ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 4 ገጽ 7
  • ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውጽኢታዊ መእተዊ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 4 ገጽ 7

መጽናዕቲ 4

ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ማቴዎስ 22:41-45

ጽማቝ ሓሳባት፦ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ንኣእምሮ ሰማዕትኻ ኣዳልዎ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ስለምንታይ ነታ ጥቕሲ ተንብብ ከም ዘለኻ ሕሰብ። ዝዀነ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ሰማዕትኻ ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብታ ጥቕሲ እተጕልሖ ዘለኻ ቐንዲ ነጥቢ ኸም ዚገብሩ ጌርካ ኣላሊ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    እታ ጥቕሲ እተሰዅዓትሉ ኸባቢ ኣብ ግምት ኣእቱ። ንሓደ ጥቕሲ መን ከም እተዛረቦን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትርከብ ሓንቲ መጽሓፍ መን ከም ዝጸሓፋን ብልክዕ ግለጽ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለዎ ስልጣን ጥቐሶ። ብኣምላኽ ንዚኣምኑ ሰባት ክትዛረብ ከለኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጠቒስካ ተዛረብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ምንጪ ጥበብ ምዃኑ ኽትሕብር ኢኻ።

  • ኣብቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዜሕድሩ ግበር። እቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሶ ሕቶ ሕተት፡ እቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፈትሖ ጸገም ጥቐስ፡ ወይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዛንታ ዚገልጾ መሰረታዊ ስርዓት ግለጽ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ወይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቱ። ንፍሉጥ ጥቕሲ እውን እንተ ዀነ፡ ብማራኺ መገዲ ኣላልዮ፣ ንሰማዕትኻ ድማ ብሓድሽ መገዲ ኺርእይዎ ሓግዞም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ