ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/8 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሕቶ 1፦ ህይወተይ ዕላማ ኣለዋ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/8 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይን ሓደ ቘልዓን ናብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ እናማዕደዉ

ሓድሓደ ግዜ ህይወት ኣዝያ ሓጻር ኰይናዶ ትስምዓካ፧

‘ህይወትሲ ኻብ ምዝንጋዕን ምስራሕን ሓዳር ምግባርን ቈልዑ ምዕባይን ምእራግን ሓሊፍካ ኻልእ ትርጉም ኣለዋ ድዩ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ (እዮብ 14:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ኣዝዮም ጥበበኛታት ዝነበሩ ሰባት እውን ከይተረፉ ኸምዚ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም እዮም።—መክብብ 2:11 ኣንብብ።

ህይወት ትርጉም ኣለዋዶ፧ ፈለማ፡ ‘ህይወት ብኸመይ እያ ጀሚራ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣእምሮናን ዝተረፈ ኽፋል ኣካላትናን እተነድፈሉ ድንቂ ዝዀነ ኣገባብ ምስ መርመሩ፡ ጥበበኛ ፈጣሪ ኸም ዝፈጠረና ደምዲሞም እዮም። (መዝሙር 139:14 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ብዕላማ እዩ ፈጢሩና ኪኸውን ዘለዎ። እዚ ምፍላጥና ህይወትና ትርጉም ከም ዘለዋ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ደቂ ሰብ ስለምንታይ እዮም ተፈጢሮም፧

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ባሪኽዎምን ባህ ዜብል ዕዮ ሂብዎምን እዩ። ዕላማኡ ድማ ንምድሪ ኺመልእዋን ገነት ኪገብርዋን ከምኡ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 1:28, 31 ኣንብብ።

ደቂ ሰብ ኣንጻር ግዝኣቱ ምስ ዓለዉ፡ ዕላማ ኣምላኽ ተደናጐየ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ኣይሓደገናን፣ ነቲ ንዓናን ንምድርን ዝነበሮ ዕላማ ድማ ኣይቀየሮን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት ንምድሓንን ነቲ ንምድሪ ዚምልከት ዕላማኡ ንምፍጻምን ኪዓዪ ኸም ዝጸንሐ የረጋግጸልና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ንህይወት በቲ ንሱ ዝዓለሞ መገዲ ኸተስተማቕራ እዩ ዚደልየካ። (መዝሙር 37:29 ኣንብብ።) ካብቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ብውልቅኻ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ