ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/9 ገጽ 3
  • ንሰማያዊ ኣቦኻ ትፈልጦዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰማያዊ ኣቦኻ ትፈልጦዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/9 ገጽ 3

ንሰማያዊ ኣቦኻ ትፈልጦዶ፧

ንኣቦኻ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧ ኣብ ፈቃር ስድራ ቤት እንተ ዓቢኻ፡ እዚ ሕቶ እዚ ይድንጽወካ ይኸውን። ‘ኣጸቢቐ እፈልጦ እምበር!’ ኢልካ ኸኣ ትምልስ ትኸውን። እወ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣቦኦም ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገራት፡ ንሓደ ነገር ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህብ፡ ከምኡውን ንስድራኡ ብኸመይ ከም ዚከናኸን ይፈልጡ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ፈጺምካ ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ ባህርያት ኣቦኻ፡ ሃንደበት ዝረኣኻሉ ግዜ ይህሉ ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ውላድ፡ ኣቦኡ ዘይተሓስበ ዅነታት ክሳዕ ዜጋጥሞ ለዋህን ህዱእን ከም ዝዀነ ይፈልጥ ይኸውን። ሃንደበት ግን፡ ኣቦኡ ብትብዓትን ብቘራጽነትን ንስድራኡ ኺከላኸለሎም ከሎ ይርኢ።

ንፈጣሪኸ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧ ብዛዕባኡ፡ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና” ዚብል ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ኣምላኽ ወሃቢ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ኣቦ ዅሎም ህያዋን ፍጥረታት እዩ። (ኢሳይያስ 64:8) ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ስምዒት እንተ ተሰሚዑካ፡ ጽቡቕን ግቡእን እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦን ክንመሃሮን እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ፡ ካብዚ ኸኣ ሓጐስን ጥቕምን ንረክብ።

ንኣቦኻ ዘሎካ ስምዒትን ክብርን ኣብቲ ብዛዕባኡ ዘሎካ ፍልጠት እተመርኰሰ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ዝያዳ እናፈለጥካዮ ብዝኸድካ መጠን፡ ምስኡ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ኣናዓበየ እዩ ዚኸይድ። ንኣምላኽ ኣዚኻ እናፈለጥካዮ እንተ ኼድካ ኸምኡውን ፍቓዱ ምግባር እንተ ተማሂርካ፡ ንሱ ድማ ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ፈተናታትን ጸገማትን ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እሞኸ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ባህርያት ኣለዎ፧ ባህርያቱ ብዛዕባኡ ንዘሎካ ስምዒታት ብኸመይ ይጸልዎ፧ ንዕኡ ምፍላጥካኸ እተወሰነ ሓላፍነታት የሰክመካ ድዩ፧ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽትረክብ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንኻልኦት ዘሎካ ስምዒት፡ በቲ ብዛዕባኦም ዘሎካ ፍልጠት ይጽሎ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ