ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/7 ገጽ 6-8
  • 3. ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3. ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መን እዩ ሓገዝ ዚርከብ፧
  • ‘ኵሉ ሕቶታተይ ተመለሰለይ’
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንዓኻ ዝኸውን መጽሓፍ ድዩ፧
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/7 ገጽ 6-8

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእለሉ መገድታት

3. ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል

ኤድዋርድ ጆን ኤር ዝስሙ ዳህሳሲ በቲ ኑላርበር ዚበሃል ጐልጐል ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብር ከሎ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣቦርጅናውያን ካብ ሑጻን ቀላሚጦስን ማይ ኪረክብ ዚኽእለሉ መገዲ ኣርኣይዎ። ካብቶም ነቲ ቦታ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ሰባት ሓገዝ ምቕባሉ ህይወቱ ኣድሓነሉ።

እዚ ኣብነት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ከቢድ ዝዀነ ዕዮ ብዓወት ንምፍጻም ካብቶም ነቲ ዅነታት ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ሓገዝ ምርካብ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እውን ተመሳሳሊ እዩ።

የሱስ፡ እቶም ሰዓብቱ ኻብ ካልኦት ሓገዝ ከየድለዮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ትጽቢት ኣይገበረን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃስ 24:45) መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ ሰባት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ንኺርድኡ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ካብ መን እዩ ሓገዝ ዚርከብ፧

የሱስ ነዚ ሓገዝ እዚ ንኺህቡ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ መዘዞም። ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ምምሃር ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ቀዳምነት ዚህብዎ ዕዮ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ኸኣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ተግባራዊ ኪኸውን ዚኽእለሉ መገዲ ምግላጽ እውን የጠቓልል። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ይሕግዝዎም እዮም።

የሱስ ነዚ መዝነት እዚ ንሰዓብቱ ኻብ ዚህቦም ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ዜደንቕ ፍጻመ ኣጋጠመ። ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ብዓል ስልጣን ንሓደ ኽፋል ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ኺርድኦ ዘይከኣለ ትንቢት ኣንበበ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ እታ ዘይተረድኣቶ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቍሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧”—ግብሪ ሃዋርያት 8:32, 33፣ ኢሳይያስ 53:7, 8።

እቲ ብዓል ስልጣን ነቲ ዓሚቝ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ፊልጶስ ዝስሙ ምኩር ክርስትያን፡ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:34) እቲ ቕኑዕ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ንኣምልኾ ናብ የሩሳሌም ከይዱን ምናልባት እውን መምርሒ ኺወሃቦ ጸልዩን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሃንቀውታን ብትሕትናን የንብብ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ ብትሕትና ኻብ ፊልጶስ ሓገዝ ሓተተ። በቲ ፊልጶስ ዝሃቦ መብርሂ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ድማ ክርስትያን ኪኸውን ተደረኸ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:35-39።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቲ ፊልጶስን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን ዚዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ 235 ሃገራት፡ ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝምህሮ ትምህርቲ ንኺርድኡ ይሕግዝዎም እዮም። ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት እተመስረተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ይህቡ እዮም። ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ-ነገር ወይ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዚብል ምምርማር ዜጠቓልል እዩ።a—ነታ “ንሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

‘ኵሉ ሕቶታተይ ተመለሰለይ’

እቶም ኣብ መእተዊ እታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ እተገልጹ ስቲቨንን ባልባናራን ጆኣንን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ስቲቨን ከምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ እተወሰነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ወይ ጸብጻባት ብምንጽጻር ሓቅነት ሓደ ጕዳይ ኪፍለጥ ምኽኣሉ ኣገሪሙኒ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማረይ ብኸመይ ከምኡ ኽገብር ከም ዝኽእል ዘርኣየኒ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ ዘይብሉ ኽትዕ ክትገብር ከም ዘየድልን ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳብ ከም ዘይብሉን ምፍላጠይ ዓብዪ ዕረፍቲ ኣምጺኡለይ እዩ።”

ባልባናራ እውን ምስዚ ትሰማማዕ እያ። “ኵሉ እቲ እተመሃርክዎ ንሓድሕዱ ዚሰማማዕን ርትዓውን እዩ ነይሩ። እቲ ዚበሃል ነገር ሓቂ ዚኸውን፡ ‘ቤተ-ክርስትያን’ ስለ ዝበለቶ ዘይኰነስ፡ ዜእምን መብርሂ ስለ ዘለዎ እዩ” በለት። ጆኣን እውን ከምዚ በለት፦ “ኵሉ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተመለሰለይ፡ ንደራሲኡ ኣዝዩ ዓሚቝ ኣኽብሮት ሓደረኒ፣ ከመይሲ፡ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለት ስለ ዘለዎ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዚሓቶ ሕቶ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ኸም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ።”

ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ክትሓቶ ምኸኣልካዶ፧ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺብካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ኣብ ገጽ 4 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዚጥዕመካ ጽሓፍ። ክፉት ኣእምሮ እንተ ኣልዩካ ኸምኡውን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ብቕዓት ዘለዎ መምህር መጽሓፍ ቅዱስን እንተ ሓጊዙካ፡ ቃል ኣምላኽ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ኣይክዀነካን እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት እተመስረተ ቕዱስ ጽሑፋዊ መጽናዕቲ ኺገብሩ ሓጊዛቶም እያ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ

ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመያየጡሉ ኣርእስትታት እዚ ዚስዕብ ይርከቦ፦

• ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

• ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

• ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧

• ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

• ንናብራ ስድራ ቤተይ ዜሐጕስ ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትርድኦ . . . መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበካ ጸሊ፡ ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብብ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ