ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/14 ገጽ 7
  • ሞት እተፍቅሮ ሰብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሞት እተፍቅሮ ሰብ
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዜሕዝን ነገራት ምጽዋር
  • ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ
    ንቕሑ!—2014
  • ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ግጭት መዓስ እዩ ደው ዜብል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 7/14 ገጽ 7
ሓደገኛ ግጭት ማኪና

ገበር | ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ

ሞት እተፍቅሮ ሰብ

ኣብ ብራዚል ዚነብር ሮናልዶን ቤተ ሰቡን ሓደጋ ማኪና ኣጋጠሞም። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኸኣ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ቤተ ሰቡ፡ እንተላይ ኣዲኡን ኣቦኡን ሞቱ። ሮናልዶ፡ “ኣባላት ቤተ ሰበይ በቲ ሓደጋ ኸም ዝሞቱ እተነግረኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ንኽልተ ኣዋርሕ ዚኣክል ምስ ደቀስኩ እዩ” በለ።

ሮናልዶ

ኣስዒቡ እውን፡ “መጀመርታ፡ ከም ዝሞቱ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ‘ከመይ ኢሎም ኵሎም ይሞቱ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ሓቂ ምዃኑ ምስ ተረድኣኒ ግና፡ ኣዝየ ሰንበድኩ። ከም ሽዑ ገይረ ተሳቕየ ኣይፈልጥን እየ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ መዓልትታት፡ ብዘይ ብኣታቶም ብህይወት ምንባር ዋጋ ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ንኣዋርሕ ዚኣክል፡ በብመዓልቱ እበኪ ነበርኩ። ነታ ማኪና ኻልእ ሰብ ንኺዝውራ ብምፍቃደይ፡ ንርእሰይ እወቕሳ ነበርኩ። ‘ባዕለይ እዝውር ነይረ እንተ ዝኸውን፡ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ምነበሩ ነይሮም’ ኢለ ሓሰብኩ።

“ሕጂ 16 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡ ንቡር ንጥፈታተይ ድማ እገብር ኣሎኹ። ግናኸ፡ እቲ ዜሕዝን ሞት ቤተ ሰበይ፡ ኣብ ልበይ ኪምላእ ዘለዎ ሃጓፍ ገዲፉለይ እዩ።”

ዜሕዝን ነገራት ምጽዋር

ሓዘንካ ኣይትዕበጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1, 4) ሮናልዶ፡ “ብኽያት ኪመጽኣኒ ኸሎ፡ እበኪ ነበርኩ። ንብዓትካ ምዕጋት ፋይዳ ኸም ዘይነበሮ እውን ተመኪረዮ እየ፣ ከመይሲ፡ ምስ በኸኹ ፍዅስ ይብለኒ ነበረ” በለ። ኵሉ ሰብ ዚሓዝነሉ መገዲ ሕደ ኸም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ ሓዘንካ ብጋህዲ እንተ ዘይገሊጽካ፡ ንስምዒትካ ትዓብጦ ኣሎኻ ማለት ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ንኽትነብዕ ግድን ርእስኻ ኸተገድድ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን።

ርእስኻ ኣይትፍለ። (ምሳሌ 18:1) ሮናልዶ፡ “ነቲ ኻብ ሕብረተ ሰብ ተፈልየ ንኽነብር ዚስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት ንኽቃለሶ ጽዒረ እየ። ሰባት ይበጽሑኒ ነበሩ፡ ኣነ እውን እቕበሎም ነበርኩ። ብዘይካዚ፡ ንሰበይተይን ንናይ ቀረባ ፈተውተይን ስምዒተይ አፍስሰሎም ነበርኩ” በለ።

ሰባት ዚሃሲ ቓላት እንተ ተዛሪቦምኻ፡ ህድእ በል። ገለ ኻብቲ ዚዛረብዎ ቓላት፡ “እዚ ንረብሓ እዩ” ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሮናልዶ፡ “እቲ ገሊኦም ንኼጸናንዑኒ ኢሎም ዚዛረብዎ ቓላት፡ ዚጐድእ እዩ ነይሩ” በለ። ኣብ ዚጐድእ ቃላት ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ነቲ፡ “ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ስዓቦ።—መክብብ 7:21, 22።

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት፡ እቲ ሓቂ ተምሃር። ሮናልዶ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 9:5፡ ምዉታት ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ይገልጽ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጠይ ከኣ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዚስምዓኒ ገበረ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ይምህር እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራተይ፡ ከም ዝገሹ ገይረ እየ ዝሓስብ።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ፡ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” ምዃኑ ይመባጻዕ እዩ።a—ኢሳይያስ 25:8።

እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እዚአን፡ ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ ይገልጻ። ደቂ ሰብ መከራ ዜጋጥሞም ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓበሬታ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ፡“ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስቱ ገበር ዝሓዘት ብጸይቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀነት ናይ 1 ሓምለ 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ