እዚ ብዙሕ ዜደንቕ ኣይመስለካን ይኸውን። ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምምሃሩን ምስባኹን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ዅሉ መንፈስ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ስለምንታይ ከም ዘይጠቐሰ ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግን ከምኡ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ የሱስ እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት ሒደት ክፋል ጥራይ ከም እተጻሕፈ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 21:25) ንዅሉ እቲ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ቓላት የሱስ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ኣብ እትዛረቦ ዘረባ፡ ካብ ልዕሊ ፍርቂ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽትጠቅስ ብዛዕባ ምኽኣል እሞ ሕሰብ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ንየሱስ ጥቕላላት ኣይነበሮን። ነቲ ውሩይ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኬቕርብ ከሎ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ሓያሎ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ፣ ነዚ ዅሉ ድማ ካብ ተዘክሮኡ እዩ ጠቒስዎ!
(ዮሃንስ 7:28, 29) የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ኸኣ፡ ዓው ኢሉ፡ “ንዓይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይ እውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፣ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ናይ ሓቂ እዩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። 29 ኣነ ናቱ ወኪል ስለ ዝዀንኩ፡ ንሱ እውን ስለ ዝለኣኸኒ፡ እፈልጦ እየ” በለ።
(ዮሃንስ 8:29) እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በለ።
መንፈስ ኣምላኽ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይትቀበል
ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተኣዘዞ። የሱስ ወትሩ ንኣቦኡ ዜሕጕስ ነገር ይገብር ነበረ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ካብቲ ኣቦኡ ዚደልዮ ብእተፈልየ መገዲ ኺሕዞ ደልዩ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብምትእምማን ንኣቦኡ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” በሎ። (ሉቃ. 22:42) ንስኻ እውን ንርእስኻ፡ ‘ተኣዛዝነት ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ እእዘዞ ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። ንኣምላኽ እነርእዮ ተኣዛዝነት፡ ንህይወት ኣገዳሲ እዩ። ከም ፈጣሪናን ምንጪ ህይወትናን መጠን፡ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ይግብኣና እዩ። (መዝ. 95:6, 7) ተኣዛዝነት መተካእታ የብሉን። እዙዛት እንተ ዘይኴንና፡ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዮሃንስ 7:8-10) ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፣ ኣነስ ግዜይ ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ናብዚ በዓል እዚ ገና ኣይድይብን እየ” በሎም። 9 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣብ ገሊላ ጸንሐ። 10 ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ ግና፡ ሽዑ ንሱ እውን ብግህዶ ዘይኰነስ፡ ብሕቡእ ደየበ።
ስለምንታይ ሓቀኛ ትኸውን፧
የሱስ ክርስቶስ በዚ መዳይ እዚ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈልና፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስቶም ብዛዕባ ጕዕዞኡ ተገዳስነት ዘሕደሩ ዘይኣመንቲ ሰባት ይዘራረብ ነበረ። ንሳቶም “ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በልዎ። የሱስ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ “ንስኻትኩም ደኣ [ናብ የሩሳሌም] ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ።” ብድሕርዚ ግን ነዊሕ ከይጸንሕ የሱስ ናብቲ በዓል ናብ የሩሳሌም ደየበ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ኸምኡ ኢሉ መሊሱ፧ ንሱ ኣበይ ከም ዚህሉ ዚገልጽ ዝርዝር ነገራት ኪፈልጡ ኣይምልከቶምን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዋላኳ የሱስ ሓቂ ዘይኰነ ነገር እንተ ዘይተዛረበ፡ ነቲ ኣብኡን ኣብ ሰዓብቱን ኬውርዱሎም ዚኽእሉ ጕድኣት ንምድራት ኢሉ ግን ዘይተማልአ መልሲ ሃቦም። እዚ ሓሶት ኣይነበረን፣ ከመይሲ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክርስቶስ “ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ” ብምባል ጽሒፉ እዩ።—ዮሃንስ 7:1-13፣ 1 ጴጥሮስ 2:22።
(ዮሃንስ 8:58) የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ኣነ ኣለኹ” በሎም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 8:58
ኣነ ኣለኹ፦ የሱስ ከምቲ እቶም ተጻረርቱ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝበልዎ፡ ‘ገና 50 ዓመት እኳ ዘይገበረ’ ኽነሱ፡ ‘ንኣብርሃም ከም ዝረኣዮ’ ብምዝራቡ፡ ተጻረርቱ እምኒ ኺድርብዩሉ ደለዩ። (ዮሃ 8:57) የሱስ ከኣ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህልውና፡ ኣብርሃም ገና ኸይተወልደ ኸሎ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ነገሮም። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሱስ ምስ ኣምላኽ ሕደ ምዃኑ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ይዛረቡ እዮም። እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ ኢጎኤሚ እትብል (ኣብ ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱሳት “ኣነ እየ” እተተርጐመት) ናይ ግሪኽኛ ሓረግ፡ ነቲ ብትርጉም ሰብዓ ሊቃናት እተተርጐመ ኣብ ዘጸ 3:14 ዚርከብ ሓሳባት ዚእምት ከም ዝዀነን ክልቲአን ፍቕድታት ብሕደ መገዲ ኺትርጐማ ኸም ዘለወንን ይከራኸሩ እዮም። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 4:26 ርአ።) ኣብዚ ሓሳባት እዚ ግና እቲ በታ ኤሚ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ ተገሊጹ ዘሎ ተግባር፡ “ኣብርሃም ከይተወልደ” ዝጀመረን ገና ዚቕጽል ዝነበረን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ክንዲ “ኣነ እየ” ብዚብል ሓረግ፡ “ኣነ ኣለኹ” ብዚብል ተተርጒሙ ዘሎ፣ ሓያሎ ጥንታውን ዘመናውን ትርጉማት እውን ምስ “ኣነ ኣለኹ” ዚመሳሳል ቃላት ይጥቀም እዩ። እታ ኤሚ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ ኣብታ፡ “ፊልጶስ፡ ክንድዚ ዚኣክል ግዜ ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧” እትብል ዮሃ 14:9 እውን በዚ መገዲ እዚ እያ ተተርጒማ ዘላ። መብዛሕትኡ ትርጉማት ምስዚ ዚመሳሳል ቃላት ዚጥቀም ምዃኑ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ ኤሚ “ኣለኹ(ከለኹ)” ተባሂላ ዘይትትርጐመሉ ቕቡል ሰዋስዋዊ ምኽንያት ከም ዘየልቦ የርኢ። (ብህሉው እዋን ዝቘመ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ብፍጹም ህሉው እዋን እተተርጐመሉ ኻልእ ኣብነታት ኣብ ሉቃ 2:48፣ 13:7፣ 15:29፣ ዮሃ 1:9፣ 5:6፣ 15:27፣ ግብ 15:21፣ 2ቈረ 12:19፣ 1ዮሃ 3:8 ይርከብ እዩ።) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 8:54, 55 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ፡ ንሱን ኣቦኡን ሕደ ኣካል ከም ዝዀኑ ገይሩ ይገልጽ ከም ዘይነበረ የርኢ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዮሃንስ 8:31-47) የሱስ ከኣ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ 32 ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። 33 ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፣ ንሓደ እኳ ባሮት ኴንና ኣይተገዛእናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’ እትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። 35 ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንሓዋሩ ኣይነብርን እዩ፣ ወዲ ግና ንሓዋሩ ይነብር እዩ። 36 ስለዚ፡ ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37 ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ። ቃለይ ስለ ዘይተቐበልኩም ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። 38 ኣነ ነቲ ምስ ኣቦይ ከለኹ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፣ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኻብ ኣቦኹም ዝሰማዕኩምዎ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም። 39 ንሳቶም ድማ፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ “ውሉዳት ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40 ሕጂ ግና ንዓይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41 ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፣ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” በልዎ። 42 የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን። 43 ስለምንታይ ኢኹም ዝዛረቦ ዘለኹ ዘይትርድኡ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይትኽእሉ ኢኹም። 44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ እውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። 45 ኣነ ሓቂ ስለ ዝነግር ግና፡ ኣይትኣምኑንን። 46 ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰንኩም፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።”