ኣርማጌዶን ገሊኣቶም ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧
“ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም።”—ራእይ 16:16።
ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ይመጸካ፧ ምናልባት፡ ዓብዪ ዕንወት ይርኣየካ ይኸውን። እታ ቓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ እትርከብ እኳ እንተ ዀነት፡ መራኸቢ ብዙሓንን መራሕቲ ሃይማኖትን ግና ብተደጋጋሚ እዮም ዚጠቕስዋ።
እቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዚህብዎ ሓሳባት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ይሰማማዕ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥካ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ ኣርማጌዶን እቲ ሓቂ ምፍላጥካ፡ ካብ ዘየድሊ ፍርሂ ናጻ ይገብረካ፡ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ኣረኣእያ የሕድረልካ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ኣተሓሳስባ ኸኣ ይጸልዎ እዩ።
ነዚ ዚስዕብ ሰለሰተ ሕቶታት መርምር እሞ፡ ነቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዚህብዎ ሓሳባት፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣረኣእዮ።
1. ኣርማጌዶን፡ ሰብ ዜምጽኦ ዕንወት ድዩ፧
ጋዜጠኛታትን ተመራመርትን ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰባት ዜምጽእዎ ዕንወት ንምግላጽ እዮም ዚጥቀሙላ። ንኣብነት፡ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም፡ ኣርማጌዶን ከም ዝዀነ ጌርካ ኺጥቀስ ጸኒሑ እዩ። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ብኣቶማዊ ኣጽዋራተን ንሓድሕደን ከይዋጋኣ፡ ደቂ ሰብ ስግኣት ሓዲርዎም ነይሩ እዩ። መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ኺስዕብ ዚኽእል ውግእ፡ “ኑክልየሳዊ ኣርማጌዶን” ዚብል ስያመ ሃብዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ተመራመርቲ እቲ ብከላ ኣብ ኵነታት ኣየር ኬምጽኦ ዚኽእል ዓብዪ ለውጢ ስለ ዜፍርሆም፡ “ክሊማዊ ኣርማጌዶን” ኪወርድ ከም ዚኽእል የጠንቅቑ።
እዚ መግለጺ እዚ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ፦ ንመጻኢ ምድሪ ዀነ ንመጻኢ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ዚቈጻጸርዎ፡ ሰባት እዮም። መንግስትታት ጥበባዊ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዶም፡ ምድሪ ተባላሽያ ኽትተርፍ እያ።
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ኣይኪፈቅድን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋa ንምድሪ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” ደኣ እምበር፡ “ጥራያ ኽትከውን” ከም ዘይፈጠራ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ስለዚ፡ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም’ ደኣ እምበር፡ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዋ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ።—ራእይ 11:18።
2. ኣርማጌዶን ባህርያዊ ሓደጋ ድዩ፧
ጋዜጠኛታት ሓድሓደ ግዜ ንዓበይቲ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ “ኣርማጌዶን” ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም። ንኣብነት፡ ብ2010፡ “ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ኣርማጌዶን” ዚብል ጸብጻብ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ስቓይን ዕንወትን ሞትን ከም ዘስዓበ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ወሃብቲ ዜናን ኣዳለውቲ ፊልምን ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ነቲ ድሮ እተፈጸመ ፍጻመታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብሕጂ ንኺፍጸም ዚጽበይዎ ዜፍርህ ፍጻመታት ንምግላጽ እውን ይጥቀሙላ እዮም። ንኣብነት፡ ነቲ ሓደ ኰዀብ ንምድሪ ምስ ወቕዓ ኬጋጥም ዚኽእል ሳዕቤናት ንምግላጽ ኪጥቀሙላ ጸኒሖም እዮም።
እዚ መግለጺ እዚ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ፦ ኣርማጌዶን ብዘይ ኣፋላላይ ንንጹሃት ሰባት ዜጽንት፡ ብሃውሪ ዜጋጥም ፍጻመ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ንምዕቛብ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን።
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ ኣርማጌዶን ንማሕበረሰብ ብኣልማማ ዜጥፍእ ሃንደበታዊ ፍጻመ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፈልዩ ንእኩያት ሰባት ጥራይ እዩ ዜጥፍእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ” ኢሉ ይመባጻዕ።—መዝሙር 37:10።
3. ኣምላኽ ንምድሪ ብኣርማጌዶን ኬጥፍኣ ድዩ፧
ሓያሎ ሃይማኖታውያን ሰባት፡ ጻድቃንን እኩያትን ንመወዳእታ ግዜ ኸም ዚዋግኡ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ምድርና ኸም እትጠፍእ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ፕሪንስተን ብእተኻየደ መጽናዕቲ እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ 40 ሚእታዊት እቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት፡ ዓለም “ኣብ ኣርማጌዶን ኣብ ዚግበር ውግእ” ከም እትጠፍእ እዮም ዚኣምኑ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ፦ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም፣ ምድሪ እውን ንዘለኣለም ንኽትነብር ኣይኰነትን ተፈጢራ። ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በጽሑ ኸም ዚሞቱ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም።
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 104:5) ብዛዕባ ተቐማጦ ምድሪ ኸኣ፡ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል።—መዝሙር 37:29።
ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዚህብዎ እተፈላለየ ርእይቶታት ከም ዚጋጮ ንጹር እዩ። እቲ ሓቂ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።