ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ዓሞን እተዘርበ ትንቢት (1-7)

      • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ትንቢት (8-11)

      • ኣንጻር ኤዶም እተዘርበ ትንቢት (12-14)

      • ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ትንቢት (15-17)

ህዝቅኤል 25:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 38
  • +ኤር 49:1፣ ኣሞ 1:13፣ ጸፎ 2:9

ህዝቅኤል 25:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተዃነየ ሰፈራቶም።”

ህዝቅኤል 25:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:26፣ ህዝ 21:20

ህዝቅኤል 25:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ስለ እተሓጐሰት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:15
  • +ጸፎ 2:8

ህዝቅኤል 25:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:2፣ ኣሞ 1:14

ህዝቅኤል 25:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:1፣ ኤር 48:1፣ ኣሞ 2:1
  • +ዘዳ 2:4

ህዝቅኤል 25:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጎቦ።”

  • *

    ወይ፡ “ጌጽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19

ህዝቅኤል 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:4
  • +ህዝ 21:28, 32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 74

ህዝቅኤል 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 74

ህዝቅኤል 25:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:17፣ መዝ 137:7፣ ድጕ 4:22፣ ኣሞ 1:11፣ ኦብ 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 74

ህዝቅኤል 25:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 1:4
  • +ኤር 49:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 25:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:14፣ 63:1
  • +ናሆ 1:2

ህዝቅኤል 25:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሶም ንዒቖም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:18፣ ኢሳ 9:11, 12፣ 14:29፣ ኤር 47:1፣ ዮኤ 3:4-6፣ ኣሞ 1:6

ህዝቅኤል 25:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 20፣ ጸፎ 2:4
  • +ጸፎ 2:5
  • +ኤር 47:4

ህዝቅኤል 25:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 81

ሓፈሻዊ

ህዝ. 25:2ዘፍ 19:36, 38
ህዝ. 25:2ኤር 49:1፣ ኣሞ 1:13፣ ጸፎ 2:9
ህዝ. 25:52ሳሙ 12:26፣ ህዝ 21:20
ህዝ. 25:6ድጕ 2:15
ህዝ. 25:6ጸፎ 2:8
ህዝ. 25:7ኤር 49:2፣ ኣሞ 1:14
ህዝ. 25:8ኢሳ 15:1፣ ኤር 48:1፣ ኣሞ 2:1
ህዝ. 25:8ዘዳ 2:4
ህዝ. 25:9ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19
ህዝ. 25:10ህዝ 25:4
ህዝ. 25:10ህዝ 21:28, 32
ህዝ. 25:11ኤር 48:1
ህዝ. 25:122ዜና 28:17፣ መዝ 137:7፣ ድጕ 4:22፣ ኣሞ 1:11፣ ኦብ 10
ህዝ. 25:13ሚል 1:4
ህዝ. 25:13ኤር 49:7, 8
ህዝ. 25:14ኢሳ 11:14፣ 63:1
ህዝ. 25:14ናሆ 1:2
ህዝ. 25:152ዜና 28:18፣ ኢሳ 9:11, 12፣ 14:29፣ ኤር 47:1፣ ዮኤ 3:4-6፣ ኣሞ 1:6
ህዝ. 25:16ኤር 25:17, 20፣ ጸፎ 2:4
ህዝ. 25:16ጸፎ 2:5
ህዝ. 25:16ኤር 47:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 25:1-17

ህዝቅኤል

25 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ዓሞናውያን+ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሮም ተነበ።+ 3 ብዛዕባ ዓሞናውያን ከምዚ በል፦ ‘ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መቕደሰይ ምስ ረኸሰት፡ ምድሪ እስራኤል ከኣ ምስ ባደመት፡ ቤት ይሁዳ ድማ ናብ ምርኮ ምስ ከዱ፡ ‘ኣሰይ!’ ኢልኪ ኢኺ እሞ፡ 4 ስለዚ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ እህበኪ ኣለኹ። ሰፈራቶም* ኣብ ውሽጥኺ ኺሰርሑ፡ ድንኳናቶም ድማ ኣብ መንጎኺ ኺተኽሉ እዮም። ፍረኺ ኺበልዑ፡ ጸባኺ እውን ኪሰትዩ እዮም። 5 ንራባ+ መጓሰዪ ኣግማል፡ ንምድሪ ዓሞናውያን ከኣ መዕረፊ መጓሰ ኽገብር እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”

6 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ብኣእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡+ ብኣእጋርካ ድማ ዲጕዲጕ ስለ ዘበልካ፡ ብምድሪ እስራኤል እውን ብኸምዚ ዝበለ ፍጹም ንዕቀት ስለ እተሓጐስካ፡*+ 7 ስለዚ፡ ንኣህዛብ ዘመተ ገይረ ኽህበካስ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ። ካብ ህዝብታት ክምንቍሰካ፡ ካብ ሃገራት እውን ከጥፍኣካ እየ።+ ከጽንተካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ።’

8 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሞኣብን+ ሰዒርን፡+ “እንሆ፡ ቤት ይሁዳ ኸም ኵሎም ኣህዛብ እዮም” ስለ ዝበሉ፡ 9 ጐድኒ* ሞኣብ፡ እተን ጽባቐ* ምድሩ ዝዀና ኣብ ወሰኑ ዘለዋ ኸተማታት፡ ማለት ቤት-የሺሞት፡ በዓል-ሜዖን፡ ክሳብ ቂርያታዪም+ ከቃልዕ እየ። 10 ንዕኡ ምስ ዓሞናውያን ብሓንሳእ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽህቦም እየ፣+ ስለዚ፡ ዓሞናውያን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 11 ኣብ ሞኣብ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’

12 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኤዶም ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ሕነ ፈድዩ እዩ፣ ሕነ ብምፍዳዩ ኸኣ ዓብዪ በደል በዲሉ ኣሎ፣+ 13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን ማልን ድማ ካብኣ ኽምንቍስ እየ፣ ከባድማ እውን እየ።+ ካብ ቴማን ክሳብ ዴዳን፡ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 14 ‘ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ ኣብ ኤዶም ሕነ ኽፈዲ እየ።+ ንሳቶም ሕነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብ ኤዶም ኬምጽኡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’

15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ጽልኦም፡ ፍልስጥኤማውያን ብኽፍኣት* ሕነ ኺፈድዩን ኬጥፍኡን ደልዮም እዮም።+ 16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን+ እዝርግሕ ኣለኹ፣ ንክረታውያን+ ከኣ ክምንቍሶም እየ፡ ንዝተረፉ ነበርቲ እቲ ገምገም ባሕሪ+ እውን ከጥፍኦም እየ። 17 ብብርቱዕ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ዓብዪ ሕነ ኽፈዲ እየ፣ ኣባታቶም ሕነይ ምስ ፈደኹ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ