ህዝቅኤል ትሕዝቶ 1 ህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ብዛዕባ ኣምላኽ ራእያት ረኣየ (1-3) ራእይ እቲ ሰማያዊ ሰረገላ የሆዋ (4-28) ህቦብላን ደበናን ሓውን (4) ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት (5-14) ኣርባዕተ መንኰርኰር (15-21) ከም በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር (22-24) ዝፋን የሆዋ (25-28) 2 ህዝቅኤል ነብዪ ኪኸውን ተመዘዘ (1-10) “እንተ ሰሚዖም ወይስ ምስማዕ እንተ ኣብዮም” (5) ልቕሶ ዝሓዘት ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ረኣየ (9, 10) 3 ህዝቅኤል ነታ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥቕልልቲ በልዓ (1-15) ህዝቅኤል ሓላዊ ዀነ (16-27) ሸለልትነት ብዓል ዕዳ ደም ይገብር (18-21) 4 ከበባ የሩሳሌም ተገልጸ (1-17) በደል እተጾረለን 390 መዓልትን 40 መዓልትን (4-7) 5 ውድቀት የሩሳሌም ተገልጸ (1-17) እቲ እተላጸየ ጭሕሚ እቲ ነብዪ ኣብ ሰለስተ ተመቕለ (1-4) የሩሳሌም ካብ ኣህዛብ ገደደት (7-9) ዓለወኛታት ብሰለስተ መገዲ ተቐጽዑ (12) 6 ኣንጻር ኣኽራን እስራኤል እተነግረ ትንቢት (1-14) ጽዩፋት ጣኦታት ኪዋረዱ እዮም (4-6) ‘ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ (7) 7 መወዳእታ መጸ (1-27) ፍሉይ መዓት (5) ገንዘብ ኣብ ጐደናታት ኪድርበ እዩ (19) እታ ቤተ መቕደስ ክትረክስ እያ (22) 8 ህዝቅኤል ብራእይ ናብ የሩሳሌም ተወስደ (1-4) ኣብ ቤተ መቕደስ ፍንፉን ነገራት ረኣየ (5-18) ኣንስቲ ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ (14) ሰብኡት ንጸሓይ ይሰግዱላ ነበሩ (16) 9 ሽዱሽተ ፈጸምቲ ፍርድን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን (1-11) ፍርዲ ኻብ መቕደስ ይጅምር (6) 10 ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር እተወስደ ሓዊ (1-8) እቶም ኪሩቤልን እቲ መንኰራዅርን ተገልጹ (9-17) ክብሪ ኣምላኽ ካብታ ቤተ መቕደስ ከደ (18-22) 11 እኩያት መሳፍንቲ ተዀነኑ (1-13) እታ ኸተማ ምስ ቍራዕ ተመሳሰለት (3-12) ተስፋ ምምላስ (14-21) “ሓድሽ መንፈስ” ተዋህበ (19) ክብሪ ኣምላኽ ካብ የሩሳሌም ከደ (22, 23) ህዝቅኤል ብራእይ ናብ ከለዳ ተመልሰ (24, 25) 12 ምልክት ብዚኸውን ተግባራት፡ ብዛዕባ ስደት ተነግረ (1-20) ናብ ስደት ዚኸይድ ኣቕሑ (1-7) ሹም ብጸልማት ኪኸይድ እዩ (8-16) እንጌራ ጭንቀት፡ ማይ ራዕዲ (17-20) ዜታልል ምስላ፡ ሓሶት ምዃኑ ተረጋገጸ (21-28) “ካብ ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ” (28) 13 ኣንጻር እቶም ናይ ሓሶት ነብያት (1-16) ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ ኪፈርስ እዩ (10-12) ኣንጻር እተን ናይ ሓሶት ነብያት (17-23) 14 ኣምለኽቲ ጣኦት ተዀነኑ (1-11) ፍርዲ የሩሳሌም ዘይተርፍ እዩ (12-23) እቶም ጻድቃን ዝዀኑ ኖህን ዳንኤልን እዮብን (14, 20) 15 የሩሳሌም፡ ዘይትጠቅም ተኽሊ ወይኒ (1-8) 16 ኣምላኽ ንየሩሳሌም ዘለዎ ፍቕሪ (1-63) እተደርበየት ውላድ ከላ ረኸባ (1-7) ኣምላኽ ሰለማ፡ ቃል ኪዳን ድማ ኣተወላ (8-14) ዘይእምንቲ ዀነት (15-34) ዘማዊት ብምዃና ተቐጽዐት (35-43) ምስ ሰማርያን ሶዶምን ተነጻጸረት (44-58) ኣምላኽ ኪዳኑ ይዝክር (59-63) 17 ሕንቅሕንቅሊተይ ክልተ ንስርን ተኽሊ ወይንን (1-21) ልምልምቲ ጠጥዒ፡ ግርምቲ ቄድሮስ ኰነት (22-24) 18 ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ተሓታቲ እዩ (1-32) እታ እትሓጥእ ነፍሲ ኽትመውት እያ (4) ወዲ ብሓጢኣት ኣቦኡ ኣይቅጻዕን (19, 20) ብሞት እኩይ ባህ ኣይብሎን (23) ንስሓ፡ ህይወት የምጽእ (27, 28) 19 ንሹማምንቲ እስራኤል እተለቕሰሎም ልቕሶ (1-14) 20 ታሪኽ ዕልወት እስራኤል (1-32) ንእስራኤል እተተስፈወ ምምላስ (33-44) ኣንጻር ደቡብ እተዘርበ ትንቢት (45-49) 21 ሰይፊ ፍርዲ ኣምላኽ ተመልሐት (1-17) ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ እዩ (18-24) እኩይ ሹም እስራኤል ተወገደ (25-27) “ዘውዲ ኣውጽእ” (26) “እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ” (27) ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን (28-32) 22 የሩሳሌም፡ እታ ዕዳ ደም ዘለዋ ኸተማ (1-16) እስራኤል ከም ዘይጠቅም ሓተላ ብረት (17-22) መራሕቲ ህዝቢ እስራኤል ተዀነኑ (23-31) 23 ዘይእሙናት ዝዀና ኽልተ ኣሓት (1-49) ኦሆላ ምስ ኣሶር መንዘረት (5-10) ኦሆሊባ ምስ ባቢሎንን ግብጽን መንዘረት (11-35) ኣብተን ክልተ ኣሓት ዚወርድ መቕጻዕቲ (36-49) 24 የሩሳሌም ከም ዝመረተ ቝራዕ (1-14) ሞት ሰበይቲ ህዝቅኤል ምልክት ኰነ (15-27) 25 ኣንጻር ዓሞን እተዘርበ ትንቢት (1-7) ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ትንቢት (8-11) ኣንጻር ኤዶም እተዘርበ ትንቢት (12-14) ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ትንቢት (15-17) 26 ኣንጻር ጢሮስ እተዘርበ ትንቢት (1-21) “መስጥሒ መርበብ” (5, 14) ኣእማናን ሓመዳን ናብ ማይ ኪድርበ እዩ (12) 27 ነታ እትጥሕል መርከብ ጢሮስ እተለቕሰላ ልቕሶ (1-36) 28 ኣንጻር ንጉስ ጢሮስ እተዘርበ ትንቢት (1-10) “ኣነ ኣምላኽ እየ” (2, 9) ንንጉስ ጢሮስ እተለቕሰሉ ልቕሶ (11-19) ‘ኣብ ኤደን ነበርካ’ (13) “ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ” (14) ‘ኣባኻ ዓመጻ ተረኽበ’ (15) ኣንጻር ሲዶን እተዘርበ ትንቢት (20-24) እስራኤል ኪምለስ እዩ (25, 26) 29 ኣንጻር ፈርኦን እተዘርበ ትንቢት (1-16) ግብጺ ንባቢሎን ዓስቢ ዀይና ኽትውሃብ እያ (17-21) 30 ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ትንቢት (1-19) መጥቃዕቲ ነቡካድነጻር ኣቐዲምካ ተነግረ (10) ሓይሊ ፈርኦን ተሰብረ (20-26) 31 ውድቀት ግብጺ፡ እቲ ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ (1-18) 32 ንፈርኦንን ንግብጽን እተለቕሰሎም ልቕሶ (1-16) ግብጺ ምስ ዘይግዙራት ተቐብረት (17-32) 33 ሓላፍነታት ሓላዊ (1-20) ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ዚሕብር ወረ (21, 22) ናብ ነበርቲ ዑናታት እተላእከ መልእኽቲ (23-29) እቶም ህዝቢ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ኣየውዓልዎን (30-33) ህዝቅኤል ከም “ደርፊ ፍቕሪ” (32) “ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም” (33) 34 ኣንጻር ጓሶት እስራኤል እተዘርበ ትንቢት (1-10) የሆዋ ንኣባጊዑ ዚገብረለን ክንክን (11-31) “ጊልያይ ዳዊት” ኪጓስየን እዩ (23) “ኪዳን ሰላም” (25) 35 ኣንጻር ኣኽራን ሰዒር እተዘርበ ትንቢት (1-15) 36 ኣንጻር ኣኽራን እስራኤል እተዘርበ ትንቢት (1-15) ምምላስ እስራኤል (16-38) ‘ነቲ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ’ (23) “ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን” (35) 37 ራእይ ስንጭሮ ንቑጽ ኣዕጽምቲ (1-14) ዚላገባ ኽልተ ዕንጨይቲ (15-28) ሓደ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ንጉስ (22) ናይ ዘለኣለም ኪዳን ሰላም (26) 38 ጎግ ኣብ እስራኤል ዚፍንዎ መጥቃዕቲ (1-16) የሆዋ ንጎግ እተቘጥዖ ቝጥዓ (17-23) ‘ኣህዛብ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’ (23) 39 ጥፍኣት ጎግን ተዋጋእቱን (1-10) ኣብ ስንጭሮ ሃሞን-ጎግ ኪቕበሩ እዮም (11-20) ምምላስ እስራኤል (21-29) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ፈሰሰ (29) 40 ህዝቅኤል ብራእይ ናብ እስራኤል መጸ (1, 2) ህዝቅኤል ብራእይ ቤተ መቕደስ ረኣየ (3, 4) ኣጸዳትን ኣፍ ደገታትን (5-47) ናይ ወጻኢ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ (6-16) ናይ ወጻኢ ኣጸድ፣ ካልእ ኣፍ ደገታት (17-26) ናይ ውሽጢ ኣጸድን ኣፍ ደገታትን (27-37) ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ዚኸውን ክፍልታት (38-46) መሰውኢ (47) ገበላ እታ ቤተ መቕደስ (48, 49) 41 መቕደስ እታ ቤተ መቕደስ (1-4) መንደቕን ጐድናዊ ኽፍልታትን (5-11) ብምዕራብ ዚርከብ ህንጻ (12) ህንጻታት ተለክዐ (13-15ሀ) ናይ ውሽጢ መቕደስ (15ለ-26) 42 መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ (1-14) ኣርባዕተ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ተለክዐ (15-20) 43 ክብሪ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ መልኣ (1-12) መሰውኢ (13-27) 44 ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ዕጹው ኰይኑ ጸንሐ (1-3) ንጓኖት ዚምልከት ስርዓታት (4-9) ንሌዋውያንን ንኻህናትን ዚምልከት ስርዓታት (10-31) 45 እታ ቕድስቲ መባእን እታ ኸተማን (1-6) ግደ እቲ ሹም (7, 8) ሹማምንቲ ቕኑዕ ኪገብሩ ይምዓዱ (9-12) መባእ እቲ ህዝብን እቲ ሹምን (13-25) 46 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዚቐርብ መስዋእቲ (1-15) እቲ ሹም ዜውርሶ ርስቲ (16-18) መስዋእቲ ዜብስሉሉ ቦታታት (19-24) 47 ካብታ ቤተ መቕደስ ዚውሕዝ ውሒዝ (1-12) ማይ በብቝሩብ እናዓመቘ ይኸይድ (2-5) ማይ ምዉት ባሕሪ ይሓዊ (8-10) ዓዘቕቲ ይሓዊ (11) ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም (12) ዶባት እታ ምድሪ (13-23) 48 ምምቕቓል እታ ምድሪ (1-29) ዓሰርተው ክልተ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ (30-35) እታ ኸተማ፡ “የሆዋ ኣብኣ ኣሎ” ተባሂላ ተሰምየት (35)