ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 133 ገጽ 302-ገጽ 303 ሕ.ጽ. 6
  • የሱስ ተቐብረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ተቐብረ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓርቢ ተቐቢሩ—ሰንበት እቲ መቓብር ጥርሑ ኰይኑ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ተንስአ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • እታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 133 ገጽ 302-ገጽ 303 ሕ.ጽ. 6
ሬሳ የሱስ ንቐብሪ ይዳሎ

ምዕራፍ 133

የሱስ ተቐብረ

ማቴዎስ 27:57–28:2 ማርቆስ 15:42–16:4 ሉቃስ 23:50–24:3 ዮሃንስ 19:31–20:1

  • ንሬሳ የሱስ ካብ ጕንዲ ኣውረድዎ

  • ሬሳ የሱስ ንቐብሪ ተዳለወ

  • ኣንስቲ ነቲ መቓብር ጥራዩ ረኸባኦ

እዋኑ ዓርቢ 14 ኒሳን ኣጋ ምሸት እዩ ነይሩ። ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ፡ ናይ ኣይሁድ ሰንበት 15 ኒሳን እያ እትጅምር። የሱስ ድሮ ሞይቱ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብ ጐድኑ እተሰቕሉ ኽልተ ኸተርቲ ግና ብህይወቶም እዮም ነይሮም። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሬሳ ‘በታ መዓልቲ እቲኣ ኪቕበር ኣለዎ እምበር፡ ኣብ ጕንዲ ኺሓድር የብሉን።’—ዘዳግም 21:22, 23።

ብዘይካዚ፡ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣይሁድ ምግቢ ዜዳልዉሉን ክሳዕ ድሕሪ ሰንበቶም ኪጸንሕ ዘይክእል ዕዮታት ዚዓይዩሉን ግዜ ብምዃኑ እታ መዓልቲ፡ መዓልቲ ምድላው ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ፡ ድርብ ወይ “ዓባይ” ሰንበት እያ እትጅምር ነይራ። (ዮሃንስ 19:31) ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ 15 ኒሳን ቐዳመይቲ መዓልቲ እቲ ሸውዓተ መዓልቲ ዚቕኒ በዓል ቅጫ ብምዃና፡ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ወትሩ ኸም ሰንበት እያ እትርአ ነይራ። (ዘሌዋውያን 23:5, 6) ብዘይካዚ፡ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምስታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝዀነት ሰሙናዊት ሰንበት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እያ ውዒላ።

ስለዚ፡ ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሞት የሱስን እቶም ክልተ ኸተርትን ኬቀላጥፉ ለመንዎ። ብኸመይ፧ ኣእጋሮም ብምስባር እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ኣእጋሮም ምስ ተሰብረ ድማ፡ ሰብነቶም ቀኒዑ ቐጥ ስለ ዘይብል፡ ምስትንፋስ ኣጸጋሚ እዩ ዚዀኖም። እቶም ወተሃደራት ከኣ መጺኦም ኣእጋር እቶም ክልተ ኸተርቲ ሰበሩ። የሱስ ግና ዝሞተ እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ስለዚ፡ ኣእጋሩ ኣይተሰብረን። እዚ ድማ ፍጻመ እቲ ኣብ መዝሙር 34:20 ዚርከብ፡ “ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን” ዚብል ቃላት እዩ።

የሱስ ብሓቂ ኸም ዝሞተ ንምርግጋጽ፡ ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ብዂናት ገይሩ ኣብ ከባቢ ልቡ ወግኦ። “ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።” (ዮሃንስ 19:34) እቲ፡ “ንሳቶም ድማ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ተፈጸመ።—ዘካርያስ 12:10።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ዮሴፍ “ሃብታም”ን ሕፉር ኣባል እቲ ዋዕላን ዝዀነ ብዓል ከተማ ኣርማትያስ ኣብኡ ነበረ። (ማቴዎስ 27:57) ንሱ ኸኣ “ንመንግስቲ ኣምላኽ . . . ዚጽበያ ዝነበረ” “ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። “ንኣይሁድ ብምፍራሁ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ” ስለ ዝነበረ፡ ነቲ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ የሱስ ዝፈረዶ ፍርዲ ኣይተሰማምዓሉን። (ማርቆስ 15:43፣ ሉቃስ 23:50፣ ዮሃንስ 19:38) ተቢዑ ድማ ንጲላጦስ፡ ሬሳ የሱስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ የሱስ ሙማቱ ኣረጋገጸ። ድሕሪኡ፡ ንዮሴፍ ከምቲ ልማኖኡ ሃቦ።

ዮሴፍ ከኣ ጽሩይ ቅጭን በፍታ ዓደገ፣ ንሬሳ የሱስ እውን ካብቲ ጕንዲ ኣውረዶ። ነቲ ሬሳ ንቐብሪ ንምድላው ከኣ በቲ በፍታ ገነዞ። “እቲ ቕድም ብለይቲ ዝመጸ ኒቆዲሞስ” እውን ኣብቲ ምድላው ሓገዘ። (ዮሃንስ 19:39) ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ (33 ኪሎ ግራም) ክቡር ዝዋግኡ ሕዋስ ከርበን ዓልወን ሒዙ መጸ። ሬሳ የሱስ፡ ከምቲ ኣይሁድ ንቐብሪ ንምድላው ዝነበሮም ልምዲ፡ እዚ ሽቱ እዚ ብዘለዎ መግነዝ ገነዝዎ።

ዮሴፍ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ቦታ እቲ ኣብ ከውሒ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ነበሮ፣ ሬሳ የሱስ ከኣ ኣብኡ ተነብረ። ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሎም ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጸውዎ። እዚ ኸኣ ሰንበት ኣይሁድ ቅድሚ ምጅማራ ብታህዋኽ እዩ ተገይሩ። ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያእቆብ እቲ ንእሽቶን ድማ ንሬሳ የሱስ ኣብ ምድላው ይሕግዛ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ድሕርዚ፡ ንሬሳ የሱስ ድሕሪ ሰንበት መሊሰን ኪለኽያኦ ዜድልየን “ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኬዳልዋ” ተቐላጢፈን ናብ ቤተን ተመልሳ።—ሉቃስ 23:56።

ንጽብሒቱ፡ ብልሙድ ኣቈጻጽራና ቐዳም፡ ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ ድማ ሰንበት፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ከይዶም፡ “እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና። ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ፡ ንህዝቢ፡ ‘ካብ ምዉታት ተንሲኡ’ ኸይብሉስ፡ ካብቲ ቐዳማይ ከኣ ዳሕራይ ስሕተት ከይገድድሲ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብጽኑዕ ኪሕሎ ኣዝዝ” በልዎ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓለውቲ እነዉልኩም። ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ብጽኑዕ ሓልዉ” በሎም።—ማቴዎስ 27:63-65።

ብልሙድ ኣቈጻጽራና ብሰንበት፡ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያእቆብን ካልኦት ኣንስትን ንሬሳ የሱስ ንምልካይ ሽቱ ሒዘን ኣንጊሀን መጻ። ንሓድሕደን ከኣ፡ “ነቲ እምንስ ካብ ኣፍ እቲ መቓብር መን ኬንከባልለልና እዩ፧” ይባሃሃላ ነበራ። (ማርቆስ 16:3) ኰይኑ ግና፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀይኑ ነበረ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ነቲ እምኒ ኣንከባቢልዎ ነበረ፣ እቶም ሓለውቱ ድማ ኣይነበሩን፣ እቲ መቓብር እውን ጥራዩ ጸንሐን!

  • ዓርቢ መዓልቲ ምድላው ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ እታ ሰንበት እቲኣ “ዓባይ” ሰንበት እተባህለትከ ስለምንታይ እያ፧

  • ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ንቐብሪ የሱስ እንታይ ገበሩ፧ ምስ የሱስ ዝነበሮም ርክብከ እንታይ እዩ ዝነበረ፧

  • እቶም ካህናት እንታይ ኪግበር እዮም ዝደልዩ፧ ሰንበት ገና ብንግሆኡ ግና እንታይ እዩ ዝዀነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ