ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝወደቦም ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ንዘርኢ እቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ከም ህዝቢ ወዲቡ፡ ሕግታት ሂብዎም እዩ። ነቲ ህዝቢ፡ እስራኤል ኢሉ ሰመዮ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ነቲ ቓሉ ዝዀነ ቅዱሳት ጽሑፋትን ምእንቲ ኺዕቅቡ ድማ ሓላፍነት ሃቦም። (መዝሙር 147:19, 20) በዚ ኸምዚ ዅሎም ህዝብታት ተጠቒሞም እዮም።—ዘፍጥረት 22:18 ኣንብብ።
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን መሰኻኽሩ ኪዀኑ መረጾም። እስራኤላውያን ንሕግታት ኣምላኽ ኪእዘዙ ኸለዉ፡ ይጥቀሙ ነበሩ። (ዘዳግም 4:6) ንታሪኽ እስራኤላውያን ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዙሕ ፍልጠት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 43:10, 12 ኣንብብ።
2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተወደቡ ስለምንታይ እዮም፧
ድሕሪ ገለ ግዜያት፡ እስራኤላውያን ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዝሰኣኑ፡ የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ተክኦም። (ማቴዎስ 21:43፣ 23:37, 38) ቀደም፡ እስራኤላውያን መሰኻኽር ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ሕጂ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:14, 17 ኣንብብ።
የሱስ ንሰዓብቱ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ብምኻድ ብዛዕባ የሆዋ ኺምስክሩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ወደቦም። (ማቴዎስ 10:7, 11፣ 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ፡ ናብ ምዝዛሙ ገጹ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። የሆዋ ሎሚ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዚመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣሕቢርዎም ኣሎ። (ራእይ 7:9, 10) ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተወደቡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺተባብዑን ኪተሓጋገዙን እዮም። ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ኣኼባታቶም ሓደ ዓይነት መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚስዕቡ።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።
3. ኣብዚ ዘመን እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧
ኣብዚ ዘመንና ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1870ታት እዩ ጀሚሩ። ሒደት ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንነዊሕ እዋን ተሰዊሩ ዝነበረ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምርዎ ጀመሩ። የሱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንስብከት ከም ዝወደባ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ኣህጉራዊ ወፍሪ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጀመሩ። ብ1931 ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ተጸውዑ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 2:1, 4፣ 5:42 ኣንብብ።
4. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወደቡ ብኸመይ እዮም፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት፡ ካብቲ ንየሱስ ከም ርእሲ ጉባኤ ገይሩ ኣፍልጦ ዚህበሉ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ይጥቀማ ነይረን እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5) ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰካኽር ንየሱስ ከም መራሒኦም ገይሮም ኣፍልጦ ይህቡሉ እዮም። (ማቴዎስ 23:9, 10) ብዘይካዚ፡ ካብቲ ብምኩራት ሽማግለታት ዝቘመ፡ ንልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ መተባብዕን መምርሕን ዚህብ ኣመሓዳሪ ኣካል ይጥቀሙ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ብቑዓት ሰብኡት ከም ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ብፍቕሪ እዮም ዚሓልዩሉ።—1 ጴጥሮስ 5:2, 3 ኣንብብ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብሩን ተወዲቦም እዮም። ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚነብሩ ሰባት ምእንቲ ኺሕግዙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ይትርጕሙን ይሓትሙን ይዝርግሑን እዮም። ከምቲ ሃዋርያት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ይሰብኩ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ምስቶም ንሓቂ ልባዊ ፍቕሪ ዘለዎም ሰባት ብብሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ፍቓደኛታት እዮም። ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኽ ኬሐጕሱን ንኻልኦት ኪሕግዙን ስለ ዚጽዕሩ፡ ሕጉሳት ህዝቢ እዮም።—መዝሙር 33:12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።