ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 2 ገጽ 5
  • ዝርርባዊ ኣቀራርባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝርርባዊ ኣቀራርባ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ባህርያዊ ኣዘራርባ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ለውሃትን ድንጋጽን
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 2 ገጽ 5

መጽናዕቲ 2

ዝርርባዊ ኣቀራርባ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

2 ቈረንቶስ 2:17

ጽማቝ ሓሳባት፦ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይን ብዛዕባ ሰማዕትኻን ዘሎካ ስምዒት ንምግላጽ ባህርያውን ልባውን ብዝዀነ መገዲ ተዛረብ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብጸሎት ተጠንቂቕካ ተዳሎ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ መልእኽትኻ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ። ነቲ ኸተመሓላልፎ ዘሎካ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ሓዞ። ብናትካ ኣዘራርባ ሓሳባት ግለጽ፣ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ ጌርካ ቓል ብቓሉ ኣይትድገም።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብ ካልእ ጽሑፋት ከተንብብ እንተ መዲብካ፡ ጽቡቕ ጌርካ ምእንቲ ኸተንብቦ፡ ነቲ ጽሑፍ ፍለጦ። ሰባት ዝበልዎ ትጠቅስ እንተ ኣሊኻ፡ እምብዛ ኸየጋነንካ፡ ነቲ ቓላቶም ብስምዒት ኣንብቦ።

  • ካብ ልቢ ተዛረብ። ሰማዕትኻ ነቲ መልእኽቲ ስለምንታይ ኪሰምዕዎ ኸም ዜድልዮም ሕሰብ። ኣባታቶም ኣተኵር። ሽዑ፡ ኣቃውማኻን ኣካላዊ ምንቅስቓስካን ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጽን ነቲ ልባዊ ዘረባኻን ምቕላለኻን ኬንጸባርቖ እዩ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ባህርያዊ ኣዘራርባ ኺብሃል ከሎ፡ ወዝባዊ ኣዘራርባ ማለት ኣይኰነን። ንጹር ዘረባን ግቡእ ሰዋስውን ብምጥቃም፡ ነቲ እትዛረቦ መልእኽቲ ርዝነቱ ሓልወሉ።

  • ንሰማዕትኻ ጠምቶም። ዓይኒ ዓይኒ ምጥማት ቅር ዜብል እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሰማዕትኻ ጠምቶም። መደረ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ንዅሎም እቶም ጕጅለ ብሓባር ኣብ ክንዲ እትርእዮም፡ ወይ ከየተኰርካሎም ናብዝን ናብትን እናበልካ ኣብ ክንዲ እትርእዮም፡ በብተራ ንውልቀ ሰባት ንእተወሰነ ግዜ ጠምቶም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ