ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 4 ገጽ 6
  • 3. ኣይትተሓለል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3. ኣይትተሓለል
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብልማድ እትገብሮ ነገራት ንጥቕምኻ ከም ዝኸውን ግበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
    ንቕሑ!—2016
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 4 ገጽ 6
ሓንቲ ጓል ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ምልክት ትገብር

ገበር | ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

3 ኣይትተሓለል

ምልክት እተገብረሉ ዓውደ ኣዋርሕ

ሓድሽ ልማድ ንምምዕባል 21 መዓልቲ ኸም ዚወስድ ዚገልጽ ህቡብ ሓሳብ ኣሎ። እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ ግና፡ ዓበይቲ ለውጥታት ንምግባር ንገሊኦም ሰባት ካብዚ ዚሓጽር፡ ንኻልኦት ድማ ካብዚ ኣዝዩ ዚነውሕ ግዜ ኺወስደሎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ተስፋ ኬቝርጸካ ኣለዎ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ኣብነት እሞ ሕሰብ፦ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ኣካላዊ ምውስዋስ ናይ ምግባር ልማድ ከተማዕብል ደሊኻ ንበል።

  • ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን፡ ሸቶኻ ትወቅዕ።

  • ኣብታ ኻልአይቲ ሰሙን፡ ሓንቲ መዓልቲ ትዘልል።

  • ኣብታ ሳልሰይቲ ሰሙን፡ ሸቶኻ ትወቅዕ።

  • ኣብታ ራብዐይቲ ሰሙን፡ ሓንሳእ ጥራይ ትሰርሕ።

  • ኣብታ ሓምሸይቲ ሰሙን፡ እንደገና ሸቶኻ ትወቅዕ፣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሸቶኻ ትወቅዕ።

ነዚ ሓድሽ ልማድካ ቐጻልነት ከም ዚህልዎ ኽትገብሮ ሓሙሽተ ሰሙን ወሲዱልካ። እዚ ነዊሕ ግዜ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ሸቶኻ ምስ ወቓዕካ፡ ሓድሽ ልማድ ስለ ዘማዕበልካ ኣዚኻ ኽትሕጐስ ኢኻ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ።” —ምሳሌ 24:16።

መጽሓፍ ቅዱስ ከይንሕለል የተባብዓና እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዜገድስ፡ ክንደይ ሳዕ ወዲቕና ዘይኰነስ፡ ክንደይ ሳዕ ተንሲእና እዩ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዜገድስ፡ ክንደይ ሳዕ ወዲቕና ዘይኰነስ፡ ክንደይ ሳዕ ተንሲእና እዩ

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  • ልማድካ እንተ ደጊሱካ፡ ኣኺሉካ ፈሺልካ ማለት ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይትደምድም። ሸቶኻ ንምውቃዕ ክትጽዕር ከሎኻ፡ ዕንቅፋታት ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል ኣብ ግምት ኣእቱ።

  • ኣብቲ እተዓወትካሉ ግዜያት ኣተኵር። ንኣብነት፡ ነቲ ምስ ደቅኻ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ መገዲ ኸተመሓይሾ ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ‘ንደቀይ ሓሪቐ ኽጭድረሎም ሓሲበስ፡ ከምኡ ዘይገብርኩሉ እዋን መዓስ እዩ፧ ኣብ ክንዳኡ እንታይ እየ ገይረ፧ ነዚ ደጊመ ኽገብሮ ዚኽእልከ ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምሕታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘጋጠመካ ዕንቅፋታት፡ ኣብቲ ዝረኸብካዮ ዓወታት ንኸተተኵር ኪሕግዘካ እዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት፡ ማለት ሕጕስ ስድራ ቤት ኣብ ምህናጽ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ምርካብ ከምኡ እውን ንጭንቀት ክትዋጽኣሉ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘራርቦም፣ ወይ ከኣ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ርአ።

ተወሳኺ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

“ጠመተኻ ብቐጥታ ኣብ ቅድሜኻ የተኵር።”—ምሳሌ 4:25።

“ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሸቶ ኣቢለ . . . እግስግስ ኣለኹ።” —ፊልጲ 3:13, 14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ