ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚጠቅም ናይ መንግስቲ ኽህነት
“ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”—1 ጴጥ. 2:9።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ኽህነት ብመጀመርታ መብጽዓ እተኣትወ መዓስ እዩ፧
እቲ ሓድሽ ኪዳን ናይ መንግስቲ ኽህነት ዜፍሪ ብኸመይ እዩ፧
ናይ መንግስቲ ኽህነት ንደቂ ሰብ ብኸመይ እዩ ኺጠቕሞም፧
1. ድራር ጐይታ፡ ዝኽሪ ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧ ዕላማኡኸ እንታይ እዩ፧
ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ክርስቶስን እቶም 12 ሃዋርያቱን ንመወዳእታ ግዜ ፋስጋ ኣይሁድ ኣብዓሉ። የሱስ ነቲ ኸሓዲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ ኣሰናበቶ፡ እተፈልየ በዓል ገበረ፣ እዚ በዓል እዚ ኸኣ ጸኒሑ “መኣዲ ጐይታ” ወይ ድራር ጐይታ ተባህለ። (1 ቈረ. 11:20) የሱስ ክልተ ሳዕ፡ “ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ፣ እዚ ኸኣ ዝኽሪ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ በዓል እዚ፡ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ስለ ዝሞተ፡ ብዛዕባ እቲ ዝኸፈለልና መስዋእቲ እንዝክረሉ ፍሉይ በዓል እዩ። (1 ቈረ. 11:24, 25) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ እዚ ንምሕላው፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓዓመት በዓል ዝኽሪ የኽብሩ እዮም። ብኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 14 ኒሳን፡ ብ2012፡ ሓሙስ 5 ሚያዝያ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እያ እትጅምር።
2. የሱስ ብዛዕባ እቲ እተጠቕመሉ ቕጫን ወይንን እንታይ በለ፧
2 ወደ መዝሙር ሉቃስ ነቲ የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝገበሮን ዝበሎን ነገር፡ ኣብ ክልተ ፍቕዲ ጸሚቑ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፤ እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፤ እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።” (ሉቃ. 22:19, 20) ሃዋርያትከ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብኸመይ ተረድእወን፧
3. ሃዋርያት ንትርጕም እቲ ቕጫን ወይንን ብኸመይ እዮም ተረዲኦምዎ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧
3 ሃዋርያት ነቲ ኻህናት ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚስውእዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። እዚ መስዋእትታት እዚ ስምረት የሆዋ ንምርካብ ተባሂሉ እዩ ዚቐርብ ነይሩ፣ ሓያሎ ኻብኡ ድማ ሓጢኣት ንምትዕራቕ ተባሂሉ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። (ዘሌ. 1:4፣ 22:17-29) ስለዚ፡ ሃዋርያት ነቲ የሱስ፡ ስጋኡ ምእንታኦም ከም ዚወሃብ፡ ደሙ ድማ ምእንታኦም ከም ዚፈስስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ኬቕርባ ምዃኑ ኸም ዚሕብር ተረዲእዎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ፡ ካብ መስዋእቲ እንስሳታት ኣዝዩ ዚበልጽ መስዋእቲ እዩ ነይሩ።
4. የሱስ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” ኺብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
4 እቲ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” ዚብል ቃላት የሱስከ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ሃዋርያት ነቲ ኣብ ኤርምያስ 31:31-33 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ዚገልጽ ትንቢት ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። (ኣንብብ።) እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ነዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ እዩ ዜምልክት ነይሩ። እዚ ኺዳን እዚ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ምስ እስራኤላውያን ዝኣተዎ ኺዳን ሕጊ ዚትክእ እዩ ነይሩ። ሓድሽ ኪዳን ምስ ኪዳን ሕጊ ምትእስሳር ነይርዎ ድዩ፧
5. ኪዳን ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን እንታይ ተስፋ እዩ ሂብዎም፧
5 እወ፡ ዕላማኡ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ኪዳን ሕጊ ሙሴ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ዘጸ. 19:5, 6) እዚ ቓላት እዚ፡ ንእስራኤላውያን እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧
ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ኽህነት እተገብረ መብጽዓ
6. ኪዳን ሕጊ ሙሴ ናይ ኣየናይ መብጽዓ መራጐዲ እዩ ነይሩ፧
6 እስራኤላውያን ነታ “ኺዳን” እትብል ቃል ይርድእዋ ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ የሆዋ ምስ ኣባሓጎታቶም ኖህን ኣብርሃምን ኪዳን ኣትዩ፡ ወይ ውዕል ገይሩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 6:18፣ 9:8-17፣ 15:18፣ 17:1-9) የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል ተመባጺዑሉ እዩ። እዚ መብጽዓ እዚ፡ ክፍሊ እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 22:18) ኪዳን ሕጊ ሙሴ ነዚ መብጽዓ እዚ ዜራጕድ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ኺዳን እቲ፡ እስራኤላውያን፡ ‘ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘብ የሆዋ’ ኪዀኑ ይኽእሉ ነበሩ። ንምንታይ ዕላማ፧ ‘ንየሆዋ መንግስቲ ኻህናት ምእንቲ ኪዀኑ’ እዩ።
7. “መንግስቲ ኻህናት” ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
7 እስራኤላውያን ብዛዕባ ነገስታትን ካህናትን ፍልጠት ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኽልቲኡ ሓላፍነት ብሓንሳእ ሒዝዎ ዝነበረ፡ እቲ ስምረት የሆዋ ዝነበሮ መልከጼዴቅ ጥራይ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 14:18) ሕጂ ድማ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ “መንግስቲ ኻህናት” ኪፈርዩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ኣብቲ ጸኒሑ ብመሪሕነት መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፋት ከም እተሓበረ ድማ፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ካህናት እውን ዚዀኑ ነገስታት ናይ ምፍራይ ኣጋጣሚ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—1 ጴጥ. 2:9።
8. ብኣምላኽ እተሸሙ ኻህናት እንታይ ኣገልግሎት እዮም ዜቕርቡ ነይሮም፧
8 ንጉስ ይገዝእ እዩ። ካህንከ እንታይ እዩ ዚገብር፧ እብራውያን 5:1፡ “ካብ ማእከል ሰብ እተወስደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኺስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም” ብምባል ትገልጽ። ስለዚ፡ ሓደ ብየሆዋ እተሸመ ኻህን ንሓጥኣን ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ ነበረ። ነቲ ኣብቲ ሕጊ እተሰርዐ መስዋእትታት ብምስዋእ ድማ እዩ ንኣምላኽ ዚልምነሎም ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ህዝቢ መለኮታዊ ሕጊ ብምምሃር፡ ንኣምላኽ ወኪሉ ኣብ ቅድሚኦም ይቐርብ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 10:8-11፣ ሚል. 2:7) በዚ መገድታት እዚ፡ ሓደ ብኣምላኽ እተሸመ ኻህን ነቶም ህዝቢ ምስ ኣምላኽ የተዓርቖም ነበረ።
9. (ሀ) እስራኤላውያን ነቲ “መንግስቲ ኻህናት” ንኪዀኑ እተኣትወሎም መብጽዓ ንኺረኽብዎ እንታይ ብቕዓት ኬማልኡ ነበሮም፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን፡ ክህነት ዝሰርዐ ስለምንታይ እዩ፧ (ሐ) እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ፡ “መንግስቲ ኻህናት” ኪዀኑ ዘይክኣሉ ስለምንታይ እዮም፧
9 ስለዚ እምበኣር፡ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ን“ዅሎም ህዝብታት” ጥቕሚ ዜምጽእ መንግስቲ ኻህናት ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ነበረ። ኰይኑ ግና፡ እስራኤላውያን ነዚ ኽቡር ኣጋጣሚ እዚ ንኺረኽብዎ ኼማልእዎ ዝነበሮም ብቕዓት ነይሩ እዩ። ኣምላኽ፡ “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም” ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ብቕዓት እቲ ነጊርዎም እዩ። እሞኸ፡ እስራኤላውያን፡ ‘ቃል የሆዋ ኣጸቢቖም ኪሰምዑ’ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም፧ እወ፡ ግናኸ ብእተማልአ መገዲ ኺሰምዕዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ሮሜ 3:19, 20) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ የሆዋ ንግዜኡ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ካህናት ዝሸመ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ከም ነገስታት ኰይኖም ኣየገልግሉን እዮም ነይሮም። ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ ንምትዕራቕ ከኣ፡ መስዋእቲ እንስሳታት የቕርቡ ነይሮም እዮም። (ዘሌ. 4:1–6:7) እቲ ሓጢኣት እቲ፡ ንሓጢኣት እቶም ካህናት እውን ዚሓቍፍ እዩ ነይሩ። (እብ. 5:1-3፣ 8:3) የሆዋ ነዚ መስዋእትታት እዚ ይቕበሎ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ መስዋእትታት ንሓጢኣት እስራኤላውያን ምሉእ ብምሉእ ኣይሽፍኖን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ኽህነት፡ ነቶም ቅኑዓት እስራኤላውያን እውን ከይተረፈ፡ ምስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኬተዓርቖም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከአሎን እዩ።” (እብ. 10:1-4) እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ብምፍራሶም ኣብ ትሕቲ መርገም ወደቑ። (ገላ. 3:10) ኣብቲ ዅነታት እቲ ዀይኖም፡ መንግስቲ ኻህናት ብምዃን ንዓለም ኬገልግሉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።
10. ኪዳን ሕጊ ሙሴ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧
10 እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን “መንግስቲ ኻህናት” ንኪዀኑ ዝኣተወሎም መብጽዓ ንኸንቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ብቕንዕና ኺእዘዙ እንተ ዚደልዩ ነይሮም፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምረኸብዎ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዀይኖም ኪረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ (ገላትያ 3:19-25 ኣንብብ።) ነዚ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ንዕላማ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ኽንፈልጦ ኣሎና። እቲ ሕጊ ነቶም እተኣዘዝዎ፡ ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣዕቚብዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓጢኣተኛታት ምዃኖምን ካብቲ ሊቀ ኻህኖም ኪስውኦ ዚኽእል ዝነበረ መስዋእቲ ዚበልጽ መስዋእቲ ኸም ዜድልዮምን ንኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሕጊ፡ ናብ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ዜብጽሕ ቀጻዒ ወይ መምህር እዩ ነይሩ፣ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ዚብል ማዕርግ፡ “ቅቡእ” ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ መሲሕ ምስ መጸ፡ ነቲ ብኤርምያስ ኣቢሉ ብትንቢት እተነግረ ሓድሽ ኪዳን ፈጺምዎ እዩ። እቶም ንክርስቶስ እተቐበልዎ ሰባት፡ ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ብምዃን “መንግስቲ ኻህናት” ኪዀኑ ተዓዲሞም እዮም። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ከም ዝኸኣለ ንርአ።
እቲ ሓድሽ ኪዳን ናይ መንግስቲ ኽህነት የፍሪ
11. የሱስ መሰረት ናይ መንግስቲ ኽህነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
11 የሱስ ብዓል ናዝሬት ብ29 ድ.ክ. መሲሕ ኰነ። ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ዝነበሮ ፍሉይ ፍቓድ ንምፍጻም ርእሱ ኣቕረበ፣ ነዚ ኸኣ ብማይ ጥምቀት ገለጾ። የሆዋ ብዛዕባኡ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብምባል፡ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ቀብኦ። (ማቴ. 3:13-17፣ ግብ. 10:38) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ደቂ ሰብ፡ ሊቀ ኻህኖምን ንጉሶምን ኪኸውን ተሸመ። (እብ. 1:8, 9፣ 5:5, 6) መሰረት እቲ ናይ ሓቂ ናይ መንግስቲ ኽህነት ከኣ ኰነ።
12. ብመስዋእቲ የሱስ እንታይ ተረኽበ፧
12 የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን፡ ንሓጢኣት ኣመንቲ ምሉእ ብምሉእ ዚሽፍን እንታይ ዓይነት መስዋእቲ እዩ ኬቕርብ ዚኽእል ነይሩ፧ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ዝሰርዓሉ እዋን ከም ዝገለጾ፡ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ እዩ ንመስዋእቲ ኣቕሪብዋ። (እብራውያን 9:11, 12 ኣንብብ።) ካብቲ ብ29 ድ.ክ. ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እተቐብኣሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ክሳዕ ዚመውት ፈተናታትን ስልጠናን ኣሕለፈ። (እብ. 4:15፣ 5:7-10) ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ነቲ ዋጋ መስዋእቱ ድማ ናብ የሆዋ ኣቕረቦ። (እብ. 9:24) ድሕሪ እዚ፡ ነቶም ብመስዋእቱ ዚኣምኑ ሰባት ኪልምነሎምን ንዘለኣለም ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግልዎ ኺሕግዞምን ከኣለ። (እብ. 7:25) ብዘይካዚ፡ ብመስዋእቱ ገይሩ እዩ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣጽኒዕዎ።—እብ. 8:6፣ 9:15።
13. እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ኪኣትዉ እተዓደሙ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧
13 ኵሎም እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ንኺኣትዉ እተዓደሙ ሰባት እውን ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ኣድለየ። (2 ቈረ. 1:21) እሙናት ኣይሁድ ብድሕሪኦም ከኣ ኣህዛብ፡ ኣብዚ ኺዳን እዚ ኣትዮም እዮም። (ኤፌ. 3:5, 6) እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚኣተዉ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ይሕደገሎም። የሆዋ፡ “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ብምባል ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። (ኤር. 31:34) ሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሓድገሎም ከኣ፡ “መንግስቲ ኻህናት” ይዀኑ። ጴጥሮስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” በሎም። (1 ጴጥ. 2:9) ነዚ ቓላት እዚ፡ ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ኺህቦም ከሎ እተዛረቦ ቓላት እዩ ወሲድዎ፣ ኣብቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝኣተዉ ክርስትያናት ከኣ ኣውዓሎ።—ዘጸ. 19:5, 6።
ናይ መንግስቲ ኽህነት ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጠቕሞም
14. ኣባላት እቶም ናይ መንግስቲ ኽህነት ኣበይ እዮም ዜገልግሉ፧
14 ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣበይ እዮም ዜገልግሉ፧ ኣብ ምድሪ ኸም ጕጅለ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ፣ ንሰባት ‘ደግነት የሆዋ ብምንጋርን’ መንፈሳዊ ምግቢ ብምድላውን ከኣ ንየሆዋ ወኪሎም ከም ካህናት ኰይኖም የገልግሉ። (ማቴ. 24:45፣ 1 ጴጥ. 2:4, 5) ሞይቶም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ብምግልጋል ንኽልቲኡ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ይዓይሉ። (ሉቃ. 22:29፣ 1 ጴጥ. 1:3-5፣ ራእ. 1:6) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ሰማይ ኣብ ጥቓ ዝፋን የሆዋ ሓያሎ መንፈሳውያን ፍጥረታት ምርኣዩ፡ ነዚ የረጋግጽ። ነቲ “ገንሸል” ከኣ፡ “ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም” ብምባል “ሓድሽ መዝሙር” ዘመሩሉ። (ራእ. 5:8-10) ዮሃንስ ብዛዕባ እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ጸኒሑ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም” በለ። (ራእ. 20:6) ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ከኣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚጠቅም ናይ መንግስቲ ኽህነት የቑሙ።
15, 16. ናይ መንግስቲ ኻህናት ንደቂ ሰብ ብኸመይ እዮም ኪጠቕምዎም፧
15 እቶም 144,000 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኸመይ እዮም ኪጠቕምዎም፧ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 21 እዞም ናይ መንግስቲ ኻህናት፡ “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” እተባህለት ሰማያዊት ከተማን ሓዳስ የሩሳሌምን ከም ዝዀኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። (ራእ. 21:9) ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ካብ ፍቕዲ 2 ኽሳዕ ፍቕዲ 4 ኸምዚ ይብል፦ “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” እዝስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ሞት ስለ ዘይህሉ፡ እቲ ብሰንኩ ዚመጽእ ንብዓትን ሓዘንን ጫውጫውን ጻዕርን እውን ኣይኪህሉን እዩ። እሙናት ደቂ ሰብ ፍጹማት ኪዀኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ድማ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ እዮም።
16 ራእይ 22:1, 2 ብዛዕባ እቲ እዞም ናይ መንግስቲ ኻህናት ዜምጽእዎ ተወሳኺ በረኸታት ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርአየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ [ሓዳስ የሩሳሌም] ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።” በዚ ምሳልያዊ መሰናድዎታት እዚ፡ “ህዝብታት” ወይ ከኣ ስድራ ቤታት ደቂ ሰብ፡ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ምሉኡ ብምሉእ ኪሓውዩ እዮም። ብሓቂ ድማ ሽዑ፡ “እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ” ኺብሃል እዩ።
ናይ መንግስቲ ኽህነት ዕዮኡ ይዛዝም
17. መንግስቲ ኻህናት ኣብ መወዳእታ እንታይ እዮም ኪፍጽሙ፧
17 እቶም ናይ መንግስቲ ኻህናት ን1,000 ዓመት ጠቓሚ ኣገልግሎት ምስ ሃቡ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ደቂ ሰብ ፍጹማት ኪዀኑ እዮም። ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህንን ንጉስን ዝዀነ ክርስቶስ፡ ነቶም ፍጹማት ደቂ ሰብ ናብ የሆዋ ኬቕርቦም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:22-26 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንግስቲ ኻህናት ምሉእ ብምሉእ ዕዮኦም ኪዛዝሙ እዮም።
18. መንግስቲ ኻህናት ዕዮኦም ምስ ዛዘሙ፡ የሆዋ ነዞም መዓይይቲ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺጥቀመሎም፧
18 ብድሕሪ እዚ፡ የሆዋ ነዞም ክቡር መሰል ዝረኸቡ መዓይይቲ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺጥቀመሎም፧ ብመሰረት ራእይ 22:5፡ “ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ እዮም።” ኣብ ልዕሊ መን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ወትሩ ኺጥቀመሎም እዩ። ዘይትመውትን ዘይትሓልፍን ህይወት ክትህልዎም እያ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብምሕጋዞም ዚረኽብዎ ተመክሮ እውን ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነገስታት ኰይኖም ንዘለኣለም ዕላማ የሆዋ እናፈጸሙ ኺነብሩ እዮም።
19. እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ሰባት እንታይ መዘኻኽሪ እዩ ኺወሃቦም፧
19 ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኸነብዕል፡ ሓሙስ 5 ሚያዝያ 2012 ክንእከብ ከለና፡ ብዛዕባ እዚ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ መዘኻኸሪ ኺወሃበና እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ዘይበዅዐ ቕጫን ካብቲ ቐይሕ ወይንን ብምውሳድ ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ምዃኖም ኬርእዩ እዮም። እዚ ምልክት መስዋእቲ የሱስ ዝዀነ ቕጫን ወይንን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ክቡር መሰልን ሓላፍነታትን የዘኻኽሮም። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ኣብቲ በዓል እቲ ብምእካብ፡ ነቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚጠቅም ናይ መንግስቲ ኽህነት ዘሰናደዎ የሆዋ፡ ልባዊ ሞሳና ንግለጸሉ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መንግስቲ ኽህነት ንዅሎም ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪጠቕሞም እዩ