ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 1 ገጽ 14-15
  • ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት
  • ንቕሑ!—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”
    ንቕሑ!—2019
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
    ንቕሑ!—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 1 ገጽ 14-15
ሓደ ቘልዓን ኣቦኡን ኣብ ማዕበል ባሕሪ ይጻወቱ፡ እታ ኣደን ኣዋልዳን ከኣ ኣብ ገምገም ኰይነን ይርእያኦም።

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ካብ ብዙሕ ዘየድሊ ጸቕጢ ኺሰትረካ ይኽእል እዩ። ንሕና ባዕልና ንዅሉ ጸቕጢ ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። ፈጣሪና ግና ይኽእል እዩ። ረዳኢ እውን ሸይሙልና ኣሎ። ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ካብቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ዝገበሮ ተኣምራት ንላዕሊ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ። ንኣብነት፦

የሱስ ንሕሙማት ኬሕዊ እዩ።

“ንሳቶም ድማ ኵሎም ሕሙማት . . . ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።”—ማቴዎስ 4:24።

የሱስ ንዅሉ ሰብ መንበርን ምግብን ኪህብ እዩ።

“[ተገዛእቲ ክርስቶስ] ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22።

የሱስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ኬምጽእ እዩ።

“ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ ካብቲ ፈለግ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም። . . . ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።”—መዝሙር 72:7-9።

የሱስ ንዘይፍትሓውነት ኬወግድ እዩ።

“ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:13, 14።

የሱስ ንመከራን ንሞትን ኬወግድ እዩ።

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

“ጽንኩር ግዜ”

“ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ጸቕጢ ይበዝሓን ትጭነቕን ትጕህን ትሳቐን ኣላ።”—መሓመድ ዩኒስ፡ ቀንዲ ኣሰናዳዊ ጋለፕ።

ጸቕጢ ኣመና ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ ዚውሓጠልና ምላሽ ይህብ እዩ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ” ይብል እዩ። እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ባህርይ ሰባት ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ገለ ኻብቲ ሕማቕ ባህርያት ከኣ ስስዐ፡ ትዕቢት፡ ሃይማኖታዊ ግብዝና፡ ቍጥዓ፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤት ዘይምህላው፡ ርእሰ ግትኣት ዘይምህላው ኪጥቀስ ይከኣል። (2 ጢሞቴዎስ 3:2-5) ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቘጻጸራ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ኬብቅዓ እየን።—ዳንኤል 2:44።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ