ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 7 ገጽ 10
  • ልክዕን ዜእምንን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልክዕን ዜእምንን
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልክዕነት ዘረባ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ኣጠቓቕማ ሕቶታት
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 7 ገጽ 10

መጽናዕቲ 7

ልክዕን ዜእምንን

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሉቃስ 1:3

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ እሙን መርትዖ ተጠቐም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • እሙን ምንጭታት ተወከስ። ሓሳባትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ግበር፣ እንተ ተኻኢሉ ብቐጥታ ኻብኡ ኣንብብ። ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት፡ ጸብጻብ ዜና፡ ተመክሮ፡ ወይ ካልእ ደጋፊ መርትዖ ኽትጠቅስ እንተ ደሊኻ፡ ምንጭኻ እሙንን ግዜኡ ዘይሓለፎን ምዃኑ ኣቐዲምካ ኣረጋግጽ።

  • ንምንጭታት ብግቡእ ተጠቐመሉ። ኣወዓዕላ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገልጽ ከለኻ፡ ምስቲ እተሰዅዓሉ ኸባብን ምስቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜውጽኦ ጽሑፋትን ተሰማሚዕካ ግለጽ። (ማቴ. 24:45) ካብ ዓለማዊ ምንጭታት ንእትጠቕሶ ጥቕሲ፡ ምስቲ ኣብ ፈለማ እተሰዅዓሉ ኸባብን ምስቲ እቲ ጸሓፊ ሓሊንዎ ዝነበረ ሓሳብን ተሳኒኻ ተጠቐመሉ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ጭቡጥ ሓቅታት ወይ ኣሃዛት ኣይተጋንን። ኣብቲ ምንጪ፡ “ገሊኦም ሰባት” ዝነበረ፡ “መብዛሕትኦም ሰባት” ከይትገብር፡ “ኣብ ገሊኡ መዳያት” ዝነበረ፡ “ኵሉ ሳዕ” ከይትገብር፡ “ኰይኑ ይኸውን” ዝነበረ ኸኣ፡ “ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ” ኸይትገብር ተጠንቀቕ።

  • ነቲ መርትዖ ኸም ዚሓስቡሉ ግበር። ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብካ ወይ ምንጪ ምስ ጠቐስካ፡ ሰማዕትኻ ናብ ናቶም መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብሜላ ሕቶታት ሕተቶም ወይ ነቲ ነጥቢ ኣብርሃሎም።

ኣብ ኣገልግሎት

ንስብከት ክትዳሎ ኸለኻ፡ እንታይ ሕቶታት ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል ተጸበ፡ ነዚ ንምምላስ ከኣ ምርምር ግበር። ሰማዒኻ ሕቶ እንተ ሓቲቱካ እሞ ምላሹ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ጌርካ ኻልእ ግዜ ኽትምለሶ ሓሳብ ኣቕርበሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ