ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ቈሎሴ 1-4
ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥኩም፡ ሓድሽ ልበሱ
ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ኣብ ባህርያትካ ዓበይቲ ለውጥታት ጌርካዶ፧ የሆዋ በቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ኸም እተሓጐሰ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ህዝ 33:11) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣረጊት ስብእና መሊሱ ምእንቲ ኸይደግሰካን ነቲ ሓድሽ ስብእና ምእንቲ ኸተርእን፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካ እዩ። ኣበየናይ መዳይ ከም እተመሓይሽ ንምርኣይ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ንሓደ ዝበደለኒ ሰብ ተቐይመዮ ኣለኹ ድየ፧
ተሃዊኸ ወይ ደኺመ እውን ከይተረፈ፡ ዓቕሊ አርኢ ድየ፧
ርኹስ ሓሳባት ምስ ዚመጸኒ፡ ቀልጢፈ አወግዶ ድየ፧
ካልእ ዓሌት ወይ ዜግነት ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ኣሉታዊ ስምዒት ኣሎኒ ድዩ፧
ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብቓለይ ዝጐዳእክዎ ወይ እተቘጣዕክዎ ሰብ ኣሎዶ፧