ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/2 ገጽ 5-7
  • ኣርማጌዶን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርማጌዶን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርማጌዶን ኣብ ዚብሃል ቦታ ተኣከቡ
  • ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣርማጌዶን ኣብ እስራኤል ድዩ ዚጅምር፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/2 ገጽ 5-7

ኣርማጌዶን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

“እዚኣቶም . . . ንነገስታት ኵላ ዓለም . . . ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም።”​—ራእይ 16:14, 16።

ኣርማጌዶን ስም ናይ ሓደ ቦታ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቦታ እቲ፡ ቃል ብቓሉ ኣብ ምድሪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ የለን።

ቀንዲ ትርጕም እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ውግእ ምስ ዝኣመሰለ ፍጻመ ብምትሕሓዝ እትግለጽከ ስለምንታይ እያ፧

ኣርማጌዶን ኣብ ዚብሃል ቦታ ተኣከቡ

እታ ሃር-ማጌዶን እትብል በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ኸረን መጊዶ” ማለት እያ። ከምዚ ዚብሃል ከረን እኳ እንተ ዘይነበረ፡ መጊዶ ዚብሃል ቦታ ግና ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ፡ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ይነብሩሉ ኻብ ዝነበሩ ኸባቢ፡ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ዚርከብ ስትራቴጅያዊ ቐራናታት መገዲ እዩ ዚርከብ። ኣብ ጥቓ እቲ ቦታ እቲ፡ ሓያሎ ውግእ ተኻይዱ እዩ። ስለዚ ድማ፡ እታ መጊዶ እትብል ስም፡ ምስ ውግእ ተተሓሒዛ ኽትጥቀስ ጀመረት።a

ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሓቂ ትርጕም መጊዶ፡ ምስቲ ኣብቲ ቦታ እቲ እተኻየደ ዓይነት ውግእ ዘይኰነስ፡ ምስቲ እቲ ውግእ እተኻየደሉ ምኽንያት እዩ ዚተሓሓዝ። መጊዶ፡ ክፍሊ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምድሪ ተስፋ እያ ነይራ። (ዘጸኣት 33:1፣ እያሱ 12:7, 21) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ኪከላኸለሎም ምዃኑ ምሒሉሎም ነይሩ እዩ፣ ከምቲ ዝበሎ ድማ ተኸላኺሉሎም እዩ። (ዘዳግም 6:18, 19) ንኣብነት፡ ካብቶም ኪወርርዎም ዚመጹ ሰራዊት እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ያቢንን ሲሰራ ሓለቓ ሰራዊቱን ብተኣምራዊ መገዲ ተኸላኺሉሎም እዩ።—መሳፍንቲ 4:14-16።

ስለዚ፡ እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዋ። ክልተ ብርቱዓት ሰራዊት ንዚዋግእዎ ውግእ ድማ እያ እተመልክት።

እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንመንግስትታት ደቂ ሰብ፡ ሰራዊተን ንኺእክባ ድራኸ ኸም ዜሕድሩለን፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚህንደዱ ይገልጽ። ሽዑ፡ ኣምላኽ ነቶም ወረርቲ ስለ ዚድምስሶም፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ኪጠፍእ እዩ።—ራእይ 19:11-18።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅራ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ምሕረት” ተባሂሉ ዘሎ ኣምላኽ፡ ህይወት ሓያሎ ሰባት ዜጥፍእ ስለምንታይ እዩ፧ (ነህምያ 9:17) ነቲ ኣምላኽ ዚወስዶ ስጕምቲ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት ክንምልሶ የድልየና፦ (1) ነቲ ውግእ እቲ ዚጅምሮ መን እዩ፧ (2) ኣምላኽ ኢዱ ዜእቱ ስለምንታይ እዩ፧ (3) እዚ ውግእ እዚ፡ ኣብ ምድርን ኣብ ተቐማጦኣን እንታይ ነባሪ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ፧

1. ነቲ ውግእ ዚጅምሮ መን እዩ፧

ውግእ ኣርማጌዶን፡ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምጭቋን ኢሉ ዜውርዶ መጥቃዕቲ ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቶም ጥዑያት ሰባት ካብቶም ዜጥቅዕዎም ምእንቲ ኺከላኸለሎም ኢሉ እዩ ዚዋጋእ። እቶም ኣብዚ ውግእ እዚ ዚካፈሉ ጨቈንቲ፡ “ነገስታት ኵላ ዓለም” ወይ መራሕቲ ዓለም እዮም። እዚኣቶም መጥቃዕቲ ዚፍንዉ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ንመንግስትታትን ንሰራዊቶምን ብድሕሪኦም ኰይኑ ብምቍጽጻር፡ ነቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ህዝቢ ንኼጽንትዎም ኬለዓዕሎም እዩ።—ራእይ 16:13, 14፣ 19:17, 18።

ነቲ ሎሚ ኣብ ገሊአን ሃገራት ናይ ምዝራብን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት ንኺህሉ ዚግበር ኣትኵሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስትታት ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ንምቍጽጻር ወይ ንምጥፋእ ኢሎም ከም ዚልዓሉ ምሕሳብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ፡ ብመበል 20 ዘመን ተራእዩ እዩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ ይርአ እዩ ዘሎ።b ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ መጥቃዕትን ምስ ኣርማጌዶን ብእተተሓሓዘ ዚግበር መጥቃዕትን፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ዓበይቲ ፍልልያት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ስፍሓት እቲ መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ እዩ ኪኸውን። ካልኣይ፡ እቲ የሆዋ ዚወስዶ ስጕምቲ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝወሰዶ ስጕምትታት ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ ኪኸውን። (ኤርምያስ 25:32, 33) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ውግእ እዚ፡ “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ዚግበር ውግእ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።

2. ኣምላኽ ኢዱ ዜእቱ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ንኣገልገልቱ ሰላማውያን ኪዀኑን ንጸላእቶም ኬፍቅሩን መምርሒ ሂብዎም እዩ። (ሚክያስ 4:1-3፣ ማቴዎስ 5:43, 44፣ 26:52) ስለዚ፡ እቲ እኩይ መጥቃዕቲ እቲ ኺወርዶም ከሎ፡ ንምክልኻል ኢሎም ኣጽዋር ኣይኬልዕሉን እዮም። ኣምላኽ ንህዝቡ ንምድሓን ኢሉ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዱ፡ ህዝቡ ምሉእ ብምሉእ ኪጸንቱ እዮም። ስም የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ኪትንከፍ እዩ። ጸላእቲ ንህዝቢ የሆዋ ኼጽንትዎም እንተ ኽኢሎም፡ የሆዋ ጨካንን ዘይፍትሓውን ዓቕሚ ዘይብሉን ኪመስል እዩ። ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ኪህሉ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ!—መዝሙር 37:28, 29።

ኣምላኽ ንማንም ሰብ ኬጥፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ፡ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ንዅሎም ጸላእቲ ህዝቡ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት ኣቢሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ህዝቡ ኺጥቅዑ ኸለዉ ሕነ ኸም ዝፈደየ የዘኻኽሮም ኣሎ። (2 ነገስት 19:35) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚመጽእ እዋን ሰይጣንን እቶም ንሱ ዚቈጻጸሮም ሰባትን ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥቅዕዎም ምስ ተላዕሉ፡ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ኸም ዚዋጋእ ይገልጽ እዩ። የሆዋ ንእኩያት ከም ዜጽንቶም ዘመናት ኣቐዲሙ ኣብ ቃሉ ገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 2:21, 22፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-9) ኣብቲ ውግእ እቲ፡ እቶም ጸላእቲ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ይዋግኡ ኸም ዘለዉ ኺፈልጡ እዮም።—ህዝቅኤል 38:21-23።

3. እዚ ውግእ እዚ፡ እንታይ ነባሪ ውጽኢት ኣለዎ፧

ውግእ ኣርማጌዶን ሚልዮናት ሰባት ኬድሕን እዩ። ኣብ ምድሪ ሰላም ከም ዚሰፍን እውን ኪገብር እዩ።—ራእይ 21:3, 4።

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ውግእ እቲ ዚድሕኑ ቝጽሪ ዘይብሎም “ብዙሓት ሰብ” ትገልጽ እያ። (ራእይ 7:9, 14) እዚኣቶም ብመሪሕነት ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ እዮም። በዚ ኸምዚ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ መጥቃዕቲ፡ መዓስ ከም ዚጅምር ንፈልጥ ዲና፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሓደ ቦታ ምስ ውግእ ተተሓሒዙ ኺጥቀስ፡ ዘይልሙድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ብኣቶማዊ ቦምብ እተደምሰሰት ከተማ ሂሮሽማ፡ ሎሚ ኸም ምልክት እቲ ኑክልየሳዊ ውግእ ዚፈጥሮ ስግኣት እያ እትጥቀስ።

b እቲ ናዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝገበሮ ጃምላዊ ቕትለት፡ ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ንሃይማኖታትን ቀቢላውያን ጕጅለታትን ንምጥፋእ ዚገብሮ ፈተነታት እዩ። ኣብ እዋን ሶቭየት፡ ኵለን እተን ኣብ ውሽጢ ዴሳዊ ሪፓብሊካት ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ከቢድ ጸቕጢ ተገይሩለን ነይሩ እዩ። ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ 1 ግንቦት 2011 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንህዝቡ ተኸላኺሉሎም እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እውን ንህዝቡ ኺከላኸለሎም እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ