ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 6 ገጽ 9
  • ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ጥቕስታት ብትኽክል ኣወዓዕላኡ ምግላጽ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 6 ገጽ 9

መጽናዕቲ 6

ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዮሃንስ 10:33-36

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ጥራይ ናብ ዚቕጽል ነጥቢ ኣይትሕለፍ። እቲ ኣብ መንጎ እቲ ዘንበብካዮ ጥቕስን ከተመሓላልፎ ዝደለኻ ነጥብን ዘሎ ምትእስሳር ንሰማዕትኻ ኣነጽረሎም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ቀንዲ ቓላት ፈሊኻ ኣጕልሕ። ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባብካ፡ ነቲ ምስቲ ቐንዲ ነጥቢ ብቐጥታ ዚዛመድ ቃላት ኣጕልሕ። ነዚ ድማ ነተን ቃላት ብምድጋም ወይ ሰማዕትኻ ነተን ቀንዲ ቓላት ኬለልዩ ዚሕግዝ ሕቶ ብምሕታት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ነቲ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ደጊምካ ኽትገልጽ ከለኻ ኻልእ ቃላት እንተ ተጠቒምካ፡ ፈለማ ሰማዕትኻ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት ምስቲ ቐንዲ ነጥቢ ዘለወን ምትእስሳር ብንጹር ኪርእዩ ኸም ዚኽእሉ ርግጸኛ ኹን።

  • ኪዝክርዎ እትደልዮ ነጥቢ ኣጕልሕ። ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ንጹር ምኽንያት ጠቒስካ ነታ ጥቕሲ እንተ ኣላሊኻያ፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ ቐንዲ ቓላት ምስቲ ምኽንያት ብኸመይ ከም ዚዛመድ ግለጽ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ጽናሕ። እዚ ኸኣ ንሰማዕትኻ፡ ነቲ እትዛረቦ ቓላት ምስቲ ዘንበብካዮ ፍቕዲ ኼተሓሕዝዎ ይሕግዞም እዩ።

  • ኣወዓዕላኡ ቐሊል ግበሮ። ንቐንዲ ነጥቢ ኣበርክቶ ንዘይገብርን ተዛማድነት ንዘይብሉን ዝርዝር ነጥብታት ሓሳብ ኣይትሃበሉ። ኣብቲ ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚፈልጥዎ ነገራት ተመርኲስካ፡ ንኣወዓዕላ እቲ ነጥቢ ንጹርን ርዱእን ንምግባር ክንደይ ጭቡጥ ሓሳባት ከም ዜድሊ ወስን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ