ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/2 ገጽ 28-31
  • “ንየሆዋ ኣሐጕስዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንየሆዋ ኣሐጕስዎ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና”
  • ‘ምስ ኣጋርሲ ተቓዳዲምኩም፡ ምስ ኣፍራስከ፧’
  • ኣብቲ መደብ ዝጐልሐ ኻልእ ክፍልታት
  • ተመክሮታትን ቃለ መጠይቓትን
  • “እዚኣ መዓልትኹም እያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተላኢኾም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ፈትዮም ይመጹ ኣለዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/2 ገጽ 28-31

መበል 131 ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ

“ንየሆዋ ኣሐጕስዎ”

ብ10 መስከረም 2011፡ ስድራ ቤትን ፈተውትን ካልኦት ዕዱማትን፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 131 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ተዛረብትን እቶም ተመሃሮን ተጨኒቖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ 9,063 ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ገጾም ሓጐስ ይንበብ ነበረ፣ በቲ ዝሰምዕዎ መደረታትን ቃለ መጠይቓትን ኰነ በቲ ዝረኣይዎ መርኣያታት እውን ተሓጒሶም እዮም።

ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነን ኣቦ መንበር እቲ መደብ ዝነበረን ስቲቨን ለት፡ መኽፈቲ መደረ ኣቕረበ። ነቲ ብዛዕባ ምሳልያዊ ኽፋላት ኣካል የሆዋ ኣምላኽ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ገለጾ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብዛዕባ ምሳልያዊ ዓይንን እዝንን ኢድን ቅልጽምን የሆዋ ዚገልጽ ጥቕስታት ኣተኰረ።

ፈለማ፡ እቲ ተዛራባይ፡ ብዛዕባ 2 ዜና መዋእል 16:9 ገለጸ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ትብል። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ዝዀነ ልቢ ንኼማዕብሉ ኣተባብዖም። ልክዕ ከም ኣምላኽ፡ ኣብቲ ኻልኦት ሰባት ዜርእይዎ ጽቡቕ ባህርያት ኬተኵሩ እውን ነገሮም። ሓው ለት ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ 1 ጴጥሮስ 3:12 ገለጸ፣ እታ ጥቕሲ፡ ኣእዛን የሆዋ ንጸሎት ጻድቃን ከም ዚሰምዓ ትገልጽ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ የሆዋ ንጸሎቶም ኪሰምዖ ስለ ዚደሊ፡ ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ተማሕጸኖም።

እቲ ተዛራባይ ብዛዕባ ኢሳይያስ 41:13 እውን ገሊጹ ነበረ፣ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። ሓው ለት ብውዕዉዕ ስምዒት፡ “ነቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ልቢ ዚትንክፍ ኣዘራርባ የሆዋ እሞ ኣስተብህሉሉ። ብኢድና ንኺሕዘና ኢሉ፡ ኢዱ ይዝርግሕ ማለት እኮ እዩ” በለ። ድሕሪኡ ነቶም ተመሃሮ፡ የሆዋ ንኺሕግዞም ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣተባብዖም። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ንየሆዋ ኺመስልዎ ኸም ዚኽእሉ ነገሮም።

ሓው ለት ኣብ መወዳእታ፡ ኢሳይያስ 40:11 ኣንበበ። ነቶም ተኣከብቲ ድማ፡ ነቲ ኣብታ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ርሕራሐ ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእልዎ ነገሮም። ድሕሪኡ፡ “የሆዋ ኣብ ቅልጽሙ ይእክበና እዩ። ኣብ ሕቝፉ እውን ይስከመና እዩ” በለ። እሞኸ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ እቶም ተመሃሮ፡ የሆዋ ኣብ ሕቝፉ ምእንቲ ኺስከሞም፡ ልክዕ ከም ዕየት ህዱኣትን ልኡማትን ኪዀኑ ምሕጽንታ ቐረበሎም።

“እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዴቪድ ስፕለይን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘርእስቱ ቕዱስ ጽሑፋዊ መደረ ኣቕረበ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እቲ መዝገብ እንታይ እዩ፧ ፍልጠት ወይ ጥበብ ድዩ፧ እቲ ተዛራባይ ኪምልስ ከሎ፡ “ኣይፋልን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዝነበረ መዝገብ፡ ‘ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዚገልጽ ኣገልግሎት’ እዩ ዜመልክት” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:1, 2, 5) ሓው ስፕለይን ነቶም ተመሃሮ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚወሃቦም ፍሉይ ዕዮ ዜዳልዎም ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ስልጠና ኸም ዝወሰዱ ኣዘኻኸሮም። እቲ ዕዮ ኸኣ፡ ኣዝዩ ኽቡር እዩ።

እቲ ተዛራባይ፡ “ኣቕሓ መሬት” ንስጋና ኸም ዜመልክት ገለጸ። ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ሓመድ እተሰርሐ ኣቕሓን ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ኣቕሓን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ሓበረ። ኣቕሓ ወርቂ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣይዕየየሉን እዩ። ኣቕሓ መሬት ግና፡ ኪዕየየሉ ተባሂሉ እዩ ዚስራሕ። ንሓደ መዝገብ ኣብ ኣቕሓ ወርቂ እንተ ኣቐሚጥናዮ፡ ኣብቲ መዝገብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣቕሓ ወርቂ ኢና እነተኵር። ሓው ስፕለይን ነቶም ተመሃሮ፡ “ናብ ርእስኹም ኣቓልቦ ኽትስሕቡ የብልኩምን። ሚስዮናውያን ከም ምዃንኩም መጠን፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ኽትመርሕዎም ኣሎኩም። ከመይሲ፡ ትሑት ኣቕሓ መሬት ኢኹም” በሎም።

ሓው ስፕለይን፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ገሊኡ ኣቕሓ መሬት፡ ሓዊ ዚጻወር ከም ዝነበረን ገሊኡ ኣቕሓ መሬት ከኣ፡ ንኸይጕዳእ ዚከላኸለሉ ነገር ይልከ ኸም ዝነበረን ገለጸ። እቶም ሚስዮናውያን ምስቲ ኣቕሓ መሬት ኪመሳሰሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብተን ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ዜሕልፍወን ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ፡ ንተጻዋርነቶም ዜማዕብል እተፈላለየ ጸገማት ከም ዜጋጥሞም ፍሉጥ እዩ። ሽዑ ግና፡ ኪንቀፉ ኸለዉ፡ ስምዒቶም ኣይጕዳእን እዩ፣ ቂም እውን ኣይሕዙን እዮም። ሓው ስፕለይን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብቲ ዝሓሰብኩምዎ ንላዕሊ ብርቱዓት ምዃንኩም ክትርእዩ ኢኹም” በለ። የሆዋ ንመላእኽቲ ዘይኰነስ፡ ንኣቕሓ መሬት እዩ መዝገብ ኣገልግሎት ሂብዎም። “እዚ ኸኣ የሆዋ ብኣኻትኩም ከም ዚተኣማመን ዜርኢ እዩ” ብምባል እቲ ተዛራባይ መደረኡ ዛዘመ።

‘ምስ ኣጋርሲ ተቓዳዲምኩም፡ ምስ ኣፍራስከ፧’

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ፡ “ንኽንደይ ዚኣክል ርሕቀት ኢኹም ክትጐይዩ እትኽእሉ፧ ክትጐይዩ ኸለኹምከ ኽሳዕ ክንደይ ኢኹም እትፈጥኑ፧” ኢሉ ሓተተ። ነቶም ተመሃሮ ኸምኡ ኢሉ ዝሓተቶም ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ተዛራባይ፡ ነቲ እቶም ተመሃሮ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ምስቲ ነብዪ ኤርምያስ ዘሕለፎ ኣመሳሰሎ። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኤርምያስ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ገና ግና ዝገደደ ፈተናታት ይጽበዮ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ፡ “ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።—ኤርምያስ 12:5።

ሓው ሀርድ ነቲ ነጥቢ ምስቶም ተመሃሮ ብምትሕሓዝ ከምዚ በለ፦ “ብምኽንያት እቲ ዝገበርኩምዎ ናይ ጽሑፍ ፈተና፡ ምስ ኣፍራስ እትቀዳደሙ ዝነበርኩም ኰይኑ ይስምዓኩም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ምስ ኣፍራስ ዘይኰነስ፡ ምስ ኣጋር ኢኹም እትቀዳደሙ ኔርኩም። ኣብቲ እትምደቡሉ ቦታ፡ ካብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ ዜሸግር ብድሆታት ስለ ዜጋጥመኩም፡ ምስ ኣፍራስ ክትቀዳደሙ ኢኹም። እሞኸ ኽትዕወቱ ዲኹም፧ ኣብ ጊልዓድ እተዋህበኩም ስልጠና፡ ምስ ኣፍራስ ተቐዳዲምኩም ንኸይትደኽሙ ኣዳልዩኩም እዩ።” እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ ንገዛእ ርእሶም ብቐጻሊ ብመንፈስ ኬሰልጥንዋ፡ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎም፡ ከምኡውን ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ኣተባብዖም።

ሓው ሀርድ፡ ገሊኦም ሚስዮናውያን፡ ምስ ተስፋ ምቝራጽ፡ ምስ ዘይተገዳስነት፡ ምስ ሕማም፡ ከምኡውን ዘይብቑዕ ከይከውን ምስ ዚብልዎ ስክፍታ ኸም ዚቃለሱ ገለጸ። ኰይኑ ግና፡ ንዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት ብዓወት ንኺሰግርዎ ዚሕግዞም ምንጪ ብርታዐ ኸም ዘለዎም ኣረጋገጸሎም። ከምዚ ድማ በሎም፦ “ምስ ኣጋር ይኹን ምስ ኣፍራስ እኳ እንተ ተቐዳደምኩም፡ እታ ብርትዕቲ ኢድ የሆዋ ዕዉታት ንኽትኰኑ ኸም እትሕግዘኩም ተኣማመኑ። ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ ኽብርን ውዳሰን ዜምጽኡሉ ዕዉታት ሚስዮናውያን ክትኰኑ ኢኹም።”

ኣብቲ መደብ ዝጐልሐ ኻልእ ክፍልታት

“ኣይተውሕድዮ።” ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ጆን ኢክራን፡ ኣብቲ ብዛዕባ ነብዪ ኤልሳእን ብዛዕባ ሓንቲ መበለትን ዚገልጽ ጸብጻብ እተመርኰሰ መደረ ኣቕረበ፣ ደቂ እታ መበለት፡ ባሮት እቲ ዘለቀሖም ሰብኣይ ኪዀኑ ተሓሲቡ ነበረ። (2 ነገስት 4:1-7) እታ መበለት፡ ብጀካ ሓንቲ ንእሽቶ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ገለ እኳ ኣይነበራን። ኤልሳእ ነታ መበለት፡ ካብ ኵለን ጐረባብታ፡ ጥራዩ ዝዀነ ጐይብታት ክትልምን ነገራ፣ “ኣይተውሕድዮ ድማ” በላ። የሆዋ ብኤልሳእ ኣቢሉ፡ ንዅሉ እቲ ጐይብታት ብተኣምራዊ መገዲ ብዘይቲ መልኦ። እታ መበለት ከኣ ነቲ ዘይቲ ሸይጣ ዕዳኣ ኸፈለት፣ በቲ ዝተረፈ ድማ ንእተወሰነ እዋን ንስድራ ቤታ ኽትናቢ ኸኣለት።

እቶም ሚስዮናውያን ኪዀኑ ዚዳለዉ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብዚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ እታ መበለት ተወሳኺ ጐይብታት ክትእክብ ከላ፡ ኣይተማርጽን ነይራ ትኸውን። እቲ ተዛራባይ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ዝዀነ ይኹን ዘይቲ ኺሕዝ ዚኽእል ጐይቢ እያ ለሚና ኽትከውን እትኽእል፣ ምናልባት እውን ዓበይቲ ጐይብታት ኣምጺኣ ኽትከውን ትኽእል እያ” በለ። ነቶም ተመሃሮ ድማ፡ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኪቕበሉ ኣተባብዖም። “ኣይተማርጹ” ድማ በሎም። ብዘይካዚ፡ እታ መበለት ክትባረኽ ዝኸኣለት፡ ነቲ ኤልሳእ ዝሃባ መምርሒ ብኣቓልቦ ስለ ዝሰምዓቶ ምዃኑ ገለጸ። እቶም ተመሃሮ ኻብዚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ እቲ እንረኽቦ በረኸት፡ ብመጠን እቲ ዘሎና ቕንኣትን እምነትን እዩ ዚውሰን። እቲ ተዛራባይ፡ “ልግመኛታት ኣይትኹኑ” በለ።

“ንሳቶም እንጌራና እዮም።” ሓላዊ ኽፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዀነ ዊልያም ሳሙኤልሰን፡ ኣብዛ ኻብ ዘሁልቍ 14:9 እተወስደት ሓሳብ ተመርኲሱ መደረ ኣቕረበ። ነቲ እያሱን ካሌብን ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ድማ ኣጕልሖ። እታ ኣብታ ጥቕሲ ዘላ “እንጌራ” እትብል ቃል፡ እስራኤላውያን ንተቐማጦ ከነኣን ብቐሊሉ ኺስዕርዎም ከም ዚኽእሉ፡ እቲ ዚረኽብዎ ዓወት ከኣ ኪሕግዞምን ኬተባብዖምን ከም ዚኽእል እያ እትሕብር። እሞኸ እቶም ተመሃሮ ኻብዚ እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዚኽእሉ፧ እቲ ተዛራባይ፡ “እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ እትገብርዎ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዜጋጥመኩም ብድሆታት፡ ከም ዜበራትዓኩምን ከም ዜጸናንዓኩምን ጌርኩም ሕሰቡ” በለ።

“ናይ እምነት መርከቦም ነቲ ዜጋጥሞም ማዕበል ምእንቲ ኽትሰግሮ፡ ድልዱል መልህቅ ድዩ ዘለዋ፧” ሓደ ኻብቶም መምህራን ዝዀነ ሳም ሮበርሰን፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ‘ናይ እምነት መርከቦም እተሰብረቶም’ ሰባት ብዚምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ገለጸ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ነቶም ተመሃሮ ድማ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ንመልህቖም ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምድርባይ ድልድልቲ እምነት ንኼጥርዩ ኺሕግዝዎም ኣተባብዖም። “ዕዮኹም ምስ ዕዮ ሓጓዳይ ይመሳሰል እዩ” ኸኣ በሎም። ብኸመይ፧ ሓደ ሓጓዳይ፡ ነቲ ኣብቲ ንሓንቲ መርከብን ንመልህቕን ዜራኽብ ድልዱል ሰንሰለት ዘሎ ቐለቤት በብሓደ ገይሩ ይልሕሞ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሚስዮናውያን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ሰባት፡ ንምድሓን ዜድሊ መንፈሳዊ ባህርያት ንኼጥርዩ ይሕግዝዎም እዮም።

እቲ ተዛራባይ ነተን ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:5-8 ተጠቒሰን ዘለዋ ሸሞንተ ባህርያት፡ ምስ ቀለቤት ሰንሰለት ኣመሳሰለን። እቶም ሚስዮናውያን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ሰባት፡ የሆዋ ነተን ባህርያት ብኸመይ ከም ዜንጸባርቐን እንተ ምሂሮምዎም፡ እቶም ተመሃሮ ምስ የሆዋ ፈጺሙ ዘይብተኽ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንዝዀነ ይኹን ምስ ማዕበል ኪመሳሰል ዚኽእል ንእምነቶም ዚፍትን ጸገም ኪሰግርዎ ይኽእሉ እዮም።

ተመክሮታትን ቃለ መጠይቓትን

ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ማይክል በርነት፡ ነቶም ተመሃሮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኬዘንትዉን ብመርኣያ ኬቕርቡን ሓተቶም። እቶም ተመሃሮ ኣብ ዕዳጋን ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ካብ ቤት ናብ ቤትን ኪሰብኩ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተጋግዩ ንዝደወለ ሰብ ኪምስክሩሉ ምኽኣሎም፡ ነቶም ተኣከብቲ ኣሐጒስዎም እዩ።

ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ማይክል ሃንሰን፡ ንሰለስተ ምኩራት ሚስዮናውያን፡ ማለት ነቲ ኻብ ፓናማ ዝመጸ ስቴፈን ማክዱወል፡ ነቲ ኻብ ኬንያ ዝመጸ ማርክ ኑማር፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ፓራጓይ ዝመጸ ዊልያም ያሶቭስኪ፡ ቃለ መጠይቕ ገበረሎም። እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት፡ ነቲ፡ “ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ” ዘርእስቱ መደረ ድምቀት ወሰኸሉ። (መዝሙር 40:8) ንኣብነት፡ ማርክ ኑማር፡ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ዚረኽብዎ ሓጐስ ገለጸ። ሓደ ኻብቲ ዜሐጕሶም ነገራት፡ ምስቶም ኣብ ኬንያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመስረትዎ ምሕዝነት እዩ። ካልእ ምንጪ ሓጐሶም ከኣ፡ እቶም ኣሕዋት መምርሒ ኺስዕቡን ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩን የሆዋ ንጻዕሮም ኪባርኾን ከሎ ምርኣዮም እዩ። ማርክ ኑማር ነቶም ተመሃሮ፡ ኣብ መጻኢ ብዙሕ ዜሐጕስ ነገራት ከም ዚረኽቡ ኣረጋገጸሎም።

ሓደ ኣባል እቲ መበል 131 ክፍሊ፡ ብዛዕባ ሞሳ እቶም ተመሃሮ እትገልጽ ደብዳበ ምስ ኣንበበ፡ ሓው ለት፡ እቶም ተመሃሮ ጥበባዊ ስጕምቲ ኺወስዱ ዜተባብዕ መደረ ብምቕራብ ነቲ መደብ ዛዘሞ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ‘ንየሆዋ ኼሐጕስዎ’ እዮም። እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ምድቦም ኰይኖም ብተኣማንነት ብምግልጋል፡ ንየሆዋ ኸም ዜሐጕስዎ ኣየጠራጥርን እዩ።—ኢሳይያስ 65:19።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

10 ዝመጹለን ሃገራት

34.7 ገምጋም ዕድመ

19.0 ካብ ዚጥመቑ ዘሕለፍዎ ገምጋም ዓመታት

13.5 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት

[ካርታ]

(ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ጽሑፍ ርአ)

እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ተመዲቦም፦

እተመደቡለን ሃገራት

በኒን

ብራዚል

ቡልጋርያ

ብሩንዲ

ካመሩን

ካናዳ

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ጀርመን

ጋና

ሆንግ ኮንግ

ኢንዶነዥያ

ኬንያ

ላይበርያ

ሊትወይንያ

ማሌዥያ

ሞዛምቢክ

ነፖል

ፓናማ

ፓራጓይ

ሰራ ልዮን

ስሎቫክያ

ደቡብ ኣፍሪቃ

ሕቡታት መንግስትታት ኣመሪካ

ቨነዝወላ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ተመሃሮ ጊልዓድ ኣብ ስብከት ዝረኸብዎ ተመክሮ ብመርኣያ ኬቕርቡ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 131 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት፡ ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ክሪስቶፍ ለሽ፣ ናዲን ለሽ፣ ፓትሪክ ሻካርጂን፣ ቴራ ሻካርጂን፣ ራሞን በደን፣ ኬሊ በደን፣ ታሚ ናሽ፣ ሊ ናሽ።

(2) ኢንሪኮ ትራንብሌ፣ ካራሊን ትራንብሌ፣ ዶርካስ ጋርቪ፣ ጋርፊልድ ጋርቪ፣ ሩት ጎንት፣ ፒተር ጎንት፣ ጀስሚን ላኡ፣ ጆን ላኡ።

(3) ሾን ዴቪስ፣ ሳብሪና ዴቪስ፣ ጆሹዋ ሳርጀንት፣ ጀሲካ ሳርጀንት፣ ቻርለስ ፎንሴካ፣ ስቴፋን ፎንሴካ፣ ኤስተር ቴናር፣ ኣርማን ቴናር።

(4) ኣንቶኒ ፔትራዮተን፣ ሬቸል ፔትራዮተን፣ ናጊሳ ሬኤስ፣ ነፍታሊ ሬኤስ፣ ቢርጊት ኢዚሚንገር፣ ሾን ኢዚሚንገር፣ ጆይ ሃከር፣ ቻርለስ ሃከር።

(5) ኢሪክ ሃርትመን፣ ትሬዝ ሃርትመን፣ ዋድ ጉልያ፣ ክሪስቲን ጉልያ፣ ጄሰን ቶማስ፣ ኢሪን ቶማስ፣ ናሆኮ ኦካዛኪ፣ ማሳ ኦካዛኪ።

(6) ከርተስ ሚልዝ፣ ኣምበር ሚልዝ፣ ሉሲ በኒንግ፣ ትሬሲ በኒንግ፣ ሳራ ሶቢኤስኪ፣ ቶማስ ሶቢኤስኪ፣ ሊንዳ ጋንዮን፣ ዩጂን ጋንዮን።

(7) ብራይስ ሃንሰን፣ ማሪያ ሃንሰን፣ ኣድርያን ፋሂ፣ ሚሸል ፋሂ፣ የስፐር ደልጎር፣ የን ደልጎር፣ ማሊን ኣንደርሰን፣ ሮበርት ኣንደርሰን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ