እያሱ ትሕዝቶ 1 የሆዋ ንእያሱ ኣተባብዖ (1-9) ነቲ ሕጊ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ (8) ዮርዳኖስ ንምስጋር እተገብረ ምድላዋት (10-18) 2 እያሱ፡ ክልተ ሰለይቲ ናብ ያሪኮ ሰደደ (1-3) ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም (4-7) ንረሃብ እተኣትወላ ቓል (8-21ሀ) ቀይሕ ገመድ ንምልክት ኰነ (18) እቶም ሰለይቲ ናብ እያሱ ተመልሱ (21ለ-24) 3 እስራኤል፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ (1-17) 4 መዘከርታ ዚኸውን ኣእማን (1-24) 5 ኣብ ጊልጋል ተገዝሩ (1-9) ፋስጋ ተባዕለ፣ ማና ኣቋረጸ (10-12) መስፍን ሰራዊት የሆዋ (13-15) 6 መካበብያ ያሪኮ ወደቐ (1-21) ረሃብን ቤተ ሰባን ተናሕፉ (22-27) 7 እስራኤል ኣብ ዓይ ተሳዕረ (1-5) ጸሎት እያሱ (6-9) ጠንቂ እቲ ስዕረት ዝዀነ ሓጢኣት (10-15) ዓካን ተቓልዐን ብዳርባ እምኒ ተቐትለን (16-26) 8 እያሱ ንዓይ ደባይ ገበረላ (1-13) ዓይ ተታሕዘት (14-29) እቲ ሕጊ ኣብ ከረን ዔባል ተነብበ (30-35) 9 ጐራሓት ጊብዖናውያን ሰላም ኪገብሩ ደለዩ (1-15) ምትላል ጊብዖናውያን ተፈልጠ (16-21) ጊብዖናውያን ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ኰኑ (22-27) 10 እስራኤል ንጊብዖን ተኸላኸለላ (1-7) የሆዋ ንእስራኤል ተዋግኣሉ (8-15) ኣእማን በረድ ኣብቶም ዚሃድሙ ጸላእቲ ዘነመ (11) ጸሓይ ደው በለት (12-14) እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ሓሙሽተ ነገስታት ተቐትሉ (16-28) ኣብ ደቡብ ዚርከባ ኸተማታት ተታሕዛ (29-43) 11 ኣብ ሰሜን ዚርከባ ኸተማታት ተታሕዛ (1-15) ዝርዝር እቶም እያሱ ዝሰዓሮም (16-23) 12 ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ እተሳዕሩ ነገስታት (1-6) ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ እተሳዕሩ ነገስታት (7-24) 13 ገና ዘይተታሕዘ ኽፋል እታ ምድሪ (1-7) ምምቕቓል እታ ብምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ (8-14) ርስቲ ሮቤል (15-23) ርስቲ ጋድ (24-28) ብምብራቕ ዚርከብ ርስቲ ምናሴ (29-32) የሆዋ ርስቲ ሌዋውያን እዩ (33) 14 ምምቕቓል እታ ብምዕራብ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ (1-5) ካሌብ ንኬብሮን ወረሳ (6-15) 15 ርስቲ ይሁዳ (1-12) ጓል ካሌብ ምድሪ ተዋህባ (13-19) ከተማታት ይሁዳ (20-63) 16 ርስቲ ደቂ ዮሴፍ (1-4) ርስቲ ኤፍሬም (5-10) 17 ብምዕራብ ዚርከብ ርስቲ ምናሴ (1-13) ንደቂ ዮሴፍ እተዋህበ ተወሳኺ ምድሪ (14-18) 18 እታ ዝተረፈት ምድሪ ኣብ ሺሎ ተማቐልዋ (1-10) ርስቲ ብንያም (11-28) 19 ርስቲ ስምኦን (1-9) ርስቲ ዛብሎን (10-16) ርስቲ ይሳኮር (17-23) ርስቲ ኣሴር (24-31) ርስቲ ንፍታሌም (32-39) ርስቲ ዳን (40-48) ርስቲ እያሱ (49-51) 20 ከተማታት ዕቝባ (1-9) 21 ንሌዋውያን እተዋህባ ኸተማታት (1-42) ንደቂ ኣሮን (9-19) ንዝተረፉ ቀሃታውያን (20-26) ንደቂ ጌርሾናውያን (27-33) ንደቂ መራራውያን (34-40) የሆዋ ዘተስፈዎም ተስፋታት ተፈጺሙ (43-45) 22 ብምብራቕ ዚነብሩ ነገዳት ተመልሱ (1-8) ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ ሰርሑ (9-12) ትርጉም እቲ መሰውኢ ተገልጸ (13-29) እተላዕለ ግጭት ደቀሰ (30-34) 23 እያሱ ንመራሕቲ እስራኤል ተሰናበቶም (1-16) ሓንቲ ቓል የሆዋ እኳ ኣይወደቐትን (14) 24 እያሱ ታሪኽ እስራኤል ዘርዘረ (1-13) ንየሆዋ ኼገልግልዎ ተማሕጸኖም (14-24) “ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል” (15) እያሱ ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን (25-28) እያሱ ሞተን ተቐብረን (29-31) ኣዕጽምቲ ዮሴፍ ኣብ ሰኬም ተቐብረ (32) ኣልኣዛር ሞተን ተቐብረን (33)